ስለምንታይ'ዮም ኣትክልቲ ሰረት ህይወት ዝኾኑ፧
| ኣትክልቲ ኣትክልቲ መብዛሕቲኡ ካብ ሱር፡ ቆጽሊ-ሓዘል ጨናፍር ፡ ጉንዲ ዝቖሙ፡ ብእቲ ኣብ ኣቚጽልቶም ዝካየድ ጽማረ-ብርሃን ዝነብሩ፡ ዘይተንቀሳቐስቲ ህይወታውያን እዮም። ኣብ ምድሪ፡ ኣስታት 500,000 ዝቚጸሩ ዝተፈላለዩ ኣትክልቲ ከም ዘለዉ ይግመት። ካብኣቶም ኣስታት 390,000 ዝኣኽሉ ብሰባት ተጸኒዖምን፡ ተመርሚሮምን እዮም። ኣትክልቲ ብጾታዊ ከምኡውን ኢጾታዊ መንገዲ ይፈርዩ። ኣብቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ተባዕታይን ኣንስታይን ዘርእታት ናብ ሓደ ጽግዮ (zygote) ይጣበቑ፡ ብኸምኡ ድማ እቲ ተተኺሉ ዝትከኦም ዘርኢ ይፈሪ። እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፋረዩ ኣትክልቲ ፡ከም ዝተጠቕሰ፡ ተባዕታይን ኣንስታይን ክፋል ኣለዎም። ገለ ካብ እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ርእሰ-ጸገይቲ እዮም። እዚ ማለት፡ እቲ ጽገ ካብ እቲ ተባዕታይ ክፋሎም ናብ እቲ ኣንስታይ ክፋሎም ከም ዝጓዓዝ ብምግባር፡ ንርእሶም ይጽግዩ። እዚ ዓይነት ስርዓት ጽግያ ኣብ ስርናይ፡ ስገም፡ ባልዶንጓ፡ ዓይኒ-ዓተር ፡ ካውሎ፡ ካሮት ወዘተ ይርአ። እቲ ጽገን፡ እንቛቚሖን (ጋመት) ናይ እታ ተኽሊ ናብ ሓደ ዋህዮ ድሕሪ ምውህሃዱ ፍረ ወይ ዘርኢ ይፍጠር። ብዙሓት ካብ እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ብንፋስ፡ ማይ ወይውን ብሓሸራ፡ ከም ንህቢ፡ ይጽገዩ። እዚ ዓይነት ሜላ ተዋልዶ ወይ ተፋርዮ ‘ስግረ-ጽግያ’ (cross-pollination) ተብሂሉ ይጽዋዕ። እቲ መስርሕ ንእዚ ዝስዕብ ይመስል፦ ንፋስ ንጽገ ናይ ሓደ ተባዕታይ ተኽሊ ይዘርዎ፡ እቲ ኣንስታይ ክፋል ተኽሊ ድማ ፡ኣብኡ ድሕሪ ምዕላቡ፡ ንእቲ ጽገ ይቕበሎ ድሕሪ ምውህሃዶም ድማ ዘርኢ ይፍጠር። ተመሳሳሊ፡ ማይ ኣብ ዝሃርመሉ እዋን እቲ ጽገ ተባዕታይ ዘርኢ ተኽሊ ምስ ማይ ብዘረርታ ናብቲ ኣንስታይ ክፋል ተ