ጸዓት እንታይ እዩ፧

 


ጸዓት ሓደ መሰረታዊ ክፋል ናይ ግኡዛዊ ፍጥረት እዩ። ካብ ምሕሳብ ጀሚሩ ክሳብ ንገብሮም ምንቅስቓሳትን ዙረት ፕላኔታትን ድማ ናቱ ሰፍ ዘይብል ተራ ይጻወት።

ብመንጽር ከተያ (መግለጺ) ፊዚካ (ፍዚክስ)፡ 'ጸዓት ስራሕ ዝፍጽም ዓቕሚ እዩ'። እቲ ዘገርም ብዛዕባ ጸዓት፡ ሕጊ ተዓቅቦ-ጸዓት ( the law of conservation of energy)  ከም ዝብሎ፡ ፍጹም ካብ ባዶሽ ዘይፍጠርን ዘይድምሰስን ምዃኑ እዩ። እቲ ሕጊ ተዓቅቦ ጸዓት  ከምዚ ዝስዕብ ይብል፥ "ጸዓት ክድምሰስ ይኹን ክፍጠር ኣይክእልን እዩ፡ ካብ ሓደ ኩነት ወይ ዓይነት ጸዓት ናብ ካልእ ጥራይ እዩ፡ ክቕየር ዝኽእል።" እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ከም ኣብነት ንውሰድ! ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ናብ ሙቐት፡ብርሃን፡ምንቅስቓስ፡ ብቐሊሉ ክቕየር ስለ ዝኽእል፡ ሓደ ካብቲ መሰረታውን ኣብ ዕለታዊ ህይወት ብብዝሒ ንጥቐመሉን ዓይነት ጸዓት ኮይኑ ይርከብ፡ እዚ ድማ ንብርሃን ኣብ ግዜ ጸልማት፡ ንሙቐት ኣብ ግዜ ዛሕሊ ወይ ንምንቅስቓስ ብመኪና ይኹን ካልእ ዘቤታዊ መሳሪሕታት ንጥቀመሉ ብምዃንና እዩ። እዚ ግን እቲ እንኮ ዓይነት ጸዓት ኣይኮነን።  ጸዓት ጠቕላላ 6 መሰረታውንያን መልክዓት ኣለዎ፡ እዚ ማለት ብድምር ጠቕላላ ሽዱሽተ ዓይነታት ጸዓት ኣለዉ።



እቶም ዓይነታት ጸዓት 1) ከሚካዊ፡ 2) ኤለክትሪካዊ፡ 3) ጸርጋዊ ፡ 4) መካኒካዊ፡ 5) ሙቐታዊ ከምኡዉን 6) ኑክልየሳዊ ጸዓት፡ ተብሂሎም ይጽውዑ። ብዛዕባ ካልኦት ዓይነታት ጸዓት ውን ነቢብኩም ክትኮኑ ትኽእሉ፡ ግናኸ ኩላቶም ብምጽንባር ናይ እዞም ዝተጠቕሱ ዓይነታት ጸዓት እዮም፡ ዝርከቡ። ነፍስወከፍ ናይ እዞም ዝተጠቕሱ ዓይነታት ጸዓት ናብ ካልእ መልክዕ ክቕየር ወይ ክልወጥ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ጸርጋዊ ጸዓት፡ እዚ ማለት ብርሃን ጸሓይ፡ ሰሌዳ ጸሓይ (solar panel) ብምጥቃም ናብ ሙቐታዊ ወይ ኤለትሪካዊ ጸዓት ክልወጥ ይኽእል።



ከሚካዊ ጸዓት (Chemical energy) ኣብ ከሚካዊ ውህደት ናይ ባእታታት ዝርከብ ዓይነት ጸዓት እዩ። ንኣብነት ኣብ መግቢ፡ ባተሪ ወዘተ። ንምሳሌ ኣብ ግዜ ምንዳድ፡ እቲ ንዕንጨቲ ዘቚሞ ከሚካዊ ውህደት ናይ ባእታታት (እቲ ዝነድድ ውህደት ናይ ባእታታት መብዚሕቲኡ እዋን ካርቦን እዩ) ይስበር ወይ ይፍንጣሕ። ኣብቲ መስርሕ ምፍጣንሕ ድማ ጸዓት ብመልክዕ ጸርጋዊ ጸዓት (ብርሃን) ከምኡውን ሙቐት ይፍኖ፡ ብኸምኡ ድማ እቲ ከሚካዊ ጸዓት ናብ (2) ጸርጋዊ ከምኡውን (5) ሙቐታዊ ጸዓት ይልወጥ። ኣከል ሰብን እንስሳታትን ውን፡ ነቲ ካብ ከሚካዊ ውህደት ዝቖመ ዝበልዕዎ መግቢ፡ ናብቲ ንኣካሎም ዘድልዮ ሽኮር፡ ንኣብነት ግሉኮዝ፡ ብምቕያር ናብ ምንቅሳቓሳውን ሙቐታውን ጸዓት ይልውጥዎ፡ ንምጉባዝ ወዘተ ውን ይጥቀምሉ።

 

ኤሌክትሪካዊ ጸዓት (Electrical energy)፡ ብሰሪ ምንቅስቓስ ኤለክትሮን ዝፍጠር ዓይነት ጸዓት እዩ። ኩሉ ግኡዛዊ ነገር ካብ ኣቶም (atom) ዝቖመ እዩ። ኣቶም ድማ ንርእሱ ካብ ነኣሽቱ ንጣራት (particles) ዝቖመ እዩ። እቶም ንጣራት ኤለክትሮን፡ ፕሮቶን ከምኡውን ንዩትሮን ተባሂሎም ይጽውዑ። ኤለክትሮን ኣሉታዊ ኤለክትሪካዊ ምልኣት ክህልዎ እንከሎ፡ ፕሮቶን ኣወንታዊ ኤለክትሪካዊ ምልኣት ኣለዎ። ንዩትሮን ግና ገለልተኛ እዩ፡ እዚ ማለት ኣወንታዊ ይኹን ኣሉታዊ ምልኣት የብሉን። ኤለክትሮን ኣብ ወሰንናስን ክዛዝዉ እንከለዉ፡ ፕሮቶን ከምኡውን ንዩትሮን ግና ኣብ ሕመረት (ማእከል) ናይ ኣቶም ይርከቡ። ገለ ሜታላት ብዘይዕረፍቲ ዝዛዙ ምስቲ ኣቶም ውን ዘላቕ ጥብቀት\ልግበት ዘለዎም ኤለክትሮን ይውንኑ። እዚ ማለት ካብ ሓደ ኣቶም ናብ ካልእ ኣቶም ክግዕዙ ቀሊል እዩ። ዓውደ ማግኔት (magnetic field) ወይ ዓውደ ኤለክትሪክ (electric fiel) ብምፍጣር ብቐሊሉ ካብ ሓደ ናብ ካልእ ኣቶም ከነግዕዞም ንኽእል። ነቲ ዋሕዚ ኤለክትሮን ካብ ሓደ ናብ ካልእ ኣቶም ድማ ኤለክትሪክ ብምባል ንጽወዖ። ስለዚ ኤለክትሪክ እምበኣር ካብ ዋሕዚ ኤለክትሮን ሓሊፉ ገለ ካልእ ነገር ኣይኮነን።



ጸርጋዊ ጸዓት (Radiant energy) ኣብ ብርሃን፡ ኤለክትሮማግኔታዊ ማዕበል ንጥረታት ዝርከብ ጸዓት እዩ። ጸርጋዊ ጸዓት ነቲ ብዕሩቅ-ዓይኒ፡ እዚ ማለት ብዘይ ተክኒካዊ ደገፍ፡ ዝርአ ብርሃን ከምኡውን ክፋል ብርሃን ክንሱ ዘይርአ ማዕበል ከም ጸርገ ጋማ (gamma rays)፡ ራጂ (x-rays)፡ ሞገደ ረድዮ (radio waves) ዘጠቓልል ዓይነት ጸዓት እዩ። እቲ ኣብ ምድሪ ምንባር ዘኽእል፡ ካብ ጸሓይ ዝምንጩ ብርሃን፡ ሓደ ካብ ዓይነታት ጸርጋዊ ጸዓታት እዩ።


መካኒካዊ ጸዓት (Mechanical energy) ሓደ ውድዕ (object) ብሰንኪ ዘለዎ ምንቅስቓስ ወይ ኣቀማምጣ ዝህልዎ ዓይነት ጸዓት እዩ። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ሓደ ውድዕ ሳላ እቲ ዘለዎ ኣቀማምጣ ወይ ምንቅስቓስ፡ ስራሕ እንተፈጸመ መካኒካዊ ጸዓት ይውንን። መካኒካዊ ጸዓት እምበኣር ክልተ መልክዓት ክህልዎ ይኽእል፡ እንቅስቃሴኣዊ (kinetic energy) ከምኡን ዕቑር ወይ ዓቕማዊ ጸዓት (potential energy)። ዝተቐልዐት ኲዕሶ፡ ትበርር ነፋሪት፡ ዝኸይድ ሰብ ኮታስ ኩሉ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከብ፡ እንቅስቃሴኣዊ ጸዓት ኣለዎ። ዝተገተረት መጠጥ፡ ካብ ምድሪ ልዒሉ ዝርከብ ነገር ከም ኣብ ጠረጴዛ ዘቐመጥኩማ መጽሓፍ ወዘተ ድማ ዓቕማዊ ጸዓት ኣለዎ። እቲ ዓቕማዊ ወይ ዕቑር ጸዓት ነታ ዝገተርኩማ መጠጥ ፡ ትጨበጥ እንተሓደኩማ፡ ናብቲ ብምጀመርያ ዝነበራ ንውሓት ክትምለስ ይገበራ። ተመሳሳሊ ድማ ንእታ ኣብ ጠረጴዛ ዘቐመጥኩማ መጽሓፍ፡ ትውደቕ እንተ ሓደኩማ፡ ምስ ምድሪ ትራጸም፤ እቲ ኣብኣ ተዓቚሩ ዝነበረ ዓቕማዊ ጸዓት ድማ ፡ይውሓድ ይብዛሕ፡ ናብ ድምጻውን፡ ሙቐታውን ጸዓት ይልወጥ፡ እዚ ማለት እታ መጽሓፍ ብምውዳቓ ድምጺ ከምኡውን ኣብቲ ዝወደቐትሉ ውሱን ሙቐት ይፍጠር።


ኑክልየሳዊ ጸዓት (Nuclear energy)፡ ሕመረት ኣቶም እንተተፈንጨለ ወይ ምስ ካልእ ኣቶም እንተ ተጸንበረት ዝፍጠር ዓይነት ጸዓት እዩ። እቲ ቀዳማይ ዝተጠቕሰ  ፍንጨላ-ሕመረት (nuclear fission)  ሰባት ኤለክትሪካዊ ጸዓት ንምምንጫው ዝጥቀሙሉ ሜላ እዩ። ኣብ ኑክልየሳዊ መራብሒ (nuclear reactor)፡ መብዛሕቲኡ እዋን ዩራንዩም-235 ዝተባህለ ከሚካዊ ባእታ፡ ብንጣር ናይ ኣቶም፡ ማለት ንዩትሮን፡ ይወቕዕዎ። ዩራንዩም-235 ብሰንኪ ዘለዎ ዘይተመዛዘነ ብዝሒ ፕሮቶንን ንዩትሮንን ዘይጽኑዕ እዩ። ኣብ ሕመረት ዩራንዩም-235፡  92 ፕሮቶን ከምኡውን 143 ንዩትሮን ይርከቡ፡ እቲ ኣብ ስሙ ዝርከብ 235 እምበኣር ድምር ቁጽሪ ናይቶም ፕሮቶንን ኤለክትሮንን እዩ። እቲ ባእታ ጽኑዕ ክኸውን ብዝሒ ንዩትሮን ከምኡውን  ፕሮቶን በብ 50%፡ ማለት ፍርቂ፡ ክኸውን ይግብኦ። እቲ ብዘይብኡ ዘይጽኑዕ ሕመረት ናይ ዩራንዩም-235፡ ብንዩትሮን ድሕሪ ምውቅዑ ይፍንጨል፡ እቲ ምፍንጫል ድማ ሙቐታዊ ጸዓት ከምኡውን ሰንሰለታዊ ልሕመት (chain reaction) ምፍንጫል ናይ ካልኦት ሕመረታት የኸትል። እቲ ዝተፈጥረ ሙቐት ነቲ ኣብ ኑክልየሳዊ መራብሒ ዝርከብ ማይ ክሃፍፍ ይገብሮ፡ እቲ ሃፋ ማይ ድማ ንተርባይን (turbine) የዙራ፡ ጀነረይተር ድማ ነቲ ምንቅስቓሳዊ ጸዓት ናይ ተርባይን ናብ ኤለክትሪክ ትቕይሮ። ብኸምዚ ድማ ካብ ፍንጨላ-ሕመረት ኤለክትሪክ ይምንጩ። እቲ ካልኣይ ኑክልየሳዊ-ጽን’ብር (nuclear fusion) ድማ ጸሓይ ብርሃን እትህበሉ መስርሕ እዩ። ዝዓበየ ክፋል ጸሓይ ካብ ሃይድሮጅን ጋዝ ዝቖመ እዩ። ኣቶም ናይ ሃይድሮጅን ጋዝ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ውሕሽጢ ጸሓይ ዝርከብ ልዑል ጸቕጢ ከምኡውን ሙቐት ተጸንቢሮም ሓንቲ ናይ ህልየም ኣቶም የቑሙ። ኣብቲ መስርሕ ጽን’ብር ድማ ዓቢ ሙቐታዊ ጸዓት ይፍጠር። እዚ ከይዲ ኑክልየሳዊ-ጽን'ብር ተባሂሉ ይጽዋዕ።


ሙቐታዊ ጸዓት (thermal energy)፡ ጸዓት ናይ ዝንቀሳቐሱ ወይ ዝንዝነዙ ሞለክዩላት (molecules) እዩ። ሓደ ዋዒ ንምውናን፡ ክልተ ዝተቐራረቡ ነገራት ዘለዎም ሙቐት ይቀባበሉ። በዚ ምኽንያት፡ እታ ኣብ ጥቓኹም ትርከብ ውዑይ ቡን ዝሓዘት ጣሳ፡ ዘለዋ ሙቐት ነቲ ለጊብዎ ዝርከብ ከባቢኣ ፡ እንኮላይ ኣየር፡ ብምሃባ ዘለዋ ሙቐት ድሕሪ ውሱን ግዜ ይንኪ። እታ ጣሳ ውዕይቲ ዝኾነትሉ ምኽንያት ድማ እቶም ንዓኣን ንትሕዝቶኣን፡ እዚ ማለት ቡንን ማይን፡ ዘቚሙ ሞለክዩላት ይንቀሳቐሱ ብምህላዎም እዩ። ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግን ይረግኡ፡ ብኸምዚ ድማ እታ ጣሳ ምስ ቡና ትዝሕልን ምስ ከባቢኣ ሕደ ሙቐት ይህልዋን።


ጽማቚ

  • ጸዓት ስራሕ ዝፍጽም ዓቕሚ እዩ።
  • ጸዓት ካብ ባዶሽ ክፍጠርን ክድምሰስን ኣይክእልን እዩ፡ ካብ ሓደ ዓይነት ናብ ካልእ ክቐየር ግን ይከኣል። 
  • ንኣብነት ካብ መካኒካዊ ጸዓት ኤለክትሪካዊ ጸዓት ክነመንጩ ንኽእል።
  • ብድምር ጠቕላላ ሽዱሽተ ዓይነታት ጸዓት ኣለዉ።
  • ንሳቶም ድማ  1) ከሚካዊ፡ 2) ኤለክትሪካዊ፡ 3) ጸርጋዊ ፡ 4) መካኒካዊ፡ 5) ሙቐታዊ ከምኡዉን 6) ኑክልየሳዊ ጸዓት ይስመዩ። 

መዘኻኸሪ

  • ውህደት ናይ ክልተ ወይ ካብኡ ዝበዝሕ ዝተፈላለዩ ባእታታት (ኣቶማት) ‘ሞለክዩል’ ተባሂሉ ይጽዋዕ። እዚ ዝስዕብ ከሚካዊ ቀመር (formula) H₂O ናይ ማይ እዩ። እዚ ማለት ማይ ካብ 2 ኣቶማት ናይ ሃይሮጅን (H) ከምኡ ውን ሓንቲ ኣቶም ናይ ኦክስጅን (O) ዝቖመ እዩ፡ እዚ ብድምር 'ናይ ማይ ሞለክዩል' ውን ክስመ ይኽእል። ሓደ ባእታ ዳግም ናብ ካልእ ባእታታት ክኽፈል ዘይክእል፡ ንግኡዝ ነገር ዘቕውም፡ ክፋል እዩ። ንኣብነት O (ኦ) ወይ ኦክስጅን ሓደ ባእታ እዩ።


Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧