ጸርገ-ንጥፈት እንታይ እዩ፧ (radioactivity)

 

     

ናይ ቻርኖቢል ፡ ዩክረይን፡ ብ 1986 ኑክለየሳዊ ሓደጋ ድሕሪ ምኽሳቱ፡ ብሰንኪ ሳዕቤን ጸርገ-ንጥፈት ዝባደመ ስፍራታት! ብጫ፦ ካቢና ቴሌፎን!


ጸርገ-ንጥፈት ብሕጽር ዝበለ መግለጺ ፡ ሓደ ባህሪ ናይ ጽኑዕ ሕመረት ዘይብሉ ባእታ እዩ። ሕመረት፡ እቲ ካብ ፕሮቶን ከምኡ ውን ንዩትሮን ዝቖመ ማእከላይን ወሳንን ክፋል ሓደ ኣቶም እዩ። ኣቶም ካብ እቶም ኣብ ሕመረቱ ዝርከቡ ንዩትሮን፡ፕሮቶን ከምኡውን ካብ ኤልክትሮንን ዝቖመ እዩ። ብዝሒ ንዩትሮንን፡ ኤለክትሮንን ድማ ኣብ ንቡር ኲነት ዝተመጣጠነ እዩ። ግናኸ ኣብኣቶም ከምዚ ዘይኮነ፡ ገለ ባእታታት ኣለዉ፡ ንኣብነት ዩረይነም። ዘይጽኑዕ ሕመረት ማለት እምበኣር፡ ብዝሒ ንዩትሮንን ናይ ሓደ ኣቶም ምስ ብዝሒ ናይ እቶም ኤለክትሮን ዘይመዛዘን እንተኾነ እዩ። 

ዘይምምዝዛን ብዝሒ ንዩትሮንን ኤለክትሮንን ኣብ ሓደ ኣቶም፡ ምስ ዘጋጥም፡ ሓደ ኣቶም ይብተን፡ ድሕሪኡ ድማ ሓድሽ ይፍጠር፡ ኣብቲ መስርሕ ምብታን እዩ እምበኣር ጸርገ-ንጥፈት ዝካየድ። እዚ ማለት ልክዕ ከም ጩራ-ብርሃን ጸሓይ፡ ግናኸ ክርአ ዘይክእል  ጸዓት-ሓዘል ጸዳል ይፍኖ።

እቲ ጸዳል ጸዓት- ወይ ሓይሊ ሓዘል ብምዃኑ፡ ዋህዮታት ህያውያን ፍጡራት፡ ማለት ናይ ሰብ፡ እንስሳታት ከምኡ'ውን ኣትክልቲ፡ ናይ ምጕዳእ ክእለት ኣለዎ። 

      ዝተፈላለዩ ዓይነታት ጸርገ-ንጥፈት

ዓይነታትመለልዪኦም
alpha(ኣልፋ)))እዚ ዓይነት ጸርገ-ንጥፈት፡ ሓደ ዘይጽኑዕ ሕመረት ዘለዎ ባእታ ናብ ሂልየም ዝተባህለ ከሚካዊ ባእታ  ምስ ዝቕየር እዩ፡ ዝፍጠር።
beta (ቤታ)እዚ ዓይነት ጸርገ-ንጥፈት ካብቲ ዘይጽኑዕ ሕመረት ዘለዎ ኣቶም፡ ጸዓት-ሓዘላት ኤለክትሮን ምስ ዝፍነው እዩ፡ ዝረአ።
gamma rays(ጋማ-(ጸዳል))ጋማ-ጸዳል ኤለክትሮማግነቲካዊ ጩራ ኮይኑ ዘይከምቶም ካልኦት ዓይነታት ጸርገ ንጥፈት፡ ከም ብርሃን ብማዕበላዊ መልክዕ እዩ፡ ዝፍኖ። 

alpha , beta, gamma፡ እቶም ሰለስተ ቀዳሞት ፊደላት ናይ ቛንቋ ግሪኽ እዮም !( ብግሪኽ፡- α , β,  γ )


                                                ምልክት ጸርገ-ንጥፈት

ጠንቂ ጸርገ-ንጥፈት ባህርያዊ ከምኡ'ውን ሰብኣዊ  ክኸውን ይኽእል። ኣብነት ናይ ሰብኣዊ ጠንቂ ዘለዎ ጸርገ-ንጥፈት፡ ኣቶማዊ ቦምባ ክንወስድ ንኽእል። ጸርገ-ንጥፈት ዋህዮታት ህያውያን ፍጡራት ናይ ምዕናው ክእለት ኣለዎ። ስለዚ እምበኣር ጸርገ-ንጥፈት  ዓይነቱን ፡ክብደት ጉድኣቱን ይፈላለ እምበር ፡ ንህያውዋን ፍጡራት ጎዳኢ እዩ። 

ጉድኣትን ሓይሊን ናይ ዓይነታት ጸርገ-ንጥፈት!

እቲ ኣልፋ (alpha) ዝተሰምየ ጸርገ-ንጥፈት፡ ላዕለዋይ ቆርበትና ሓሊፉ ናይ ምጒዳእ ክእለት የብሉን፡ ንወረቐት ውን ትኹን ሰንጢቕካ ናይ ምሕላፍ ክእለት የብሉን፡ ይኹንእምበር ብመልክዕ መስተ ይኹን ምግቢ ናብ፡ ኣካላትና ድሕሪ ምእታዉ ንጥዕናና ጎዳኢ እዩ። 

እቲ ቤታ (beta) ዝተሰምየ ዓይነት ጸርገ-ንጥፈት ግን በንጻሩ፡ ላዕለዋይ ቆርበት ሰንጢቕካ ናይ ምሕላፍ ክእለት ኣለዎ። ኣብ ውሽጢ ኣካላት ህያውያን ፍጡራት ምስ ዝኣቱ ድማ ፡ ኣብ ዋህዮታቶም፡ እዚ ማለት ኣካለመረ (DNA)፡ መቐይሮታት ከስዕብ ይኽእል። ይኹንእምበር 2 ሰ.ሜ ዝግዝፉ ፕላስቲክ ጌርካ ብቐሊሉ፡ ክትከላኸሎ ይከኣል።

እቲ ጋማ (gamma) ዝተሰምየ ዓይነት ጸርገ-ንጥፈት፡ ካብ ኩሎም  እቲ ዝበርተዐን፡ ጎዳእን እዩ። ሙሉእ ኣካልና'ውን ከይተረፈ ናይ ምጥሓስ ክእለት ኣለዎ፡ ስለዚ ድማ ንመከላኸሊ ዝኸውን ፍሉይ ዕጥቂ የድሌና።


Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧