ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧



ሲ-ኦ-2 (CO₂) ከሚካዊ ቀመር (formula) ናይ ካርቦንዳይኦክሳይድ (Carbon dioxide) እዩ። ካርቦንዳይኦክሳይድ ጋዝ እዩ፡ እቲ ጋዝ ካብ ካርቦንን ኦክሲጅንን ዝቆመ ኮይኑ፡ እቲ ቀመር (ሲ-ኦ-2)  ድማ እቲ ጋዝ ካብ ሓንቲ ናይ ካርቦን ኣቶም፡ 2 ድማ ናይ ኦክስጅን ኣቶምን ዝቖመ ምዃኑ ይሕብር። ካርቦንዳይኦክሳይድ ኣብ ማይ ዝሓቅቅ ወይ ዝፍታሕ ጨና፡ ሕብሪ ዘይብሉ፡ ዘይነድድ ዓይነት ጋዝ እዩ። እቶም ብብዙሓት ሰባት ዝፍተዉ ጋዝ ዝተሓወሶም ለስለሳታት ንኣብነት ማይ ማዕድን፡ ኯካ፡ ፋንታ ወዘተ ውን ካርቦንዳይኦክሳይድ ስለ ዝተሓወሶም`ዩ፡ ክበሃል ይከኣል። ካርቦንዳይኦክሳይድ ሓደ ባህርያዊ ክፋል ናይቲ እነስተንፍሶ ኣየር`ዩ። ኣየር ክሳብ 0.04% ካብ ካርቦንዳይኦክሳይድ፡ 21% ካብ ኦክስጅን፡ 78% ካብ ናይትሮጅን ከምኡውን ካልኦትን ጋዛትን ዝቖመ`ዩ።

ከምዚ ንርእዮ እምብኣር፡ ካርቦንዳይኦክሳይድ፡ ካብ ባህሪ ዘፍቅዶ መጠኑ ክሳብ ዘይሓለፈ፡ ዘይጓዳእን ባህርያውን ጋዝ`ዩ። ግደ ሓቂ፡ ኣብ ዓለም ንዝነብሩ ህያውያን ፍጡራት ኣትኽልቲ፡ሰብ፡እንስሳታት ንምንባር ዘድልዮም ጋዝ፡ እዩ። እቲ መስርሕ ድማ ነዚ ዝስዕብ ይመስል///

ኣትክልቲ ብሰራውሮም ማይን፡ ማዕድናትን ካብ ምድሪ ይስሕቡ፡ ብኣቚጽልቶም ውን ካርቦንዳይኦክሳይድ። ኣማስያኡ ብሓገዝ ብርሃናዊ ጸዓት ናይ ጸሓይ ግሉኮዝ (glucose) ዝተባህለ ፡ዘድልዮም ፡ ዓይነት ሽኮር ከምኡውን ንእቲ ሰብን እንስሳታትን ዘስተንፍስዎ ኦክስጅን የፍርዩ። እቲ እዚ ዝኾነሉ መስርሕ ጽማረ-ብርሃን (photosynthesis) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ብዘይካዚ ሰባትን እንስሳታትን ንኽነብሩ፡ ንእቶም ሳላ ካርቦንዳይኦክሳይድ ዝሃለዉ፡ ኣትኽልቲ ይበል`ዑ። ምናልባት ስጋ ጥራይ ዝምገቡ እንስሳታት ኣለዉ እንድዮም ትብሉ ትኾኑ፡ እቲ መልሲ በላዕቲ ስጋ ውን መብዛሕቲኡ በቲ ስጋ ናይ እቶም ኣትክልቲ ወይ ፍረታቱ ዝምገቡ እንስሳታት እዮም፡ ዝዕንገሉ።

ጽማረ-ብርሃን ብዝተቓለለ መልክዕ


ሕቶና፡ 'ስለምንታይ`ዩ ካርቦንዳይኦክሳይድ ኣብ ምቕያር ዓለም-ለኻዊ ክሊማ ዓቢ ተራ ዝጻወት፧' እዩ። ቅድሚ`ዚ ሕቶ ምምላስና፡ ፍልልይ ክሊማን ኩነታት-ኣየርን እታይ እዩ፧ ክሊማ ዓለም ለኻዊ ምቅይያር ናይቲ ንኣስታት 30 ዓመታት ዝተሰነደ ኩነታት ኣየር እዩ፡ ኩነታት ኣየር (weather) ግን በንጻሩ መዓልታዊ ምልውዋጥ ምቖትን ዛሕልን እዩ። ደበና ይህሉ ፡ማይ ይዘንብ፡ ጸሓይ ትወቅዕ ወዘተ፡ እዚ ዕለታዊ ክስተት ኩነታት ኣየር ይበሃል።



ቀዳመይቲ ሕቶና ንመልሳ እምኣር// ደቂ ሰባት ኢንዳስትርያዊ ትካላት ክጥቀሙ ካብ ዝጀመሩሉ ግዜ (1760 – 1840 ) መጠን ካርቦንዳይኦክሳይድ ዓለምለኸ እንዳ ወሰኸ`ዩ መጽዩ። እቲ ምኽንያት ድማ እተን ሰባት ዝመሃዝወን ካብ ዝነኣሳ ክሳብ ዝዓበየ ማሻናት ጸዓት ብምህላኽ ዝሰርሓ ብምዃነን፡ እዩ። ኣብ መስርሕ ምፍራይን ምህላኽን ናይቲ ጸዓት ከኣ ማእለያ ዘይብሉ ካርቦንዳይኦክሳይድ ይልቀቕ። ካብዚ ሓሊፉ ንጥቀመሎም ብኤሌክትሪክ ወይ ነዳዲ ዝሰርሑ ነገራት ከም መጎዓዝያታት፡ መራኸቢታት ከም ቴሌፎን፡ኮምፒተር፡ ኩሉም ካርቦንዳይኦክሳይድ የፍርዩ እዮም። በዚ ምኽንያት ካርቦንዳይኦክሳይድ ካብ ባህርያዊ መጠኑ ንላዕሊ እንዳ በዘሐ መጽዩ።

ምናልባት ኮምፒተረይ ይኹን ሞባይለይ ከመይ ጌራ እያ ካርቦንዳይኦክሳይድ ተፍሪ ትብሉ ትኾኑ፡ እቲ መልሲ ብሕቶ ክምለስ ይከኣል፦ ኮምፒተርኩም ይኹን ሞባይልኩም ንኽስርሓ ይኹን ክሰርሓ እንታይ የድሊ፧ ትኽክል ጸዓት የድሊ! ኤሌክትሪክ፡ ከምኡውን ኣብ ምስራሕ ባተሪ ኣገደስቲ ዝኾኑ ግናኸ ብቐሊል ምፍሓር ዘይርከቡ ሊትዩም (lithium) ከምኡውን ኮባልት (cobalt) ዝተባህሉ ሜታላዊ ማዕድናት። ኮምፒተርኩም ይኹን ሞባይልኩም ንኽስርሓ ይኹን ክሰርሓ እምኣር ብዙሕ ጸዓት፡ ብፍላይ ኤለክትሪካዊ፡ እየን ዝውድኣ። ኤለክትሪክ ወይ እቲ ጸዓት ንምምንጫው ድማ ካርቦንዳይኦክሳይድ ምፍራይ ግዴታ ይኸውን፡ እቲ ምንጪ ጸዓት ተሓዳሲ ክሳብ ዘይኮነ።

ሳዕቤን ሓምላይ ገዛ ( Greenhouse effect) ዶ'ክበሃል ሰሚዕኩም ትፈልጡ፧ ሓምላይ ገዛ፡ ከምዚ ዝስዕብ ሰባት ንምስሳን ኣትክልቲ ዝጥቀሙሉ ሜላ እዩ። ገለ ፈተውቲ ሙቐት ኣትክልቲ ብቪትሮ ኣብ ዝተሰርሐ ገዛ ምስ ዝኣትዉ፡ ብዘገርም ይስስኑ፡ እቲ ምኽንያት ድማ እቲ ቪትሮ ሰንጢንቁ ዝኣቱ ሙቐት፡ ድሕሪ ምእታዉ፡ ኣብ ምውጻእ በቲ ቪትሮ ይዕገት ብምዃኑ እዩ። ብኽመኡ ድማ ከባቢ ወላ ኣብ ዝዝሕለሉ ግዜ፡ እቲ ብቪትሮ ዝተኸበ ቦታ ብተዛማዲ ልዑል ሙቐት ይህልዎ።



እቲ ሙቐት ይኣቱ ከይወጽእ ግና በቲ ቪትሮ ይዕገት! ኣብዚ ዓለምለኻዊ ምቅያር ክሊማ ድማ ንዓለምና ብሰንኪ መጠኑ ዘይሓለወ ልቀት ካርቦንዳይኦክሳይድ ተመሳሳሊ ተርእዮ ገጢምዋ ይርከብ፡ በዚ ምኽንያት ድማ እቲ ተርእዮ 'ሳዕቤን ሓምላይ ገዛ' ዝብል ስም ተውሂብዎ////



ምድሪ ነቲ ካብ ጸሓይ ዝመጻ ብርሃን ፡ብፍላይ ብጻዕዳ ክፋላታ ከም በረድ፡ ሙቀት ናብ ህዋ እንዳ ነጸገት`ያ መጠናዊ ክሊማ ትዕቅብ፡ ክፉእ ገጽ ናይ ካርቦንዳይኦክሳይድ እምበኣር ኣብዚ`ዩ ተራ ዝጻወት። እቲ ምክንያት ድማ ነቲ ናይ መጠናዊ-ክሊማ ምዕቃብ መስርሕ ስለ ዝዕንቅፎ እዮ። ካብ ጸሓይ ዝመጸ ሙቐትን ብርሃን ኣብ ክንዲ ናብ ህዋ ዝንጸግ ኣብ ምድሪ ይተርፍ፡ ናብ ህዋ ከይምለስ እቲ ሰባት ዝለቐቕዎ ካርቦንዳይኦክሳይድ ይኽልክሎ። ሳዕቤኑ ድማ ምውሳኽ ሙቐት ይኸውን። ምቅያር ዓለምለኻዊ ክሊማ ኣብ ግዜና ንደቂ ሰባት ዓቢን ኣስጋእን ጸገም እንዳ ኾነ ይመጽእ ኣሎ። ከም ውጽኢቱ ብዙሓት ሃገራት ጸዓት ዘፍርያሉ መገዲ ናብ ተሓዳሲ ምንጪ ጸዓት ክቅይርኦ ይመባጽዓ። ተሓዳሲ ምንጪ ጸዓት ንኣብነት ካብ ብርሃን ጸሓይ፡ ንፋስ፡ ጹሩይ ሃይድሮጅን እዩ፡ ዝምንጩ። ውልቀ ሰባት ንምምካት ምቕያር ዓለምለኻዊ-ክሊማ ነዞም ዝስዕቡ ቀለልቲ ነገራት ክገብሩ ይኽእሉ!
  1. ዘይትጥቀመሎም ብኤሌክትሪክ ዝሰርሑ ነገራት ምጥፋእ።
  2. ኣብ ግዜ ምግዛእ ፕላስቲክ ምውጋድ።
  3. ብሳይክል ምጒዓዝ።
  4. ኣድላዪ ዘይኾነ ምጉዓዝ ብመኪና ፡ ነፋሪት ምውጋድ።
  5. ትገዝኦም ነገራት ንክሊማ ብዘይ ሙግዳእ'ዶ ፈርዮም ምጥንቃቕ!

Comments

Popular posts from this blog

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧