Posts

Showing posts with the label ከሚካ

ስለምንታይ'ዮም ኣትክልቲ ሰረት ህይወት ዝኾኑ፧

Image
| ኣትክልቲ ኣትክልቲ መብዛሕቲኡ ካብ ሱር፡ ቆጽሊ-ሓዘል ጨናፍር ፡ ጉንዲ ዝቖሙ፡ ብእቲ ኣብ ኣቚጽልቶም ዝካየድ ጽማረ-ብርሃን  ዝነብሩ፡ ዘይተንቀሳቐስቲ ህይወታውያን እዮም። ኣብ ምድሪ፡ ኣስታት 500,000 ዝቚጸሩ ዝተፈላለዩ ኣትክልቲ ከም ዘለዉ ይግመት። ካብኣቶም ኣስታት 390,000 ዝኣኽሉ ብሰባት ተጸኒዖምን፡ ተመርሚሮምን እዮም።   ኣትክልቲ ብጾታዊ ከምኡውን ኢጾታዊ መንገዲ ይፈርዩ። ኣብቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ተባዕታይን ኣንስታይን ዘርእታት ናብ ሓደ ጽግዮ (zygote) ይጣበቑ፡ ብኸምኡ ድማ እቲ ተተኺሉ ዝትከኦም ዘርኢ ይፈሪ። እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፋረዩ ኣትክልቲ ፡ከም ዝተጠቕሰ፡ ተባዕታይን ኣንስታይን ክፋል ኣለዎም። ገለ ካብ እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ርእሰ-ጸገይቲ እዮም። እዚ ማለት፡ እቲ ጽገ ካብ እቲ ተባዕታይ ክፋሎም ናብ እቲ ኣንስታይ ክፋሎም ከም ዝጓዓዝ ብምግባር፡ ንርእሶም ይጽግዩ። እዚ ዓይነት ስርዓት ጽግያ ኣብ ስርናይ፡ ስገም፡ ባልዶንጓ፡ ዓይኒ-ዓተር ፡ ካውሎ፡ ካሮት ወዘተ ይርአ። እቲ ጽገን፡ እንቛቚሖን (ጋመት) ናይ እታ ተኽሊ ናብ ሓደ ዋህዮ ድሕሪ ምውህሃዱ ፍረ ወይ ዘርኢ ይፍጠር።   ብዙሓት    ካብ እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ብንፋስ፡ ማይ ወይውን ብሓሸራ፡ ከም ንህቢ፡ ይጽገዩ። እዚ ዓይነት ሜላ ተዋልዶ ወይ ተፋርዮ ‘ስግረ-ጽግያ’ (cross-pollination) ተብሂሉ ይጽዋዕ። እቲ መስርሕ ንእዚ ዝስዕብ ይመስል፦ ንፋስ ንጽገ ናይ ሓደ ተባዕታይ ተኽሊ ይዘርዎ፡ እቲ ኣንስታይ ክፋል ተኽሊ ድማ ፡ኣብኡ ድሕሪ ምዕላቡ፡ ንእቲ ጽገ ይቕበሎ ድሕሪ ምውህሃዶም ድማ ዘርኢ ይፍጠር። ተመሳሳሊ፡ ማይ ኣብ ዝሃርመሉ እዋን እቲ ጽገ ተባዕታይ ዘርኢ ተኽሊ ምስ ማይ ብዘረርታ ናብቲ ኣንስታይ ክፋል ተ

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

Image
ኣካልና እንተተሓጸብና፡ ክዳና ጽያቕ እንተዘይብሉ፡ ንበልዓሉ ጠረጴዛ ወዘተ እንተተወልወለ፡ ሓደ ዘህድም ጨና ኣይፍጠርን፡ ክልተ ድማ ዝዕይን ወይ ዘልግብ መጠግጠጋይ ነገር ኣይህሉን፡ እዚ ድማ ንዝበዝሑ ሰባት ባህ ዘብል፡ እዩ። ምውልዋልን ምሕጻብን ንዕለታዊ ህይወትና እኹል እዩ። ከምኡ ብምግባር ድማ ምስሳን ናይ እቶም መግብን ካልእን ዘበስብሱ ዕሰ (fungus) ነወግድ ኢይና። ግናኸ ምውልዋልን ምሕጻብን እኹል ዘይኮነሉ ቦታታትን፡ ህሞታትን ኣሎ እዩ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቤት-ሕክምንና። ምልባዕ ሕማም ንምውጋድ፡ ከምዚ ዝመሰሉ ቦታታትን ኣብኡ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳሪሕታትን፡ ዉልውሉን ሕጹብን ካብ ምዃን ሓሊፎም፡ ካብ ደቀቕቲ-ተህዋስያን (microorganisms) ነጻ ክኾኑ ኣለዎም። ነዚ ንምግባር ዝሕግዝ ቀዳማይ መሳርሒ ሳሙና ድሕሪኡ ድማ መምከኒ፡ እዩ።  ሳሙና ብዘበነ ጥንቲ ሰባት ቅድሚ ብዙሓት ዘበናት ብምጅማር ሳሙና ይጥቀሙ። ካብ ከባቢ ቅድሚ 4,500 ዓመታት ጀሚሮም፡ ብሓደ ዝፈለሐ ሓሞዂሽትን፡ ስብሕን ብምጥቃም፡ ኣብ ኤስያ ሳሙና የፍርዩ ነበሩ። እቲ ብኸምዚ ዝተሰርሐ ሳሙና ሕማማት ናይ ምፍዋስ ክእለት ከም ዝነበሮ፡ ብሰባት ይእመን ነበረ። ብዘይካዚ ፡ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ከባብቢኡን ዝርከቡ ሰባት ከም ሽብጢ ፡ ግራዋ ፡ ስገሞ ዝመሰሉ ኣትክልቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ንምጽራይን ምንጻህን ይጥቀሙሎም እዮም። ከምዚ ዝመሰሉ ኣትክልቲ ኣብ ኣቚጽልቶም፡ ጉንዶም፡ ሱሮም ወይ ዘርኦም 'ሳፐኒን' (saponin) ዝተሰምየ፡ ኣብ ማይ ዝዓፍር ትሕዝቶ ይርከቦም፡ እቲ ዓርዓር ዝመቐረቱ ትሕዝቶ ፡ማለት 'ሳፐኒን'፡ ርስሓት ናይ ምስዳድን፡ ጸረ-ባክተርያዊ ኣድምዖ (effect) ከም ዘለዎን ብስነ-ፍልጠት ተጸኒዑ፡ እዩ። እቲ ኣብ ግዜና ብሰፊሕ ኣብ