Posts

Showing posts with the label ስነ-ህይወት

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

Image
ስለምንታይ እዩ፡ መልክዕና ዝፈላለ፧ ሰለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ምስ ሕማሞም ዝውለዱ፧ ሰለምንታይ እዩ፡ ባህርን መልክዕን ስድራ ብሓድጎም ዝወርስ፧ ስለምንታይ እዮም ስድራቤትና ክፋል-ምስልና ዘለዎም፡ ግናኸ ሙሉእ ምስልና ዘይብሎም፧ እዚኣቶም ሰባት ካብ ዝህልዉ ዝቐርቡ ሕቶታት እዮም። ሰባት፡ ባሀርን ምስልን ወለዲ ናብ ደቆም ክሓልፍ፡ እንስሳታት ከምኡውን ዝተዘርኡ ኣትክልቲ ምስሎም፡ ግዝፎም፡ ንውሓቶም ከምኡውን ዘርእይዎ ባህሪ ናብቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሓድሽ ወለዶ ከም ዝመሓላለፍ ተገንዚቦም እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዘርኢ ኣትክልቲ መሪጾም ክዘርኡን፡ እንስሳታት ከዳቕሉን ይረኣዩ። ስለምንታይ እዩ፡ እዚ ከምኡ ዝኸውን ንምግላጹ ግን ኣይክኣሉን። እቲ መልሲ ቅድሚ ኣስታት 150 ዓመታት እዩ፡ ክርከብ ዝኸኣለ። እ ቲ ምስጢር፡ ኣብቲ ካብ ወለዲ ናብ ውሉዶም ብዘርኦም ዝመሓላለፍ ብሕጽረተ-ቃል እንግልዝኛ ዲ-ኤን-ኤይ (DNA=deoxyribonucleic acid) ዝፍለጥ ኣካለመረ እዩ፡ ተቐቢሩ ዝርከብ። ኣካለመረ ህያውያን ፍጡራት (ሰብ ፡እንስሳታት ፡ኣትክልቲ) ንእቶም ካብኣቶም ዝተወልዱ መልክዖም፡ ባህሪኦም፡ ቁመቶም፡ ቅርጾም ወይ ብሓፈሻ ኩሉ መለልይኦም ዘውርስሉ ኣብ ዘርኦም ተደኲኑ ዝርከብ፡ ባህርያዊ ግዛዕ እዩ። ኩሎም ህያውያን ፍጡራት ኣብ ሕመረት ዋህዮታቶም ኣካለመረ ኣለዎም። ኣካለመረ ንድፊ ወይ ሓቤሬታ እዩ፡ እቲ ሓበሬታ ብዛዕባ ዓይነት፡ እንታይነት ናይቲ ንዋህዮታትና ዘቚሞም ፕሮቲን ይውስን። እዚ ማለት ንኣብነት ሓደ ሰብ ቁመቱ፡ ሕብሪ ናይ ቆርበቱ፡ ዓይኑ፡ ጸጒሩ ከመይ ክመስል ከም ዘለዎ ኣብ ኣካለመረ እዩ ተጻሒፉ ዝርከብ። ኣብ እንስሳታት ፡ኣትክልቲ፡ ባክተርያ ከምኡውን ካልኦት ደቀቕቲ ተህዋስያን ( microorganisms) ውን ልክዕ ከምኡ። በዚምኽንያ

ስለምንታይ'ዮም ኣትክልቲ ሰረት ህይወት ዝኾኑ፧

Image
| ኣትክልቲ ኣትክልቲ መብዛሕቲኡ ካብ ሱር፡ ቆጽሊ-ሓዘል ጨናፍር ፡ ጉንዲ ዝቖሙ፡ ብእቲ ኣብ ኣቚጽልቶም ዝካየድ ጽማረ-ብርሃን  ዝነብሩ፡ ዘይተንቀሳቐስቲ ህይወታውያን እዮም። ኣብ ምድሪ፡ ኣስታት 500,000 ዝቚጸሩ ዝተፈላለዩ ኣትክልቲ ከም ዘለዉ ይግመት። ካብኣቶም ኣስታት 390,000 ዝኣኽሉ ብሰባት ተጸኒዖምን፡ ተመርሚሮምን እዮም።   ኣትክልቲ ብጾታዊ ከምኡውን ኢጾታዊ መንገዲ ይፈርዩ። ኣብቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ተባዕታይን ኣንስታይን ዘርእታት ናብ ሓደ ጽግዮ (zygote) ይጣበቑ፡ ብኸምኡ ድማ እቲ ተተኺሉ ዝትከኦም ዘርኢ ይፈሪ። እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፋረዩ ኣትክልቲ ፡ከም ዝተጠቕሰ፡ ተባዕታይን ኣንስታይን ክፋል ኣለዎም። ገለ ካብ እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ርእሰ-ጸገይቲ እዮም። እዚ ማለት፡ እቲ ጽገ ካብ እቲ ተባዕታይ ክፋሎም ናብ እቲ ኣንስታይ ክፋሎም ከም ዝጓዓዝ ብምግባር፡ ንርእሶም ይጽግዩ። እዚ ዓይነት ስርዓት ጽግያ ኣብ ስርናይ፡ ስገም፡ ባልዶንጓ፡ ዓይኒ-ዓተር ፡ ካውሎ፡ ካሮት ወዘተ ይርአ። እቲ ጽገን፡ እንቛቚሖን (ጋመት) ናይ እታ ተኽሊ ናብ ሓደ ዋህዮ ድሕሪ ምውህሃዱ ፍረ ወይ ዘርኢ ይፍጠር።   ብዙሓት    ካብ እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ብንፋስ፡ ማይ ወይውን ብሓሸራ፡ ከም ንህቢ፡ ይጽገዩ። እዚ ዓይነት ሜላ ተዋልዶ ወይ ተፋርዮ ‘ስግረ-ጽግያ’ (cross-pollination) ተብሂሉ ይጽዋዕ። እቲ መስርሕ ንእዚ ዝስዕብ ይመስል፦ ንፋስ ንጽገ ናይ ሓደ ተባዕታይ ተኽሊ ይዘርዎ፡ እቲ ኣንስታይ ክፋል ተኽሊ ድማ ፡ኣብኡ ድሕሪ ምዕላቡ፡ ንእቲ ጽገ ይቕበሎ ድሕሪ ምውህሃዶም ድማ ዘርኢ ይፍጠር። ተመሳሳሊ፡ ማይ ኣብ ዝሃርመሉ እዋን እቲ ጽገ ተባዕታይ ዘርኢ ተኽሊ ምስ ማይ ብዘረርታ ናብቲ ኣንስታይ ክፋል ተ

እሳተጎመራ ካበይ ይምንጩ፧

Image
  እሳተጎመራ፡ ኣብ ዝባን ምድሪ ዝርከብ ብእኡ ድማ ምካኽ-እምኒ ፡ ሓሞዂሽቲ ከምኡውን ጋዛት ዝወጽሉ ከፋት እዩ። ጥንታውያን ሰባት፡ እቲ ከፋት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ናይ እቶም ኣብኡ ምህላዎም ዝእመነሎም ኣማልኽቲ ምዃኑ፡ ይኣምኑ ነበሩ። እቲ ‘ቮልከይኖ’ (volcano) ዝብል እሳተጎመራ ዝትርጉሙ ናይ እንግልዝኛ ቃል ውን፡ ካብ ስም ናይ እቲ ‘ቩልካን’ (vulcan) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ናይ ሮማውያን ኣምላኽ እዩ፡ ተወሲዱ። እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዝገዝእ ምዃኑ፡ ሮማውያን ይኣምኑ ነበሩ። ምንጪ እሳተጎመራ ቅድሚ ምምርማር፡  መዋቕር ወይ 'ኣፈጣጥራ' ምድሪ ንገንዘብ! ሰባት ንምድሪ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ቀጸላታት ይመቕልዎ ንሳቶም ድማ ዝባን/ቅርፍቲ ምድሪ (earth crust) ፡ ሽፋን ምድሪ ( earth mantle) ፡ ላዕለዋይ ሕመረት (outer core) ፡ ታሕተዋይ ሕመረት (inner core) ይበሃሉ። ገለ ተመራርትቲ፡ ንምድሪ ካብ ኣርባዕተ ኣብ ዝበዝሑ ቀጸላታት ውን ይኸፍልዋ እዮም። ቅርፍትን፡ ሽፋንን ምድሪ እታ ህይወት ኣብኣ ጥራይ ዝርከብ ቅርፍቲ ምድሪ፡ ኣብ ባሕርን ንቑጽ ምድርን ዝፈላለ‘ዃ እንተኾነ፡ ግዝፋ ኣስታት 5-60 ኪ.ሜ እዩ፡ ዝበጽሕ። ክሳብ 500 ካብ ዝበጽሑ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣእማን፡ ሓመድ ወዘተ ዝቖመት እያ። እቲ ኣብ ትሕቲ ውቅያኖሳት ዝርከብ ቅርፍቲ ምድሪ ካብ 5-10 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ግዝፊ ኣለዎ።  ግዝፊ ሽፋን ምድሪ ክሳብ 2,500 ኪ.ሜ ይኸውን፡ እዚ ድማ ኣስታት ክልተ ሲሶ ናይ ጠቕላላ ግዝፊ ምድሪ እዩ። ሽፋን ምድሪ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ልዑል ሙቐት፡ ናብ ፈሳሲ ብዝተቐየረ እምንን፡ ማዕድናትን ዝቆመት እያ። ሕመረት ምድሪ  ሕመረት ምድሪ ኣብ ክልተ ይኽፈል፡ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ሕመረት ውን ይስመ። ላዕለዋይ ሕ

ብኸመይ'ዩ ሰብ ዝርኢ፧

Image
ኣስታት 80% ናይቲ ካብ ከባቢና እንወስዶ ሓበሬታ ብዓይኒ እዩ፡ ዝኣቱ። ዓይኒ ፡ ምፍላጥ ማእዝን፡ ርሕቀት፡ ፍጥነት ከምኡውን ምልላይ ሕብሪ፡ ቅርጺ ናይ ሰባትን ፡ ነገራትን የኽእለና። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ናይ ምርኣይን፡ ምፍልላይን ክእለት ካብ ዝተዓደሉ ፍጡራት፡ ሰብ ሓደ እዩ። ገለ ዓሳታት፡ ለመምታውያን ከምኡውን ኣዕዋፍ ግን ሰለስተ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣርባዕተ ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ከም ዝርእዩ ይፍለጥ፡ እዚ ማለት ልዕለሊላ ( ultraviolet )፡ ቀጠልያ፡ ሰምያዊ ከይምኡውን ቀይሕ ሕብሪ፡ ናይ እቲ ኣብ ዝርጋሐ-ብርሃን ዝርከብ ሕብርታት ይርእዩ። ሰባት ግን ንእተን ድሒረን ዝተጠቕሳ 3 ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ጥራይ ይርእዩ። ምርኣይ፡ ኣብ እቶም ንብርሃን ግብረመልሲ ዝህቡ ሃወስቲ፡ ኣብ ዓይኒ ዝርከቡ፡ ዋህዮታት እዩ፡ ዝምርኰስ። ኣገባቡ ከኣ ልክዕ ከም እታ፡ እኹል ብርሃን እንተረኸበት፡ ከባቢና ብመልክዕ ቀዋሚ ወይ ተንቀሳቐሲ ስእሊ ክንስንደላ እንኽእል፡ ካሜራ እዩ። ስነ-መዛርዕ (anatomy) ዓይኒ   ገለ ካብ ክፋላት ዓይኒ! ( ንእቲ ስእሊ ብምጥዋቕ ኣግዝፉዎ ) ዓይኒ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ካብ ዓጽሚ ዝቖመ ጒድጓድ ‘ጠሊቓ’ ትርከብ፡ እቲ ጒድጓድ ድማ ‘መቓድ ዓይኒ’ ተብሂሉ ይጽዋዕ። ካብ መቓድ ዓይኒ ዝነቐሉ ንዓይኒ ንየማን-ጸጋም፡ ላዕሊ-ታሕቲ ከምኡውን ዓንኬላዊ (ዙረታዊ) ምንቅስቓስ ክትፍጽም ዘኽእልዎ ብድምር 6 ጭዋዳታት ኣለዉ። እቶም ጭዋዳታት ናብ እቲ ‘ኣደጎ ዓይኒ’ ተብሂሉ ዝጽዋዕ፡ ላዕለዋይ ቀጸላ፡ እዚ ማለት ንጻፍ፡ ዓይኒ ዝለገቡ እዮም። ኣደጎ ዓይኒ፡ ንመላእ ዂዕሶ ዓይኒ ሸፊኑ ዝርከብ፡ ሽንቅላት (tissue) እዩ። እታ ኣብ መቓድ ዓይኒ ጠሊቓ ትርከብ ዓይኒ፡ ብሰንኪ ዘለዋ ቅርጺ፡ ዂዕሶ-ዓይኒ ተብሂላ ትጽዋዕ።  ካብዚሓሊፉ፡

ባሕሪ ይገይሽ ይበሃል፡ ናበይ፧

Image
እቲ ተደጋጋሚ ምውሳኽን ምንካይን ናይ ውቅያኖስ ማይ ‘ምልኣት-ባሕሪ’ (tides) ተብሂሉ ይጻዋዕ፡ እዚ ማለት፡ እቲ ኣብ ገማግም ውሱናት ባሕርታት ዝርከብ ጽፍሒ ማይ ይውስኽን ይንክን። እቲ ማያት ገማግም ባሕሪ እምበረመጠን እንተደየበ ‘ልዑል ምልኣ ት-ባሕሪ’ (high tide) እንተነከየ ድማ ‘ትሑት ምልኣት-ባሕሪ’ (low tide) ተብሂሉ ይስመ፡ እዚ 'ምጋሽ/መገሻ ባሕሪ' ብዝብል ልምዳዊ መጸውዒ ውን ይፍለጥ፡ እዩ። ጠንቂ ምልኣት-ባሕሪ እቲ ምውሳኽን ምጒዳልን ጽፍሒ ባሕሪ እንተነወሐ 16 ሜትሮ ይበጽሕ። እዚ ማለት፡ እቲ ጽፍሒ ባሕሪ 16 ሜትሮ ይጎድል፡ ናብ ንቡሩ ድማ ይምለስ። ካብ ሓደ ትሑት ምልኣት-ባሕሪ ክሳብ እቲ ሓደ ኣስታት 12 ሰዓታት ይሓልፍ፡ ኣብ ልዑል ምልኣት-ባሕሪ ውን ከምኡ፡ ኣብ ነፍስከወፍ መበል 6 ሰዓት ድማ ልዑልን፡ ትሑትን ምልኣት-ባሕሪ ይለዋወጡ። ኣብ ውሽጢ ኣስታት 24 ሰዓታት እምበኣር 4-ሳዕ ምልኣተ-ባሕሪ ይኽሰት፡ እዚ ማለት ጽፍሒ-ባሕሪ 1) ይጎድል 2) ይውስኽ 3) ይጎድል 4) ይውስኽ። ጠንቂ ምውሳኽን ምንካይን ጽፍሒ ባሕርታት ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦ እቲ ኣብ ውቅያኖሳትን ባሕርታትን ዘሎ ማይ፡ ብሰንኪ ስሕበት ወርሒ፡ ኣብ ቀጻሊ ምንቅስቓስ እዩ፡ ዝርከብ። እቲ ብልምዳዊ ስያመ 'መገሻ/ ምጋሽ ባሕሪ' ተብሂሉ ዝጽዋዕ ባህርያዊ ተርእዮ፡ ወርሕን ምድርን ኣብ ሓድሕደን ብዘለወን ስሕበታዊ ጽልዋ እዩ፡ ዝፍጠር። ግናኸ ኣብ ርእሲ እቲ ስሕበት ወርሒ፡ ምልኣት ባሕሪ ክፍጠር ዝገብር ካልእ ሓይሊ ውን ኣሎ ፡ ንሱ ድማ ‘ሕምብርተ-ነጻጊ  ሓይሊ’ (centrifugal force) ተብሂሉ ይጽዋዕ። ሕምብርተ-ነጻጊ ሓይሊ፡ ኣብ ዙረታዊ ምንቅስቓስ ዝፍጠር፡ ንሓደ ኣካል ካብ እቲ ሕምብርቲ ዙረት ንግዳም ዝጒንጽ ሓይሊ እዩ። 

ብኸመይ'ዩ ሰብ ድምጺ ዝሰምዕ፧

Image
  'ብዙሕ ክንሰምዕ ክልተ እዝኒ ተወሃብና፡ ውሑድ ክንዛረብ ግን ሓንቲ መልሓስ ኣሎትና' ዝብል ጥንታዊ ብሂል ኣሎ። ምስማዕ ኣብ ምልውዋጥ ሓበሬታ ምስ ሰብን ኣከባብን ሰፍ ዘይብል ተራ ይጻወት። እዝኒ 24 ሰዓታት ድምጺ ንኽሰምዕ ዕሙር፡ እዩ። ሰባት ገና ኣብ ከብዲ ኣደ ከለዉ፡ ድሕሪ ኣስታት 24 ሳምንቲ ጥንሲ፡ ምስማዕ ይጅምሩ። ብምስማዕ እነትዎ ሓበሬታ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ መሰረታውያን ስምዒታት ከለዓዕል ይኽእል። እቶም ኣርባዕተ ስምዒታት ድማ ጓሂ፡ ሓጎስ፡ ቁጠዐ፡ ፍርሓት እዩም። እዝኒ፡ ሓደ ካብ እቶም ሓሙሽተ ስምዒት-ህዋሳት ሰብ እዩ። ቀዳማይ ዕዩ እዝኒ ነቲ ብምልክዕ ማዕበል ዝመጾ ድምጺ ተቐቢሉ፡ ናብ መትናዊ ዋሕዚ (ኤለክትሪካዊ ምልክት) ድሕሪ ምልዋጥ፡ ናብ ሓንጎል ምምሕልላፍ እዩ። ብዘይካዚ፡ እዝኒ፡ ወይ እቲ ኣብ ውሽጢ እዝኒ ዝርከብ ክፍለኣካል፡ ሚዛን ኣካል ክንሕሉ የኽእለና። ማዕበል ድምጺ፡ ንዝናዘ ናይቲ ቆይሙ ወይ ከቢቡና ዝርከብ ፈሳሲ፡ ጋዝ ወይ ድሩቕ ነገር እዩ። እዝንና እምበኣር ነቲ ንዝናዘ ጋዝ፡ እዚ ማለት ኣየር፡ ፈሳሲ ወይ ድሩቕ ነገር ናይ ምህዋስ ክእለት እዩ፡ ዘለዎ።    ስነ-መዛርዕ (anatomy) እዝኒ   ኣብኡ ብምጥዋቕ ስእሊ ኣግዝፉ! እዝኒ ከምዚ ዝስዕብ ኣብ ሰለስተ ይኽፈል፦ ደጋዊ፡ ማእከላይ፡ ውሽጣዊ ክፋል እዝኒ። ደጋዊ ክፋል እዝኒ ካብ ኩሮ እዝኒ ከምኡ ውን ካብ መትረብ እዝንን ደጋዊ ገጽ ከበሮ እዝንን ዝቖመ እዩ። ኲሮ እዝኒ ካብቲ 'ቆርጠምጠማ' ( cartilage) ተባሂሉ ዝፍለጥ ልምሉም ሽንቅላጥ (tissue) ከምኡውን ቆርበት ዝቖመ እዩ። ማእከላይ ክፋል እዝኒ ድማ ካብ ከበሮ እዝኒ፡ ሞደሻ እዝኒ ፡ ወጸቓ-እዝኒ ከምኡውን ርኻብ-እዝኒ ዝቖመ እዩ። ከበሮ እዝኒ ረቂቕ ግዝፊ ዘለዎ ተወጢሩ ዝርከብ