ስለምንታይ'ዩ ዙረት ምድሪ ዘይፍለጠና፧







ምድሪ ኣብ 24 ሰዓታት ንርእሳ ሓንሳእ፡ ኣብ ሓደ ዓመት ወይ 365 መዓልታት ድማ ሓደ ግዜ ንጸሓይ ትዘውር። ምድሪ ፡ ኣብ ቅናት ምድሪ ኣስታት 1,670 ኪ.ሜ/ሰ (ኪሎሜተር ንሰዓት) ናህሪ ኣለዋ፡ እተን ልዑል ፍጥነት ዘለወን መካይን-ውድድር  ክሳብ 300 ኪ.ሜ/ሰ ይጓዓዛ! ስለምንታይ ግን፡ ክንድዚ ብዝኣክል ናህሪ እንዳዞረት፡ ዙረት ምድሪ ዘይስወጠና ወይ ዘይርድኣና ብምባል'ዶ ሓቲትካ ትፈለጥ፧ 'እወ'፡ እንተኾይኑ መልስኻ በይንኻ ኣይኮንካን፡፡ ዙረት ምድሪ ከይርድኣና ዝገበሩ 3 ረቛሒታት ኣለዉ፡ ንሳቶም ድማ  ነዚ ዝስዕብ ይመስሉ፦

  1.  ሃዋህው(atmosphere )
  2. ንውከሎ ነጥቢ ወይ መወከሲ
  3. ስሕበት ምድሪ

እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ 1-3 ብዝርዝር ንርኣዮም እምበኣር! 

1. እቲ ንምድሪ ከቢብዋ ዝርከብ ሃዋህው ኣብ ግዜ ዙረት ምስ ምድሪ እዩ፡ ዝዘውር። እቲ ሰምያዊ፡ እዚ ማለት፡ ሰማይ ኢልና ንጽውዖ ኣብ ሓሙሽተ ዓበይቲ ቀጸላታት (layers) እዩ፡ ዝኽፈል። ኣብ ግዜ ዙረት ምድሪ እቶም ቀጸላታት ሃዋህው ውን ከይተረፉ ምስ ምድሪ እዮም ዝዞሩ። እዚ ድማ ዙረት ምድሪ ከይርድኣና ይገብር። 







2. ኣብ ግዜ ጸልማት ብባቡር ይኹን ነፋሪት  ምስ እንጎዓዝ፡ ብመስኮት ድማ ገለ ነገር ክንሪኢ እንተፈተና፡ ዝኾነ ነገር ንምርኣይ ከቢድ እዩ። ስለዚ ድማ እታ ንጎዓዘላ፡ መጎዓዝያ ሓጎጽታ ኣብ ዘይብሉ ግዜ ጠጠው ከም ዝበለት  ትመስለና። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ እቶም ብምርኣይ ንውከሎም ነገራት ዝስወሩ ብምዃኖም፡ እዩ። ኣብ ግዜ ብርሃን ምስ እንጎዓዝ፡ ኣግራብ ፡ገዛውቲ፡ እናሓለፍና ክሕምበቡ ንሪኦም፡ ብኸምዚ ድማ ኣብ ምንቅስቃስ ከም እንርከብ ይስቆረና። ኣብ ግዜ ዙረት ምድሪ ግና ብምርኣይ ንውከሎም ነጥብታት የብልናን፡ ምኽንያቱ  ኣብ ዓለም ዝርከብ ኩሉ ምሳና ዝዘውር ብምዃኑ።  

3. ኣብ ሞንኰርኰር ፈሪስ (ferris wheel) ምስ እንስቀል፡ እቲ ሕምብርተ-ነጻጊ ሓይሊ (centrifugal force )፡ ካብ እቲ ሞንኰርኰር መንዚዑ ክወስደና ቁሩብ ይተርፎ፡ እንተ ኣብ ዙረት ምድሪ ግን ከምዚ ኣየጋጥምን! ስለምንታይ፧ እቲ ካብ ሕምብርቲ ምድሪ ዝነቅል ስሕበት-ምድሪ፡ ካብቲ  ሕምብርተ-ነጻጊ ሓይሊ ዝሕይል ብምዃኑ እዩ።  እቲ ካብ ሕምብርቲ ምድሪ ዝወጽእ ስሕበት-ምድሪ እንተ ዘይህሉ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ ኲዕሶ ዝለገበ ገፈጥ፡ ድሕሪ ምቕላዕ ናይ እታ ኲዕሶ ዝንገፍ፡ ካብ ምድሪ ብኣስታት 1000 ክ.ሜ ኣብ ሰዓት ካብኣ ምተጸርገፍና። እቲ ናብ  ምድሪ ዝስሕበና ሓይሊ  እምበኣር፡ ሓደ ካብቶም ንዙረት ምድሪ ከይርድኣናን ካብኣ ከይንጽርገፍን ዝዓዪ ሓይሊ እዩ።


Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧