እሳተጎመራ ካበይ ይምንጩ፧

 


እሳተጎመራ፡ ኣብ ዝባን ምድሪ ዝርከብ ብእኡ ድማ ምካኽ-እምኒ ፡ ሓሞዂሽቲ ከምኡውን ጋዛት ዝወጽሉ ከፋት እዩ። ጥንታውያን ሰባት፡ እቲ ከፋት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ናይ እቶም ኣብኡ ምህላዎም ዝእመነሎም ኣማልኽቲ ምዃኑ፡ ይኣምኑ ነበሩ። እቲ ‘ቮልከይኖ’ (volcano) ዝብል እሳተጎመራ ዝትርጉሙ ናይ እንግልዝኛ ቃል ውን፡ ካብ ስም ናይ እቲ ‘ቩልካን’ (vulcan) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ናይ ሮማውያን ኣምላኽ እዩ፡ ተወሲዱ። እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዝገዝእ ምዃኑ፡ ሮማውያን ይኣምኑ ነበሩ።


ምንጪ እሳተጎመራ ቅድሚ ምምርማር፡  መዋቕር ወይ 'ኣፈጣጥራ' ምድሪ ንገንዘብ! ሰባት ንምድሪ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ቀጸላታት ይመቕልዎ ንሳቶም ድማ ዝባን/ቅርፍቲ ምድሪ (earth crust)፡ ሽፋን ምድሪ ( earth mantle)፡ ላዕለዋይ ሕመረት (outer core)፡ ታሕተዋይ ሕመረት (inner core) ይበሃሉ። ገለ ተመራርትቲ፡ ንምድሪ ካብ ኣርባዕተ ኣብ ዝበዝሑ ቀጸላታት ውን ይኸፍልዋ እዮም።




ቅርፍትን፡ ሽፋንን ምድሪ


እታ ህይወት ኣብኣ ጥራይ ዝርከብ ቅርፍቲ ምድሪ፡ ኣብ ባሕርን ንቑጽ ምድርን ዝፈላለ‘ዃ እንተኾነ፡ ግዝፋ ኣስታት 5-60 ኪ.ሜ እዩ፡ ዝበጽሕ። ክሳብ 500 ካብ ዝበጽሑ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣእማን፡ ሓመድ ወዘተ ዝቖመት እያ። እቲ ኣብ ትሕቲ ውቅያኖሳት ዝርከብ ቅርፍቲ ምድሪ ካብ 5-10 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ግዝፊ ኣለዎ። 

ግዝፊ ሽፋን ምድሪ ክሳብ 2,500 ኪ.ሜ ይኸውን፡ እዚ ድማ ኣስታት ክልተ ሲሶ ናይ ጠቕላላ ግዝፊ ምድሪ እዩ። ሽፋን ምድሪ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ልዑል ሙቐት፡ ናብ ፈሳሲ ብዝተቐየረ እምንን፡ ማዕድናትን ዝቆመት እያ።


ሕመረት ምድሪ 


ሕመረት ምድሪ ኣብ ክልተ ይኽፈል፡ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ሕመረት ውን ይስመ። ላዕለዋይ ሕመረት ምድሪ ኣብ ሓደ ዕምቆት ናይ ኣስታት 2,500-3,000 ኪ.ሜ ይርከብ ግዝፉ ድማ ክሳብ 200 ኪ.ሜ ክበጽሕ ይኽእል። እቲ ንላዕለዋይ ሕመረት ዘቖመ ከውሒ፡እምኒ፡ ኒከልን (nickel) ሓጺንን (iron)፡ ብሰንኪ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ልዑል ሙቐት፡ ፈሳሲ እዩ።


እቲ ታሕተዋይ ሕመረት ካብ ሓጺንን ኒኬልን ዝቖመ ምዃኑ ይእመን። ኣብ ታሕተዋይ ሕመረት ካብ 5,000-6,000° ሰንትግሬድ ዝበጽሕ ሙቐት ይርከብ። ይኹንእምበር፡ እቲ ታሕተዋይ ሕመረት ብምኽንያት እቲ ኣብኡ ዝዓልብ፡ ልዑል ጸቕጢ፡ ደረቕ፡ እዩ። ኣብ ምድሪ ኒከል ኣብ ሓደ ሙቐት ናይ 2,730° ሰንትግሬድ ሓጺን ድማ ኣብ 3,000° ሰንትግሬድ፡ ዝሃፍፍ ክንሱ፡ ኣብ ታሕተዋይ ሕመረት ምድሪ ግን ብሰኪቲ ዝተጠቕሰ ጸቕጢ ደረቕ ክኸውን ይግደድ።


ተክቶኒካዊ ድርዕታት


ንእዚ ስእላዊ መረድኢ ብምጥዋቕ ኣግዝፍዎ!


ዝባን ምድሪ ኣብ ዝተፈላለዩ ተክቶኒካዊ ድርዕታት (tectonic plates) ትኽፈል። ተክቶኒካዊ ድርዒ ንክፍለዓለማትን፡ ኣብ ትሕቲ ውቅያኖሳት ንዝርከብ ምድርን ዘቖመ፡ ካብ ካልኦት ድርዕታት፡ ዝተፈላለየ 'ንጻፍ' ሽፋን ምድሪ እዩ።


ምንጪ እሳተጎመራ


እቶም ድርዕታት ሓድሕዶም ኣብ ዝላገብሉ ግዜ፡ እቲ ታሕተይ ክፋሎም ናብቲ ኣብ ትሕቲ ቅርፍቲ ምድሪ ዝርከብ፡ ምካኽ እምኒ ይጥሕል፡ ይመክኽ ድማ። ብምኽንያት እቲ ኣብኡ ዝርከብ ልዑል ሙቐት መኺኹ፡ ስፍሓት ይውስኽን፡ ይገዝፍን። እቲ ምካኽ እምኒ ካብ ከባቢኡ ዝፈኲስ ብምዃኑ፡ ንላዕሊ ዝወጻሉ ከፋት የናዲ።( ልክዕ ከም እታ ማይ ዝሓዘት እሞ ዝተጸቕጠት ጎማ፡ ገና ተጸቒጣ እንከላ እንተኸፈትናያ፡ እቲ ማይ ገንፊሉ ዝወጽእ።)  ኩላቶም እኳእንተዘይኮነ፡ ልዕሊ 70% ናይ እቶም ኣብ ምድሪ ዝኽሰቱ እሳተጎመራታት፡ ኣብ መላግቦ ናይ እቶም ድርዕታት ይኽሰቱ።  


ቀንዲ ምንጪ ናይ እሳተጎመራ እምበኣር፡ እቲ ኣብ ከብዲ ምድሪ ዝርከብ፡ ዓቐንኣልቦ፡ ልዑል ሙቐት ወይ ዋዒ እዩ። እታ ቅርፍቲ ምድሪ ዝተባህለት፡ ኣብ ርእሲኣ ድማ ንነብር፡ ንጻፍ ምድሪ ብተዛማዲ ቀጣን እያ። ኣብ ሓደ ዕምቖት ናይ ኣስታት 25-100 ኪ.ሜ እቲ ማግማ (magma) ዝተስምየ ምካኽ ድሩቓት ነገራት ፡ከም ከውሒ፡ ይርከብ። እቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ምካኽ እምኒ ዝወጻሉ ከፋት ወይ ጨዳድ እንተረኸበ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብኡ ዝርከብ ጸቕጢ፡ ገንፊሉ ናብ ዝባን ምድሪ ይወጽእ። እቲ መስርሕ ፡ምካኽ እምንኒ ካብ ምድሪ ክወጽእ እንከሎ፡ ነተጒታ ወይ ግንፋለ-እሳተጎመራ ተብሂሉ ይጽዋዕ። እቲ ገና ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ምካኽ 'ምካኽ ከውሒ' ወይ 'ማግማ' ፡ እቲ ድሮ ገንፊሉ ንግዳም ዝወጸ ድማ 'ትፋእ እሳተ ጎመራ' (lava) ይበሃል።



ጒድኣት እሳተጎመራ 


ብርቱዕ ነተጒታ ዘለዎ ትፋእ እሳተጎመራ፡ ኣብ ርእሲ ካልኦት ጋዛት፡ ብሰንኪ ልዑል ዋዒ ናብ ፈሳሲ ዝተቐየረ ካርቦንዳይኦክሳይድ ይርከቦ። እቲ ጋዝ ተጨቢጡ ድሕሪ ምጽናሕ ዝወጻሉ ከፋት እንተረኸበ፡ ይግንፍል፡ ነቲ ምኻኽ እምኒ ውን ይልክሞን፡ ይዝርዝሮን። ብኸምዚ፡ ኣብ ዝባን ምድሪ ዝጸነሐ ነገራት፡ ከም ደንጎላ፡ ብምድርባይን በቲ ዘለዎ፡ ክሳብ 1000° (ዲግሪ) ሰንትግሬድ ዝበጽሕ፡ ልዑል ሙቐትን፡ መብዛሕቲኡ ብምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝስነ ብምዃኑን፡ እሳተጎመራ ኣብ ልዕሊ ሰብን፡ ንዋትን፡ ከባብን ዓቢ ጉድኣት የስዕብ። 


ጥቕሚ እሳተጎመራ


እሳተጎመራ፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ተቐቢሩ ዝነበረ ማዕድናት ከም ኣልማዝ፡ ወርቂ፡ ኒከል ከምኡውን ካልኦት ነትክልቲ ዝጠቕም ማዕድናትን፡ ናብ ዝባን ምድሪ ክልክም ይኽእል። እቲ ካብ ዝነቐጸ ምካኽ እምንን፡ ሓሞዂሽትን ዝቖመ መሬት ሳላ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ማዕድን ንኣትክልቲ ናብ ዝምሽው፡ ስቡሕ መሬት ክልወጥ ይኽእል። 


ካብዚ ሓሊፉ፡ እቲ ኣብ እሳተጎመራ ዝርከብ ሙቐት ሰባት ከም ምንጪ ጸዓት ይጥቀምሉ። እዚ ዓይነት ጸዓት ‘ጆኦተርማዊ ጸዓት’ (geothermal energy) ተብሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ እቲ 'ጅኦተርማዊ ትካለጸዓት' (geothermal power plant) ዝርከበሉ ቦታ፡ ማይ ወይ ካልእ ከሚካዊ ፈሳሲ ብትቦታት ናብ፡ እቲ ልዑል ሙቐት ዝርከቦ፡ ዓሚቚ ትሕቲ ምድሪ ይጭንጓዕ፡ እቲ ፈሳሲ ብእቲ ሙቐት ተደሪኹ ናብ ጋዝ ይልወጥ፡ እቲ ጋዝ ብትቦታት ናብ ዝባን ምድሪ ድሕሪ ምምላሱ ንተርባይናት የዙረን። እቲ ዙረታዊ፡ እንቅስቓሳዊ ጸዓት ናይ ተርባይናት ድማ ብጀነረተር ናብ ኤለክትሪካዊ ጸዓት ይልወጥ። ብዘይካዚ ከም ተወሳኺ ሜላ፡ ሰባት ንእቲ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ዝርከብ ውዑይ ማይ፡ ናብ ዝባን ምድሪ ጨንጒዖም፡ ንእቲ ሙቐት ናይ እቲ ማይ ኣብ ጥቕሚ የውዕልዎ። እቲ ብኽልቲኡ ሜላታት ዝርከብ ጸዓት፡ 'ጅኦተርማዊ ጸዓት' ተብሂሉ ይጽዋዕ። 



ዓለምለኻዊ ክስተት እሳተጎመራ 


ካብ 1968 ጀሚሩ ዓለም ለኻዊ ክስተት እሳተጎመራ ብእቲ ጂ-ቪ-ፒ GVP (global vulcanism programm)ዝተባህለ ትካል ይስነድ። ኣብ ውሱን ቦታ ዝርከብ እሳተጎመራ ሓንሳእ ገንፉሉ ንነዊሕ እንተቋረጸ፡ ‘ደቂሱ’ ይበሃል፡ ብተደጋጋሚ እንተገንፈለ ግን ‘ንጡፍ’ ይበሃል። ገለ ካብ እተን ብተደጋጋሚ ብእሳተጎመራ ዝጥቀዓ ሃገራት ኢንዶኒጃ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (ሕ.መ.ኣ) ፡ ሩስያ፡ ጃፓን፡ ቺለ፡ ኢትዮጵያ እየን። እዚ ጽሑፍ ኣብ ዝተዘርገሓሉ ግዜ፡ ኣስታት 1,500 ዝበጽሑ እሳታጎመራታት ‘ንጡፍ’ ኣለዉ።



ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ፡ ነተጒታ እሳተጎመራ ዝርኣየሉ ቦታ፡ ሕደ ጅኦግራፋዊ ኣቀማምጣ ዝካፈል ምድሪ ኤርትራ ውን ብ 2011 (ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ-ባሕሪ)፡ ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት እሳተጎመራ ከም ዝተኸስተ ይፍለጥ።

Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧