ግመ ካበይ'ዩ ዝመጽእ፧



ግመ፡ ዕምብረ ወይ፡ (ፍኲስ ዝበለ እንተኾነ)፡ ጣቓ፡ ድነ ብሰንኪ ጥሉል ኣየርን፡ ትሑት ሙቐትን ዝፍተር ኣብ ልዕሊ ዝባን ምድሪ ዝርከብ፡ ንዝተወሰነ ርሕቐት ኣሕሊፉ ዘይርኢ፡ ዝዓበየ ክፋሉ ካብ ነጠብጣብ ማይ ዝቖመ ትኪመሰል ደበና እዩ።
 
=>  ብዛዕባ ኣየር

ውሱን ርዝነት ዝውንን፡ ቦታ ዝሕዝ ዘበለ ኲሉ ግኡዝ፡ ግዛዕ ወይ ነገር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣየር ሓደ ካብ እቶም 3 መልክዓት ናይ ነገር እዩ። እቶም 3 መልክዓት ናይ ነገር ድማ ብዝርዝር ፈሳሲ፡ ደረቕ፡ ጋዝ እዮም። ፈሳሲ ቅርጺ መትሓዚኡ ይለብስን፡ ፍሉጥ ትሕዘት ወይ ቅጺ (volume) ኣለዎን፡ ደረቕ ድማ ፍሉጥ ቅርጽን፡ ትሕዘትን ኣለዎ፡ እዚ ማለት ቅርጹን ዝሕዞ ቦታን ፍሉጥ እዩ። ኣየር ግና ቅርጽን፡ ትሕዘትን ናይ መትሓዚኡ እዩ፡ ዝወስድ። ኣየር ናይ ባዕሉ ትሕዘት ይኹን ቅርጺ የብሉን። እዚ ማለት ንኣብ. ኣብ ሓደ ገዛ ዝርከብ ኣየር ኩሉ እንተጸንቀቕናዩ፡ ኣስዒብና ሓንቲ ኪሎ ኣየር እንተፈነና፡ እታ ሓንቲ ኪሎ ኣየር ንኹላ ብምምላእ ቅርጺ ናይ እታ ገዛ ምወሰደት።
  
ግመ፡ ምድሪ ዝተንከፈ ደበና

እቲ ከቢብና ዝርከብ ኣየር ክሳብ 78%  ካብ ናይትሮጅን፡ ክሳብ 21%  ካብ ኦክስጅን ዝቖመ እዩ፡ ዝተረፈ ካርቦንዳይኦክሳይድ፡ ኣርጎን (ዓይነት ጋዝ)፡ ሃፋማይ  ወዘተ እዩ። ኣየር ከም ነፍስወከፍ ካልእ ግዛዕ ንኣብ. ዓለባ፡ ዕንጨይቲ ወይ ካልእ ማይዓገት ዘይኮነ ነገር፡ ይትርክስ፡ እዚ ማለት፡ ጠሊ ወይ ሃፋማይ ይሕዝ እዩ። ግናኸ እቲ ኣየር ዝሕዞ መጠነ-ሃፋማይ ኣብ ሙቐትን፡ ጸቕጢ ኣየርን እዩ፡ ዝምርኮስ። 20° ሰልዝየስ ዝዕቀን ሙቐት እንተሃለወ፡ ኣየር ዕጽፊ ዝብዝሑ ሃፋማይ ይስከም፡ ካብ 10° ሰልዝየስ ዝዕቀን ሙቐት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ። ብዝሞቐሉ መጠን ብዙሕ ሃፋማይ ዝስከመሉ ምኽንያት፡ ኣየር እንተወዓየ ስፍሓት ዝውስኽ ብምዃኑ እዩ፡ ኣየር ኣንተዘሓለ ግን ይጭበጥ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ትሑት መጠነ-ሃፋማይ ክጸውር ይኽእል። መጠነ-ሃፋማይ ሓደ ወሳኒ ነጥቢ እንተሰገረ፡ ንእቲ ሃፋማይ ናይ ምኽዛን ዓቕሚ ናይ ኣየር ይዛይዶ፡ እቲ ዝያዳ ሃፋማይ ድማ ናብ ነጠብጣብ ማይን፡ ሓቒቅ በረድን ይልወጥ። እቲ ሃፋማይ ውን ግመ ይፈጥር። ግመ እምበኣር ምድሪ ካብ ዝትንክፍ ደበና ሓሊፉ ገለነገር ኣይኮነን። 


ሃፋማይ ተዋህሊሉ ናብ ነጠብጣብ ማይ ክልወጥ ዘኽእሉ 'ንጥረታት ሰርቢ' ( condensation nuclei) ኣለዉ። እቶም ንጥረታት ከም ደሮና፡ ጠቐር ወዘተ እዮም። እቶም ንጥረታት ኣብ ኣየር ዝርከብ ሃፋማይ ካብ ሃፋ ፡እዚ ማለት ኣየር፡ ናብ ነጠብጣብ ክልወጥ፡ መዋህለልን፡ መዕለብ ዝባን ብምዃን፡ የኽእሉ። እቲ ከይዲ ምልዋጥ፡ ካብ ሃፋ ናብ ነጠብጣብ ማይ፡ 'ሰርቢ' ወይ 'ምስራብ' ተብሂሉ ይጽዋዕ።

ዓይነታት ግመ

መትዮሮሎጂስታ፡ኩነታት ኣየር ዘጽንዑ ሰባት፡ ንጠንቅታት ግመ ኣብ ብዙሕ ይኸፍልዎ። ክልተ ካብኣቶም ንምጥቃስ፦ ጸርጋዊ ግመ፡ ምድሪ ኣብ ግዜ ለይቲ፡ እዚ ማለት ጸርጊ ጸሓይ ኣብ ዘይብሉ፡ ድሕሪ ምዝሓላ ይፍጠር። እቲ ኣብ ዝባን ምድሪ ዝርከብ ኣየር ይዝሕልን፡ ውሑድ ሃፋማይ ይኽዝንን። እቲ ዝያዳ ሃፋማይ ድማ ይሰርብ (ናብ ነጠብጣብ ይልወጥ)፡ ብኸምኡ ድማ ግመ ይፍጠር። 

እቲ ካልኣይ ዓይነት ግመ ድማ ብሰንኪ እቲ ኣብ ልዕሊ ማያትን፡ ንቚጽ ምድርን ዝርከብ ዝተፈላለየ ዝመጠኑ ሙቐት እዩ፡ ዝፍጠር። እቲ ኣብ ልዕሊ ማያት ዝርከብ ኣየር ብተዛማዲ ዝሑል፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ንቚጽ ምድሪ ዝርከብ ኣየር ግን ውዑይ እዩ። ድሕሪ ምትሕውዋስ ናይ ክልቲኣቶም፡ እቲ ውዑይ ኣየር ይዝሕል፡ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ሃፋማይ ድማ  ይሰርብ፡ ብኸምኡ ውን ግመ ይፍጠር።

ግመ፡ ኣብ ግዜ ሓጋይን ቀውዕን ብብዝሒ ይርአ፡ እዚ ድማ ኣብ እዞም ወቕትታት ብግዜ መዓልቲ ኣየር ይውዒ፡ ብግዜ ለይቲ ድማ ኣዝዩ ዝዝሕል ብምዃኑ እዩ። ብግዜ ለይቲ እቲ ኣብ ኣየር ዝርከብ ሃፋማይ ይሰርብ፡ እቲ ሰርቢ ማይ ድማ ግመ ይፈጥር። እቲ ሰርቢ ማይ ንብርሃን ጸሓይ ገና ኣብ ምድርን፡ ነገራትን ከይዓለበ ናብ ኩሉ ማእዝናት ዝነጽጎን፡ ዝዓግቶን ብምዃኑ፡ ኣርሒቕካ ምርኣይ ክዕንቅጽ ወይ ፈጺሙ ክዓግት ይኽእል። ሰባት ብግዜ ግመ ከባቢኦም ብግቡእ ክርእይዎ ብዘይምኽኣሎም ንለውጥታት ብዝግባእ ቅልጣፌ ግብረመልሲ ኣይህቡን፡ እዚ ድማ  ዓመትመጸ ጠንቂ ብዙሕ ሓደጋታት እዩ።

Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧