Posts

Showing posts with the label ኩነታት ኣየር

ሰባት ንመጻኢ ኩናታት ኣየር፡ ብኸመይ ይፈልጥዎ፧

Image
ምፍላጥ መጻኢ ኩነታት-ኣየር፡ ሰባት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ዝሓልምዎ ትምኒት እዩ፡ ዝነበረ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ጸሓይ ኣእካሎም ክእክቡ፡ ኣብ ግዜ ማዕበል ወደቦም ከይሓድጉ፡ ኣስጋኢ ኩነታት-ኣየር ዘስዕቦ  ሓደጋታት ፡ ርእሶም ኣብ ውሑስ ቦታ ብምዕቋብ፡ ከወግዱ ፡ ምፍላጥ መጸኢ ኩነታት-ኣየር ኣብ ኩሉ ዘመናት ኣገዳስን ጠቓምን እዩ።  ጥንታውያን ሰባት መጻኢ ኩነታት-ኣየር ንምፍላጥ ከም ሓባሪ ዝጥቐሙሎም ዝነበሩ መሳርያታት ጸሓይ፡ ንፋስ፡ ደበና እዩም። ኣብ ብርታዐ ብርሃን ጸሓይ፡ ንፋስ፡ ደበና ከምኡውን ሕሉፍ ተመኲሮ ተሞርኲሶም፡ ነቲ ዝመጽእ ኩነታት-ኣየር ይግምቱ ነበሩ። ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ድማ መዐቀኒታት፡ ማለት ኣኖሞሜተር፡ተርሞሜተር፡ባሮሜተር፡ሃይግሮሜተር፡ኣምብሮመተር ተማሂዞም። እቲ ዕላማ ሓደ እዩ ፡ ንሱ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ልክዐኛ ኣመት፡ ናይቲ ዝመጽእ ኩነታት-ኣየር ምህላው፡ እዩ። እዞም ዝተጠቅሱ መዐቀኒታት ዕይኦም ከም እዚ ዝስዕብ እዩ።  ስም መዐቀኒ  ጥቕሙ ኣኖሞሜተር መዐቀኒ ኣንፈትን፡ ፍጥነትን ንፋስ ተርሞሜተር     መዐቀኒ ሙቐት ባሮሜተር     መዐቀኒ ጸቕጢ ኣየር ሃይግሮሜተር     መዐቀኒ ጠሊ ኣየር ኣምብሮመተር     መዐቀኒ ዝናብ      ከምእዚ እንዕዘቦ፡ ሰባት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም መጻኢ ኩነታት-ኣየር ንምፍላጥ ሃረርር ምስ በሉ እዮም። ኣብ ግዜና ድማ እቲ መስርሕ ሳላ ምዕቡላት መሳሪሕታት እናተመሓየሸ እዩ፡ ዝመጸ። መጻኢ ኩነታት-ኣየር ብሓደ ተኽእሎ ናይ ልዕሊ 85% (ሚእታዊት) ክፍለጥ ይኽእል። እዚ ማለት፡ እቶም ክኢላታት ኣብ ምፍላጥ ናይቲ ዝመጽእ ኩነታት-ኣየር ዝገብርዎ ጌጋ ኣብ ከባቢ 15% ጥራይ እዩ፡ ዝድረት። ክኢላታት ናይ ሰነ-ሃዋሁው (መትዮሮሎጂስታ)፡ ናይ መጻኢ ኩነታት-ኣየር ኣቐዲምካ ንምፍላጥ፡ ዓለም-ለኻዊ ፍጥነትን፡ ኣን

ግመ ካበይ'ዩ ዝመጽእ፧

Image
ግመ፡ ዕምብረ ወይ፡ (ፍኲስ ዝበለ እንተኾነ)፡ ጣቓ፡ ድነ ብሰንኪ ጥሉል ኣየርን፡ ትሑት ሙቐትን ዝፍተር ኣብ ልዕሊ ዝባን ምድሪ ዝርከብ፡ ንዝተወሰነ ርሕቐት ኣሕሊፉ ዘይርኢ፡ ዝዓበየ ክፋሉ ካብ ነጠብጣብ ማይ ዝቖመ ትኪመሰል ደበና እዩ።   =>  ብዛዕባ ኣየር ውሱን ርዝነት ዝውንን፡ ቦታ ዝሕዝ ዘበለ ኲሉ ግኡዝ፡ ግዛዕ ወይ ነገር ተባሂሉ ይጽዋዕ። ኣየር ሓደ ካብ እቶም 3 መልክዓት ናይ ነገር እዩ። እቶም 3 መልክዓት ናይ ነገር ድማ ብዝርዝር ፈሳሲ፡ ደረቕ፡ ጋዝ እዮም። ፈሳሲ ቅርጺ መትሓዚኡ ይለብስን፡ ፍሉጥ ትሕዘት ወይ ቅጺ (volume) ኣለዎን፡ ደረቕ ድማ ፍሉጥ ቅርጽን፡ ትሕዘትን ኣለዎ፡ እዚ ማለት ቅርጹን ዝሕዞ ቦታን ፍሉጥ እዩ። ኣየር ግና ቅርጽን፡ ትሕዘትን ናይ መትሓዚኡ እዩ፡ ዝወስድ። ኣየር ናይ ባዕሉ ትሕዘት ይኹን ቅርጺ የብሉን። እዚ ማለት ንኣብ. ኣብ ሓደ ገዛ ዝርከብ ኣየር ኩሉ እንተጸንቀቕናዩ፡ ኣስዒብና ሓንቲ ኪሎ ኣየር እንተፈነና፡ እታ ሓንቲ ኪሎ ኣየር ንኹላ ብምምላእ ቅርጺ ናይ እታ ገዛ ምወሰደት።    ግመ፡ ምድሪ ዝተንከፈ ደበና እቲ ከቢብና ዝርከብ ኣየር ክሳብ 78%  ካብ ናይትሮጅን፡ ክሳብ 21%  ካብ ኦክስጅን ዝቖመ እዩ፡ ዝተረፈ ካርቦንዳይኦክሳይድ፡ ኣርጎን (ዓይነት ጋዝ)፡ ሃፋማይ  ወዘተ እዩ። ኣየር ከም ነፍስወከፍ ካልእ ግዛዕ ንኣብ. ዓለባ፡ ዕንጨይቲ ወይ ካልእ ማይዓገት ዘይኮነ ነገር፡ ይትርክስ፡ እዚ ማለት፡ ጠሊ ወይ ሃፋማይ ይሕዝ እዩ። ግናኸ እቲ ኣየር ዝሕዞ መጠነ-ሃፋማይ ኣብ ሙቐትን፡ ጸቕጢ ኣየርን እዩ፡ ዝምርኮስ። 20° ሰልዝየስ ዝዕቀን ሙቐት እንተሃለወ፡ ኣየር ዕጽፊ ዝብዝሑ ሃፋማይ ይስከም፡ ካብ 10° ሰልዝየስ ዝዕቀን ሙቐት ኣብ ዝህልወሉ ግዜ። ብዝሞቐሉ መጠን ብዙሕ ሃፋማይ ዝስከመሉ ምኽንያት፡ ኣየር እንተወ

በርቂ ብኸመይ ይፍጠር፧

Image
በ ርቂ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደበና ወይ ኣብ ሞንጎ ደበናን ምድርን ዝምንጩ፡ ብመልክዕ ብርሃን ኣብ ሰመያት ዝርአ፡ ባህርያዊ ኳሬንቲ ወይ ኤለክትሪክ እዩ። በርቂ፡ ብርቱዕ ሙቐት ጸሓይ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ወይ ፡ኣብቲ ወትሩ ብርቱዕ ሙቐት ጸሓይ ዝርከቦ፡ ከባቢ ቅናት ምድሪ እዩ ብብዝሒ፡ ዝርአ። በርቂ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደበና ከምኡውን ደበናን ምድርን ክኽሰት ይኽእል። እቲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደበና ዝፍጠር በርቂ፡ እቲ ላዕላይን ታሕተዋይን ክፋል ናይታ ደበና ብዝውንኖ ተጻይ (ኣንጻር) ዝኾነ ኤለትሪካዊ ምልኣት፡ ይምንጩ፡ ቅርጺ ጋድም ሕንጻጽ ውን ይውንን፡ ተደጋጋሚ ከኣ ይርአ። እቲ ኣብ መንጎ ደበናን ምድርን ዝምንጩ በርቂ ድማ፡ በቲ ኣብ ምድርን ደበናን ዝርከብ፡ ኣንጻር ዝኾነ ኤለትሪካዊ ምልኣት ይምንጩ፡ እዚ ዓይነት በርቂ ብተዛማዲ ሳሕቲ ይረአ፡ ቅርጺ ትኹል ሕንጻጽ ድማ ኣለዎ። ስታቲካዊ (ቀዋሚ) ኳሬንቲ፡ ጠንቂ በርቂ ስታቲካዊ ኳሬንቲ (static electricity) ብሰንኪ፡ ኣብ ውሽጢ ወይ ሞንጎ ክልተ ጽፍሕታት ናይ ነገራት ዝርከብ፡ ዘይውድንነት (imbalance) ናይ ኤለክትሪካዊ ምልኣት እዩ፡ ዝፍጠር።  እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚ ዓይነት ኳሬንቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ሰባት ተራ ወይ ልሙድ እዩ። ዝተጠቀምካላ መመሸጥ በሰር ክትስሕብ፡ ዝተለብሰ ጎልፎ ኣብ እተውጸኣሉ ግዜ ብልጭታ'ዶ ኣስተብሂልካ ትፈልጥ፧ እቲ ነዚ ዝገብር ሓይሊ፡ እቲ ብዛዕብኡ ንዛረብ ዘሎና፡ ስታቲካዊ ኤለክትሪክ እዩ። ነፍስወከፍ ኣካል/ነገር ዝተወሰነ ኤለክትሪካዊ ምልኣት ይውንን እዩ። ግናኸ እቲ ኣወንታውን ኣሉታውን ኤለትሪካዊ ምልኣት ተወዲኑ (ተመጣጢኑ) ዝርከብ ብምዃኑ፡ ገለ ኣይፍለጠንናን እዩ። ሓደ ነገር ኤለትሪካዊ ምልኣት ክውንን፡ ካብኡ ምልኣት፡ እዚ ማለት ኤለክትሮን፡ ክውሰዶ ኣ