ሰለስተ ሕግታት ኒውተን እንታይ ይገልጹ፧

                           



ኣይዘክ ኒውተን (Sir Isaac Newton) ብ 1643 ተወሊዱ  ብ 1727 እዩ፡ ዝዓረፈ። ንሱ ምስ እቶም  ንዓለም ፍሉይ እጃም ዘበርከቱ ተመራመርቲ`ዩ ዝቑጸር። ኒውተን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ስነ-ፍልጠት እዩ፡ ዝነጥፍ ዝነበረ። ንኣይዘኽ ኒውተን ብፍሉይ ዘዘክሮ፡ እቲ ሓቅነቱ ዘይተረጋገጸ፡ ብሂል ቱፋሕ እዩ። ንሱ ኣብ ትሕቲ ገረብ ትፋሕ ኮፍ ኢሉ እንከሎ፡ ትፋሕ ካብቲ ገረብ ወዲቃ ኣብ ርእሱ ከም ዝወቐዐቶ ይዝንቶ፡ ንእታ ትፋሕ ክትወድቕ ዝገደዳ ምኽንያት ንምፍላጥ መርመራ ድሕሪ ምግባር፡ ኒውተን፡ ስሕበት  ዝብል መትከል ኣቚሙ። 3 ሕግታት ኒውተን‘ውን ንሱ ዘለለዮም መትከላት እዮም፡ ንዕኡ ንምኽባር ድማ 'ናይ ምንቅስቓስ  3 ሕግታት ኒውተን'  ተሰምዮም።


እቶም 3 ሕግታት እንታይ‘ዮም፡ ዝብሉ 

እታ ቀዳመይቲ ሕጊ ድሮ ኣብ ምንቅስቓስ  ወይ  ኣብ ጸት'ታ ንዘሎ ኣካል እያ ትገልጽ። ሓደ ኣብ ጸት'ታ ዝርከብ ኣካል ካብ ካልእ ዝመጸ ሓይሊ ክሳብ ዘይተንከፎ ከም ቀደሙ‘ዩ  ጸ'ትኡ ዝቕጽል ወይ ሓደ ኣብ ምንቅስቓስ ዝርከብ ኣካል፡ ካብ ካልእ ዝመጸ ሓይሊ ክሳብ ዘይተንከፎ ከም ቀደምዩ ምንቅስቓሱ ዝቕጽል፡ ፍጥነቱ ኣይውስኽን ወይ ኣይንክን እዩ።

1ይ ኣብነት ናይ ቀዳማይ ሕጊ ኒውተን/// ዝተቀልዐት ኲዑሶ ደው ከብላ ዝኽእል ሓይሊ ክሳብ ዘይረኸበት፡ ናህሪ ይኹን ፍጥነት ብዘይ ምውሳኽ፡ ትበርር። ኣብ ዓለም  ክብደት ንዘለዎ ዘበለ ብማእከላይ ገምጋም 9,81 ሜ/ካ²  (ሜትሮ ንትርዒት ካልኢት) ዝስሕብ ሓይሊ ክሳብ ዝሃለወ ግን፡ ዝተቀልዐት ኲዕሶ ኣብ ምድሪ ክትዓልብ ግዲ ይኾና።

2ይ መረዳእታ ናይ 1ይ ሕጊ ኒውተን/// ኣብ ምድሪ ጸት ኢላ ዘላ ኲዑሶ ካልእ፡ ሓይሊ መጽዩ ክሳብ ዘይተንከፋ፡  ንኣብነት   ሰብ፡ እንስሳ ወዘተ  ኣይትንቀሳቐስን እያ፡ እዚ ቀዳማይ ሕጊ ኒውተን እዩ። 


2ይ ሕጊ ኒውተን/// ሓደ ርዝነት ዘለዎ ኣካል ፍጥነት ከም ዝውስኽ ንምግባር ወይ ንምንቅስቓስ ሓይሊ የድሊ፡ እቲ ሓይሊ ድማ ማዕረ ርባሕ ርዝነትን ፍጥነትን ናይቲ ፍጥነት ክውስኽ ተደልዩ ዘሎ ኣካል እዩ፡ ትብል ቀመር ( formula) እያ። እታ ቀመር ንእዚ ዝስዕብ  ትመስል///

2ይ ሕጊ ኒውተን እምበኣር፡ ሓይሊ ርባሕ ናይ ፍጥነትን ርዝነትን እዩ፡ ትብል። እዚ ማለት ሓይሊ=ፍጥነትxርዝነት። እቲ ሓይሊ መብዛሕቲኡ ግዜ ብ 'ኒውተን' ዝተባህለ መዐቐኒ እዩ፡ ዝምጠን። ሓንቲ ኒውተን ብገምጋም ንኽልተ ሜለታት ከተልዕል ዘድልየካ ሓይሊ ይኸውን። ካብዚሓሊፉ ርዝነት ብኪሎግራም፡ ፍጥነት ድማ ብሜትሮ ንትርብዒት ካልኢት ይዕቀን። ንዝሓሸ ምርዳእ ነዚ ቅልል ዝበለ መራዳእታ ርአ///

     a=10m/s²                                                                              m=20kg        

         ሕቶና ን ሓይሊ ወይ ድማ F ርኸብ`ዩ፦


ዘክርዎ! (m=ሜትሮ ከምኡውን s²= ትርብዒት ካልኢት ) (kg=ኪሎግራም)   እዩ። ፍጥነትን ርዝነትን እንተ ተራቢሖም ኩሉ ግዜ  ውጽኢት ኒውተን (Newton) እዩ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ፡ መጠን ሓይሊ ብኒውተን ዝተሰምየ መዐቀኒ እዩ፡ ዝልካዕ። ብእቶም ዝተዋህቡና ኣሃዛት ንፍጥነትን ርዝነትን ብምትካእ፡ ሕቶና ንመልስ!

                               F=10m/s²x20kg                                               F=200N  (Newton)

መልሲ ብሙሉእ-ሓሳብ/// ሓደ 20ኪሎ ዝኽብደቱ ኣካል፡ 10 ሜትሮ ኣብ ውሽጢ ሓደ ካልኢት  ፍጥነት ንምሃብ ፡ 200N (ኒውተን) ሓይሊ የድልየና ን40 ኪሎ ድማ ዕጽፉ ወዘተ።

3ይ ሕጊ ኒውተን ድማ 'ሓይልታት ብጽምዲ እዮም ዝዓዩ' ትብል። ሓይሊ ተጠቂምካ ትገብሮም ዘበሉ ስጉምትታት፡ ግብረ መልሲ ኣለዎም`ዩ። እቲ ግብረ መልሲ ድማ ማዕረ`ቲ ብመጀመርያ ዝተጠቀምካሉ ሓይሊ ኮይኑ፡ ግናኸ ኣንፈቱ  ኣንጻሩ እዩ። ንመረዳእታ ነዚ ስዕብ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ተኸተል///




 እንታይ ኣስተውዒልካ ፧ እታ  (ብጸጋም)  ቀዳምይቲ ዘላ ዓረር ነታ ስዒባ ትመጽእ ምስ ሃረመታ፡ ሓይሊ`ታ ቀዳመይቲ ዓረር ክሳብ`ታ ሓሙሸይቲ ይበጽሕ፡ ካብኡ ግን ኣይቅጽልን`ዩ፡ ልክዕ ከምቲ ናይ መጀመርያ ሓይሊ ግናኸ ናብ ተጻይ ኣንፈት ይምለስ።

 ሮኬት ነዚ መትከል እዚ ብምጥቃም እያ፡ ክትበርር ትኽእል! ብኸመይ ንዝብል ሕቶ ፡ ሓንቲ ሮኬት ኣብ ውሽጣ ነዳዲ ኣለዎ፡ ንኣብነት ፈሳሲ-ኦክስጅን፡ እቲ ኦክስጅን ኣብ ሓደ-መዋጸኦ ጥራይ ዘለዎ መትሓዚ  ተጨቢጡ`ዩ ዝርከብ። እታ ሮኬት ክትበርር ምስ ዝድለ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ዝኾነ መውጽኢ ከፊትካ ነቲ ፈሳሲ-ኦክስጅን ተቃጽሎ፡ እቲ ዝቃጸል ሓዊ በቲ ሓደ ከም መውጽኢ ዝተዋህቦ ኣፌፌት እዩ ክወጽእ ዝኽእል። እቲ ዝወጽእ ነዳዲ፦ ነቲ ከቢብዎ ዝርከብ ግዳማዊ ኣየር ክጉንጽ ናይ ግድን`ዩ፡ እቲ ግዳማዊ ኣየር ድማ ነቲ ዝተቐበሎ ሓይሊ ይነጽጎ፡ ብኸምኡ ድማ ንእታ ሮኬት ንላዕሊ ይነድሓ፡ ንሳ ድማ ንላዕሊ ትበርር። እዚ 3ይ ሕጊ ኒውተን`ዩ።

Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧