Posts

Showing posts with the label ፍዚክስ

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

Image
ሲ-ኦ-2 ( CO₂)   ከሚካዊ ቀመር (formula) ናይ ካርቦንዳይኦክሳይድ (Carbon dioxide) እዩ። ካርቦንዳይኦክሳይድ ጋዝ እዩ፡ እቲ ጋዝ ካብ ካርቦንን ኦክሲጅንን ዝቆመ ኮይኑ፡ እቲ ቀመር  (ሲ-ኦ-2)    ድማ እቲ ጋዝ ካብ ሓንቲ ናይ ካርቦን ኣቶም፡ 2 ድማ ናይ ኦክስጅን ኣቶምን ዝቖመ ምዃኑ ይሕብር። ካርቦንዳይኦክሳይድ ኣብ ማይ ዝሓቅቅ ወይ ዝፍታሕ ጨና፡ ሕብሪ ዘይብሉ፡ ዘይነድድ ዓይነት ጋዝ እዩ። እቶም ብብዙሓት ሰባት ዝፍተዉ ጋዝ ዝተሓወሶም ለስለሳታት ንኣብነት ማይ ማዕድን፡ ኯካ፡ ፋንታ ወዘተ ውን ካርቦንዳይኦክሳይድ ስለ ዝተሓወሶም`ዩ፡ ክበሃል ይከኣል። ካርቦንዳይኦክሳይድ ሓደ ባህርያዊ ክፋል ናይቲ እነስተንፍሶ ኣየር`ዩ። ኣየር ክሳብ 0.04% ካብ ካርቦንዳይኦክሳይድ፡ 21% ካብ ኦክስጅን፡ 78% ካብ ናይትሮጅን ከምኡውን ካልኦትን ጋዛትን ዝቖመ`ዩ። ከምዚ ንርእዮ እምብኣር፡ ካርቦንዳይኦክሳይድ፡ ካብ ባህሪ ዘፍቅዶ መጠኑ ክሳብ ዘይሓለፈ፡ ዘይጓዳእን ባህርያውን ጋዝ`ዩ። ግደ ሓቂ፡ ኣብ ዓለም ንዝነብሩ ህያውያን ፍጡራት ኣትኽልቲ፡ሰብ፡እንስሳታት ንምንባር ዘድልዮም ጋዝ፡ እዩ። እቲ መስርሕ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል/// ኣትክልቲ ብሰራውሮም ማይን፡ ማዕድናትን ካብ ምድሪ ይስሕቡ፡ ብኣቚጽልቶም ውን ካርቦንዳይኦክሳይድ። ኣማስያኡ ብሓገዝ ብርሃናዊ ጸዓት ናይ ጸሓይ ግሉኮዝ (glucose) ዝተባህለ ፡ዘድልዮም ፡ ዓይነት ሽኮር ከምኡውን ንእቲ ሰብን እንስሳታትን ዘስተንፍስዎ ኦክስጅን የፍርዩ። እቲ እዚ ዝኾነሉ መስርሕ ጽማረ-ብርሃን (photosynthesis) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዘይካዚ ሰባትን እንስሳታትን ንኽነብሩ፡ ንእቶም ሳላ ካርቦንዳይኦክሳይድ ዝሃለዉ፡ ኣትኽልቲ ይበል`ዑ። ምናልባት ስጋ ጥራይ ዝምገቡ እንስሳታት ኣለዉ እንድዮም ትብሉ

ጸርገ-ንጥፈት እንታይ እዩ፧ (radioactivity)

Image
        ናይ ቻርኖቢል ፡ ዩክረይን፡ ብ 1986 ኑክለየሳዊ ሓደጋ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ብሰንኪ ሳዕቤን ጸርገ-ንጥፈት ዝባደመ ስፍራታት! ብጫ፦ ካቢና ቴሌፎን! ጸርገ-ንጥፈት ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ፡ ሓደ ባህሪ ናይ ጽኑዕ ሕመረት ዘይብሉ ባእታ እዩ። ሕመረት፡ እቲ ካብ ፕሮቶን ከምኡ ውን ንዩትሮን ዝቖመ ማእከላይን ወሳንን ክፋል ሓደ ኣቶም እዩ። ኣቶም ካብ እቶም ኣብ ሕመረቱ ዝርከቡ ንዩትሮን፡ፕሮቶን ከምኡውን ካብ ኤልክትሮንን ዝቖመ እዩ። ብዝሒ ንዩትሮንን፡ ኤለክትሮንን ድማ ኣብ ንቡር ኲነት ዝተመጣጠነ እዩ። ግናኸ ኣብኣቶም ከምዚ ዘይኮነ፡ ገለ ባእታታት ኣለዉ፡ ንኣብነት ዩረይነም። ዘይጽኑዕ ሕመረት ማለት እምበኣር፡ ብዝሒ ንዩትሮንን ናይ ሓደ ኣቶም ምስ ብዝሒ ናይ እቶም ኤለክትሮን ዘይመዛዘን እንተኾነ እዩ።  ዘይምምዝዛን ብዝሒ ንዩትሮንን ኤለክትሮንን ኣብ ሓደ ኣቶም፡ ምስ ዘጋጥም፡ ሓደ ኣቶም ይብተን፡ ድሕሪኡ ድማ ሓድሽ ይፍጠር፡ ኣብቲ መስርሕ ምብታን እዩ እምበኣር ጸርገ-ንጥፈት ዝካየድ። እዚ ማለት ልክዕ ከም ጩራ-ብርሃን ጸሓይ፡ ግናኸ ክርአ ዘይክእል  ጸዓት-ሓዘል ጸዳል ይፍኖ። እቲ ጸዳል ጸዓት- ወይ ሓይሊ ሓዘል ብምዃኑ፡ ዋህዮታት ህያውያን ፍጡራት፡ ማለት ናይ ሰብ፡ እንስሳታት ከምኡ'ውን ኣትክልቲ፡ ናይ ምጕዳእ ክእለት ኣለዎ።        ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጸርገ-ንጥፈት ዓይነታት መለልዪኦም alpha(ኣልፋ) )) እዚ ዓይነት ጸርገ-ንጥፈት፡ ሓደ ዘይጽኑዕ ሕመረት ዘለዎ ባእታ ናብ ሂልየም ዝተባህለ ከሚካዊ ባእታ  ምስ ዝቕየር እዩ፡ ዝፍጠር። beta (ቤታ) እዚ ዓይነት ጸርገ-ንጥፈት ካብቲ ዘይጽኑዕ ሕመረት ዘለዎ ኣቶም፡ ጸዓት-ሓዘላት ኤለክትሮን ምስ ዝፍነው እዩ፡ ዝረአ። gamma rays(ጋማ-(ጸዳል)) ጋማ-ጸዳል ኤለክትሮማግነቲካዊ ጩራ ኮይኑ ዘይከም

ሰለስተ ሕግታት ኒውተን እንታይ ይገልጹ፧

Image
                            ኣይዘክ ኒውተን (Sir Isaac Newton) ብ 1643 ተወሊዱ  ብ 1727 እዩ፡ ዝዓረፈ። ንሱ ምስ እቶም  ንዓለም ፍሉይ እጃም ዘበርከቱ ተመራመርቲ`ዩ ዝቑጸር። ኒውተን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስነ-ፍልጠት እዩ፡ ዝነጥፍ ዝነበረ። ንኣይዘኽ ኒውተን ብፍሉይ ዘዘክሮ፡ እቲ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ፡ ብሂል ቱፋሕ እዩ። ንሱ ኣብ ትሕቲ ገረብ ትፋሕ ኮፍ ኢሉ እንከሎ፡ ትፋሕ ካብቲ ገረብ ወዲቃ ኣብ ርእሱ ከም ዝወቐዐቶ ይዝንቶ፡ ንእታ ትፋሕ ክትወድቕ ዝገደዳ ምኽንያት ንምፍላጥ መርመራ ድሕሪ ምግባር፡ ኒውተን፡ ስሕበት  ዝብል መትከል ኣቚሙ። 3 ሕግታት ኒውተን‘ውን ንሱ ዘለለዮም መትከላት እዮም፡ ንዕኡ ንምኽባር ድማ 'ናይ ምንቅስቓስ  3 ሕግታት ኒውተን'  ተሰምዮም። እቶም 3 ሕግታት እንታይ‘ዮም፡ ዝብሉ ፧   እታ ቀዳመይቲ ሕጊ  ድሮ ኣብ ምንቅስቓስ  ወይ  ኣብ ጸት'ታ ንዘሎ ኣካል እያ ትገልጽ። ሓደ ኣብ ጸት'ታ ዝርከብ ኣካል ካብ ካልእ ዝመጸ ሓይሊ ክሳብ ዘይተንከፎ ከም ቀደሙ‘ዩ  ጸ'ትኡ ዝቕጽል ወይ ሓደ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከብ ኣካል፡ ካብ ካልእ ዝመጸ ሓይሊ ክሳብ ዘይተንከፎ ከም ቀደምዩ ምንቅስቓሱ ዝቕጽል፡ ፍጥነቱ ኣይውስኽን ወይ ኣይንክን እዩ። 1ይ ኣብነት ናይ ቀዳማይ ሕጊ ኒውተን/ // ዝተቀልዐት ኲዑሶ ደው ከብላ ዝኽእል ሓይሊ ክሳብ ዘይረኸበት፡ ናህሪ ይኹን ፍጥነት ብዘይ ምውሳኽ፡ ትበርር። ኣብ ዓለም  ክብደት ንዘለዎ ዘበለ ብማእከላይ ገምጋም 9,81 ሜ/ካ²  (ሜትሮ ንትርዒት ካልኢት) ዝስሕብ ሓይሊ ክሳብ ዝሃለወ ግን፡ ዝተቀልዐት ኲዕሶ ኣብ ምድሪ ክትዓልብ ግዲ ይኾና። 2ይ መረዳእታ ናይ 1ይ ሕጊ ኒውተን///  ኣብ ምድሪ ጸት ኢላ ዘላ ኲዑሶ ካልእ፡ ሓይሊ መጽዩ ክሳብ ዘይተንከፋ፡ 

ግመ ካበይ'ዩ ዝመጽእ፧

Image
ግመ፡ ዕምብረ ወይ፡ (ፍኲስ ዝበለ እንተኾነ)፡ ጣቓ፡ ድነ ብሰንኪ ጥሉል ኣየርን፡ ትሑት ሙቐትን ዝፍተር ኣብ ልዕሊ ዝባን ምድሪ ዝርከብ፡ ንዝተወሰነ ርሕቐት ኣሕሊፉ ዘይርኢ፡ ዝዓበየ ክፋሉ ካብ ነጠብጣብ ማይ ዝቖመ ትኪመሰል ደበና እዩ።   =>  ብዛዕባ ኣየር ውሱን ርዝነት ዝውንን፡ ቦታ ዝሕዝ ዘበለ ኲሉ ግኡዝ፡ ግዛዕ ወይ ነገር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣየር ሓደ ካብ እቶም 3 መልክዓት ናይ ነገር እዩ። እቶም 3 መልክዓት ናይ ነገር ድማ ብዝርዝር ፈሳሲ፡ ደረቕ፡ ጋዝ እዮም። ፈሳሲ ቅርጺ መትሓዚኡ ይለብስን፡ ፍሉጥ ትሕዘት ወይ ቅጺ (volume) ኣለዎን፡ ደረቕ ድማ ፍሉጥ ቅርጽን፡ ትሕዘትን ኣለዎ፡ እዚ ማለት ቅርጹን ዝሕዞ ቦታን ፍሉጥ እዩ። ኣየር ግና ቅርጽን፡ ትሕዘትን ናይ መትሓዚኡ እዩ፡ ዝወስድ። ኣየር ናይ ባዕሉ ትሕዘት ይኹን ቅርጺ የብሉን። እዚ ማለት ንኣብ. ኣብ ሓደ ገዛ ዝርከብ ኣየር ኩሉ እንተጸንቀቕናዩ፡ ኣስዒብና ሓንቲ ኪሎ ኣየር እንተፈነና፡ እታ ሓንቲ ኪሎ ኣየር ንኹላ ብምምላእ ቅርጺ ናይ እታ ገዛ ምወሰደት።    ግመ፡ ምድሪ ዝተንከፈ ደበና እቲ ከቢብና ዝርከብ ኣየር ክሳብ 78%  ካብ ናይትሮጅን፡ ክሳብ 21%  ካብ ኦክስጅን ዝቖመ እዩ፡ ዝተረፈ ካርቦንዳይኦክሳይድ፡ ኣርጎን (ዓይነት ጋዝ)፡ ሃፋማይ  ወዘተ እዩ። ኣየር ከም ነፍስወከፍ ካልእ ግዛዕ ንኣብ. ዓለባ፡ ዕንጨይቲ ወይ ካልእ ማይዓገት ዘይኮነ ነገር፡ ይትርክስ፡ እዚ ማለት፡ ጠሊ ወይ ሃፋማይ ይሕዝ እዩ። ግናኸ እቲ ኣየር ዝሕዞ መጠነ-ሃፋማይ ኣብ ሙቐትን፡ ጸቕጢ ኣየርን እዩ፡ ዝምርኮስ። 20° ሰልዝየስ ዝዕቀን ሙቐት እንተሃለወ፡ ኣየር ዕጽፊ ዝብዝሑ ሃፋማይ ይስከም፡ ካብ 10° ሰልዝየስ ዝዕቀን ሙቐት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ። ብዝሞቐሉ መጠን ብዙሕ ሃፋማይ ዝስከመሉ ምኽንያት፡ ኣየር እንተወ

እሳተጎመራ ካበይ ይምንጩ፧

Image
  እሳተጎመራ፡ ኣብ ዝባን ምድሪ ዝርከብ ብእኡ ድማ ምካኽ-እምኒ ፡ ሓሞዂሽቲ ከምኡውን ጋዛት ዝወጽሉ ከፋት እዩ። ጥንታውያን ሰባት፡ እቲ ከፋት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ናይ እቶም ኣብኡ ምህላዎም ዝእመነሎም ኣማልኽቲ ምዃኑ፡ ይኣምኑ ነበሩ። እቲ ‘ቮልከይኖ’ (volcano) ዝብል እሳተጎመራ ዝትርጉሙ ናይ እንግልዝኛ ቃል ውን፡ ካብ ስም ናይ እቲ ‘ቩልካን’ (vulcan) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ናይ ሮማውያን ኣምላኽ እዩ፡ ተወሲዱ። እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዝገዝእ ምዃኑ፡ ሮማውያን ይኣምኑ ነበሩ። ምንጪ እሳተጎመራ ቅድሚ ምምርማር፡  መዋቕር ወይ 'ኣፈጣጥራ' ምድሪ ንገንዘብ! ሰባት ንምድሪ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ቀጸላታት ይመቕልዎ ንሳቶም ድማ ዝባን/ቅርፍቲ ምድሪ (earth crust) ፡ ሽፋን ምድሪ ( earth mantle) ፡ ላዕለዋይ ሕመረት (outer core) ፡ ታሕተዋይ ሕመረት (inner core) ይበሃሉ። ገለ ተመራርትቲ፡ ንምድሪ ካብ ኣርባዕተ ኣብ ዝበዝሑ ቀጸላታት ውን ይኸፍልዋ እዮም። ቅርፍትን፡ ሽፋንን ምድሪ እታ ህይወት ኣብኣ ጥራይ ዝርከብ ቅርፍቲ ምድሪ፡ ኣብ ባሕርን ንቑጽ ምድርን ዝፈላለ‘ዃ እንተኾነ፡ ግዝፋ ኣስታት 5-60 ኪ.ሜ እዩ፡ ዝበጽሕ። ክሳብ 500 ካብ ዝበጽሑ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣእማን፡ ሓመድ ወዘተ ዝቖመት እያ። እቲ ኣብ ትሕቲ ውቅያኖሳት ዝርከብ ቅርፍቲ ምድሪ ካብ 5-10 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ግዝፊ ኣለዎ።  ግዝፊ ሽፋን ምድሪ ክሳብ 2,500 ኪ.ሜ ይኸውን፡ እዚ ድማ ኣስታት ክልተ ሲሶ ናይ ጠቕላላ ግዝፊ ምድሪ እዩ። ሽፋን ምድሪ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ልዑል ሙቐት፡ ናብ ፈሳሲ ብዝተቐየረ እምንን፡ ማዕድናትን ዝቆመት እያ። ሕመረት ምድሪ  ሕመረት ምድሪ ኣብ ክልተ ይኽፈል፡ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ሕመረት ውን ይስመ። ላዕለዋይ ሕ

ባሕሪ ይገይሽ ይበሃል፡ ናበይ፧

Image
እቲ ተደጋጋሚ ምውሳኽን ምንካይን ናይ ውቅያኖስ ማይ ‘ምልኣት-ባሕሪ’ (tides) ተብሂሉ ይጻዋዕ፡ እዚ ማለት፡ እቲ ኣብ ገማግም ውሱናት ባሕርታት ዝርከብ ጽፍሒ ማይ ይውስኽን ይንክን። እቲ ማያት ገማግም ባሕሪ እምበረመጠን እንተደየበ ‘ልዑል ምልኣ ት-ባሕሪ’ (high tide) እንተነከየ ድማ ‘ትሑት ምልኣት-ባሕሪ’ (low tide) ተብሂሉ ይስመ፡ እዚ 'ምጋሽ/መገሻ ባሕሪ' ብዝብል ልምዳዊ መጸውዒ ውን ይፍለጥ፡ እዩ። ጠንቂ ምልኣት-ባሕሪ እቲ ምውሳኽን ምጒዳልን ጽፍሒ ባሕሪ እንተነወሐ 16 ሜትሮ ይበጽሕ። እዚ ማለት፡ እቲ ጽፍሒ ባሕሪ 16 ሜትሮ ይጎድል፡ ናብ ንቡሩ ድማ ይምለስ። ካብ ሓደ ትሑት ምልኣት-ባሕሪ ክሳብ እቲ ሓደ ኣስታት 12 ሰዓታት ይሓልፍ፡ ኣብ ልዑል ምልኣት-ባሕሪ ውን ከምኡ፡ ኣብ ነፍስከወፍ መበል 6 ሰዓት ድማ ልዑልን፡ ትሑትን ምልኣት-ባሕሪ ይለዋወጡ። ኣብ ውሽጢ ኣስታት 24 ሰዓታት እምበኣር 4-ሳዕ ምልኣተ-ባሕሪ ይኽሰት፡ እዚ ማለት ጽፍሒ-ባሕሪ 1) ይጎድል 2) ይውስኽ 3) ይጎድል 4) ይውስኽ። ጠንቂ ምውሳኽን ምንካይን ጽፍሒ ባሕርታት ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦ እቲ ኣብ ውቅያኖሳትን ባሕርታትን ዘሎ ማይ፡ ብሰንኪ ስሕበት ወርሒ፡ ኣብ ቀጻሊ ምንቅስቓስ እዩ፡ ዝርከብ። እቲ ብልምዳዊ ስያመ 'መገሻ/ ምጋሽ ባሕሪ' ተብሂሉ ዝጽዋዕ ባህርያዊ ተርእዮ፡ ወርሕን ምድርን ኣብ ሓድሕደን ብዘለወን ስሕበታዊ ጽልዋ እዩ፡ ዝፍጠር። ግናኸ ኣብ ርእሲ እቲ ስሕበት ወርሒ፡ ምልኣት ባሕሪ ክፍጠር ዝገብር ካልእ ሓይሊ ውን ኣሎ ፡ ንሱ ድማ ‘ሕምብርተ-ነጻጊ  ሓይሊ’ (centrifugal force) ተብሂሉ ይጽዋዕ። ሕምብርተ-ነጻጊ ሓይሊ፡ ኣብ ዙረታዊ ምንቅስቓስ ዝፍጠር፡ ንሓደ ኣካል ካብ እቲ ሕምብርቲ ዙረት ንግዳም ዝጒንጽ ሓይሊ እዩ። 

ስለምንታይ'ዩ ዙረት ምድሪ ዘይፍለጠና፧

Image
ምድሪ ኣብ 24 ሰዓታት ንርእሳ ሓንሳእ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ወይ 365 መዓልታት ድማ ሓደ ግዜ ንጸሓይ ትዘውር። ምድሪ ፡ ኣብ ቅናት ምድሪ ኣስታት 1,670 ኪ.ሜ/ሰ (ኪሎሜተር ንሰዓት) ናህሪ ኣለዋ፡ እተን ልዑል ፍጥነት ዘለወን መካይን-ውድድር  ክሳብ 300 ኪ.ሜ/ሰ ይጓዓዛ! ስለምንታይ ግን፡ ክንድዚ ብዝኣክል ናህሪ እንዳዞረት፡ ዙረት ምድሪ ዘይስወጠና ወይ ዘይርድኣና ብምባል'ዶ ሓቲትካ ትፈለጥ፧ 'እወ'፡ እንተኾይኑ መልስኻ በይንኻ ኣይኮንካን፡፡ ዙረት ምድሪ ከይርድኣና ዝገበሩ 3 ረቛሒታት ኣለዉ፡ ንሳቶም ድማ  ነዚ ዝስዕብ ይመስሉ፦  ሃዋህው(atmosphere ) ንውከሎ ነጥቢ ወይ መወከሲ ስሕበት ምድሪ እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ 1-3 ብዝርዝር ንርኣዮም እምበኣር!  1.  እቲ ንምድሪ ከቢብዋ ዝርከብ ሃዋህው ኣብ ግዜ ዙረት ምስ ምድሪ እዩ፡ ዝዘውር። እቲ ሰምያዊ፡ እዚ ማለት፡ ሰማይ ኢልና ንጽውዖ ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ቀጸላታት (layers) እዩ፡ ዝኽፈል። ኣብ ግዜ ዙረት ምድሪ እቶም ቀጸላታት ሃዋህው ውን ከይተረፉ ምስ ምድሪ እዮም ዝዞሩ። እዚ ድማ ዙረት ምድሪ ከይርድኣና ይገብር።  2 . ኣብ ግዜ ጸልማት ብባቡር ይኹን ነፋሪት  ምስ እንጎዓዝ፡ ብመስኮት ድማ ገለ ነገር ክንሪኢ እንተፈተና፡ ዝኾነ ነገር ንምርኣይ ከቢድ እዩ። ስለዚ ድማ እታ ንጎዓዘላ፡ መጎዓዝያ ሓጎጽታ ኣብ ዘይብሉ ግዜ ጠጠው ከም ዝበለት  ትመስለና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቶም ብምርኣይ ንውከሎም ነገራት ዝስወሩ ብምዃኖም፡ እዩ። ኣብ ግዜ ብርሃን ምስ እንጎዓዝ፡ ኣግራብ ፡ገዛውቲ፡ እናሓለፍና ክሕምበቡ ንሪኦም፡ ብኸምዚ ድማ ኣብ ምንቅስቃስ ከም እንርከብ ይስቆረና። ኣብ ግዜ ዙረት ምድሪ ግና ብምርኣይ ንውከሎም ነጥብታት የብልናን፡ ምኽንያቱ  ኣብ ዓለም ዝርከብ ኩሉ ምሳና ዝዘውር

ቀስተደበና ብኸመይ ትፍጠር፧

Image
ሰባት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ብውቃበ  ቀስተደበና ምስተማረኹ እዮም፡ በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ባህልን ሕብረተሰብን ዝተመርኮሰ፡ ዝተፈላለየ ትርጉምን መግለጽን ኣብ ስነ-ጽሑፍን ቅብኣን ሃብዋ። ብኸመይ ከም እትፍጠር ዘረድእ ስነ-ፍልጠታዊ መግለጺ ግን ንነዊሕ ዘመናት ኣይነበረን። ቀስተደበና ክትፍጠር ፡ ማለት ክትርአ ክትክእል፡ ክልተ ነገራት ክህልዉ ኣለዎም፡ ንሳቶም ድማ ነጠብጣብ ማይን ብድሕሪ ተዓዛቢ ዝርከብ ምንጪ ብርሃንን እዮም።                                                                                       ዝርጋሐ ብርሃን እ ቲ ከም ውጹእ ጻዕዳ ዝረኣየና ብርሃን ድምር ናይ እቶም ዝተፈላለዩ ሕብርታት እዩ። እቶም ሕብርታት ብርሃን ድማ ብድምር ዝርጋሐ-ብርሃን ይስመዩ።  እቶም ሕብርታት ብላዕሊ ጀሚርና ምስ እንጠቅስ ቀይሕ፡ ኣራንሾኒ፡ ብጫ፡ ቀጠልያ፡ ሰምያዊ፡ እንዲጎ፡ ሊላ እዮም። ጠቕላላ ዝርጋሐ ናይ እቶም ሕብርታት ድማ ካብ 380-780 ናኖሜተር ይበጽሕ። ዝርጋሐ ብርሃን እምብዛ ካብ ምንኣሱ ዝተላዕለ ብናኖሜተር ይዕቀን፡ ሓንቲ ናኖሜተር ሓደ ኣብ ርእሲ ቢልዮን ሜተር እያ፡ ወይ ብግምጣሉ ሓንቲ ሜተር ሓደ ቢልዮን ናኖሜተር እያ።  ማይ ኣብ ሃዋህው ከም ሃፋ፡ እዚ ማለት ከም ጋዝን ከም ነጠብጣብ ማይን ኮይኑ ይርከብ።  እቲ ጻዕዳ መሲሉ ዝርአ ግናኸ ካብ ዝተፈላለዩ ሕብርታታት ዝቖመ ብርሃን፡ ነቲ ኣብ ሃዋህው ዝርከብ ነጠብጣብ ማይ ምስ ወቐዖ፡ እቲ ነጠብጣብ ማይ ነቲ ጩራ ብርሃን ክልተ ሳዕ፡ ሓንሳብ ብርሃን ናብቲ ነጠብጣብ ማይ  ክኣቱ ሓንሳብ ክወጽእ እንከሎ፡ ይነጽጎን ይዓጽፎን። ነጠብጣብ ማይ ኣብዚ ከም እታ 'ፕሪዝም' ዝተሰምየት ንሕብርታት ብርሃን ትፈሊ መሳርሒ የገልግል። ኣብቲ ግዜ ምዕጻፍ ድማ እቶም

በርቂ ብኸመይ ይፍጠር፧

Image
በ ርቂ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደበና ወይ ኣብ ሞንጎ ደበናን ምድርን ዝምንጩ፡ ብመልክዕ ብርሃን ኣብ ሰመያት ዝርአ፡ ባህርያዊ ኳሬንቲ ወይ ኤለክትሪክ እዩ። በርቂ፡ ብርቱዕ ሙቐት ጸሓይ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ወይ ፡ኣብቲ ወትሩ ብርቱዕ ሙቐት ጸሓይ ዝርከቦ፡ ከባቢ ቅናት ምድሪ እዩ ብብዝሒ፡ ዝርአ። በርቂ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደበና ከምኡውን ደበናን ምድርን ክኽሰት ይኽእል። እቲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደበና ዝፍጠር በርቂ፡ እቲ ላዕላይን ታሕተዋይን ክፋል ናይታ ደበና ብዝውንኖ ተጻይ (ኣንጻር) ዝኾነ ኤለትሪካዊ ምልኣት፡ ይምንጩ፡ ቅርጺ ጋድም ሕንጻጽ ውን ይውንን፡ ተደጋጋሚ ከኣ ይርአ። እቲ ኣብ መንጎ ደበናን ምድርን ዝምንጩ በርቂ ድማ፡ በቲ ኣብ ምድርን ደበናን ዝርከብ፡ ኣንጻር ዝኾነ ኤለትሪካዊ ምልኣት ይምንጩ፡ እዚ ዓይነት በርቂ ብተዛማዲ ሳሕቲ ይረአ፡ ቅርጺ ትኹል ሕንጻጽ ድማ ኣለዎ። ስታቲካዊ (ቀዋሚ) ኳሬንቲ፡ ጠንቂ በርቂ ስታቲካዊ ኳሬንቲ (static electricity) ብሰንኪ፡ ኣብ ውሽጢ ወይ ሞንጎ ክልተ ጽፍሕታት ናይ ነገራት ዝርከብ፡ ዘይውድንነት (imbalance) ናይ ኤለክትሪካዊ ምልኣት እዩ፡ ዝፍጠር።  እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚ ዓይነት ኳሬንቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ሰባት ተራ ወይ ልሙድ እዩ። ዝተጠቀምካላ መመሸጥ በሰር ክትስሕብ፡ ዝተለብሰ ጎልፎ ኣብ እተውጸኣሉ ግዜ ብልጭታ'ዶ ኣስተብሂልካ ትፈልጥ፧ እቲ ነዚ ዝገብር ሓይሊ፡ እቲ ብዛዕብኡ ንዛረብ ዘሎና፡ ስታቲካዊ ኤለክትሪክ እዩ። ነፍስወከፍ ኣካል/ነገር ዝተወሰነ ኤለክትሪካዊ ምልኣት ይውንን እዩ። ግናኸ እቲ ኣወንታውን ኣሉታውን ኤለትሪካዊ ምልኣት ተወዲኑ (ተመጣጢኑ) ዝርከብ ብምዃኑ፡ ገለ ኣይፍለጠንናን እዩ። ሓደ ነገር ኤለትሪካዊ ምልኣት ክውንን፡ ካብኡ ምልኣት፡ እዚ ማለት ኤለክትሮን፡ ክውሰዶ ኣ

ጸዓት እንታይ እዩ፧

Image
  ጸዓት   ሓደ መሰረታዊ ክፋል ናይ ግኡዛዊ ፍጥረት እዩ። ካብ ምሕሳብ ጀሚሩ ክሳብ ንገብሮም ምንቅስቓሳትን ዙረት ፕላኔታትን ድማ ናቱ ሰፍ ዘይብል ተራ ይጻወት። ብመንጽር ከተያ (መግለጺ) ፊዚካ (ፍዚክስ)፡ 'ጸዓት ስራሕ ዝፍጽም ዓቕሚ እዩ'። እቲ ዘገርም ብዛዕባ ጸዓት፡ ሕጊ ተዓቅቦ-ጸዓት   ( the law of conservation of energy )    ከም ዝብሎ፡ ፍጹም ካብ ባዶሽ ዘይፍጠርን ዘይድምሰስን ምዃኑ እዩ። እቲ ሕጊ ተዓቅቦ ጸዓት  ከምዚ ዝስዕብ ይብል፥ "ጸዓት ክድምሰስ ይኹን ክፍጠር ኣይክእልን እዩ፡ ካብ ሓደ ኩነት ወይ ዓይነት ጸዓት ናብ ካልእ ጥራይ እዩ፡ ክቕየር ዝኽእል።" እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ከም ኣብነት ንውሰድ! ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ናብ ሙቐት፡ብርሃን፡ምንቅስቓስ፡ ብቐሊሉ ክቕየር ስለ ዝኽእል፡ ሓደ ካብቲ መሰረታውን ኣብ ዕለታዊ ህይወት ብብዝሒ ንጥቐመሉን ዓይነት ጸዓት ኮይኑ ይርከብ፡ እዚ ድማ ንብርሃን ኣብ ግዜ ጸልማት፡ ንሙቐት ኣብ ግዜ ዛሕሊ ወይ ንምንቅስቓስ ብመኪና ይኹን ካልእ ዘቤታዊ  መሳሪሕታት ንጥቀመሉ ብምዃንና እዩ። እዚ ግን እቲ እንኮ ዓይነት ጸዓት ኣይኮነን።  ጸዓት ጠቕላላ 6 መሰረታውንያን መልክዓት ኣለዎ፡ እዚ ማለት ብድምር ጠቕላላ ሽዱሽተ ዓይነታት ጸዓት ኣለዉ። እቶም ዓይነታት ጸዓት 1) ከሚካዊ፡ 2) ኤለክትሪካዊ፡ 3) ጸርጋዊ ፡ 4) መካኒካዊ፡ 5) ሙቐታዊ ከምኡዉን 6) ኑክልየሳዊ ጸዓት፡ ተብሂሎም ይጽውዑ። ብዛዕባ ካልኦት ዓይነታት ጸዓት ውን ነቢብኩም ክትኮኑ ትኽእሉ፡ ግናኸ ኩላቶም ብምጽንባር ናይ እዞም ዝተጠቕሱ ዓይነታት ጸዓት እዮም፡ ዝርከቡ። ነፍስወከፍ ናይ እዞም ዝተጠቕሱ ዓይነታት ጸዓት ናብ ካልእ መልክዕ ክቕየር ወይ ክልወጥ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ጸርጋዊ