ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧
ስለምንታይ እዩ፡ መልክዕና ዝፈላለ፧ ሰለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ምስ ሕማሞም ዝውለዱ፧ ሰለምንታይ እዩ፡ ባህርን መልክዕን ስድራ ብሓድጎም ዝወርስ፧ ስለምንታይ እዮም ስድራቤትና ክፋል-ምስልና ዘለዎም፡ ግናኸ ሙሉእ ምስልና ዘይብሎም፧ እዚኣቶም ሰባት ካብ ዝህልዉ ዝቐርቡ ሕቶታት እዮም። ሰባት፡ ባሀርን ምስልን ወለዲ ናብ ደቆም ክሓልፍ፡ እንስሳታት ከምኡውን ዝተዘርኡ ኣትክልቲ ምስሎም፡ ግዝፎም፡ ንውሓቶም ከምኡውን ዘርእይዎ ባህሪ ናብቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሓድሽ ወለዶ ከም ዝመሓላለፍ ተገንዚቦም እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዘርኢ ኣትክልቲ መሪጾም ክዘርኡን፡ እንስሳታት ከዳቕሉን ይረኣዩ። ስለምንታይ እዩ፡ እዚ ከምኡ ዝኸውን ንምግላጹ ግን ኣይክኣሉን። እቲ መልሲ ቅድሚ ኣስታት 150 ዓመታት እዩ፡ ክርከብ ዝኸኣለ። እ ቲ ምስጢር፡ ኣብቲ ካብ ወለዲ ናብ ውሉዶም ብዘርኦም ዝመሓላለፍ ብሕጽረተ-ቃል እንግልዝኛ ዲ-ኤን-ኤይ (DNA=deoxyribonucleic acid) ዝፍለጥ ኣካለመረ እዩ፡ ተቐቢሩ ዝርከብ። ኣካለመረ ህያውያን ፍጡራት (ሰብ ፡እንስሳታት ፡ኣትክልቲ) ንእቶም ካብኣቶም ዝተወልዱ መልክዖም፡ ባህሪኦም፡ ቁመቶም፡ ቅርጾም ወይ ብሓፈሻ ኩሉ መለልይኦም ዘውርስሉ ኣብ ዘርኦም ተደኲኑ ዝርከብ፡ ባህርያዊ ግዛዕ እዩ። ኩሎም ህያውያን ፍጡራት ኣብ ሕመረት ዋህዮታቶም ኣካለመረ ኣለዎም። ኣካለመረ ንድፊ ወይ ሓቤሬታ እዩ፡ እቲ ሓበሬታ ብዛዕባ ዓይነት፡ እንታይነት ናይቲ ንዋህዮታትና ዘቚሞም ፕሮቲን ይውስን። እዚ ማለት ንኣብነት ሓደ ሰብ ቁመቱ፡ ሕብሪ ናይ ቆርበቱ፡ ዓይኑ፡ ጸጒሩ ከመይ ክመስል ከም ዘለዎ ኣብ ኣካለመረ እዩ ተጻሒፉ ዝርከብ። ኣብ እንስሳታት ፡ኣትክልቲ፡ ባክተርያ ከምኡውን ካልኦት ደቀቕቲ ተህዋስያን ( microorganisms) ውን ልክዕ ከምኡ። በዚምኽንያ