ባሕሪ ይገይሽ ይበሃል፡ ናበይ፧

እቲ ተደጋጋሚ ምውሳኽን ምንካይን ናይ ውቅያኖስ ማይ ‘ምልኣት-ባሕሪ’ (tides) ተብሂሉ ይጻዋዕ፡ እዚ ማለት፡ እቲ ኣብ ገማግም ውሱናት ባሕርታት ዝርከብ ጽፍሒ ማይ ይውስኽን ይንክን። እቲ ማያት ገማግም ባሕሪ እምበረመጠን እንተደየበ ‘ልዑል ምልኣት-ባሕሪ’ (high tide) እንተነከየ ድማ ‘ትሑት ምልኣት-ባሕሪ’ (low tide) ተብሂሉ ይስመ፡ እዚ 'ምጋሽ/መገሻ ባሕሪ' ብዝብል ልምዳዊ መጸውዒ ውን ይፍለጥ፡ እዩ።


ጠንቂ ምልኣት-ባሕሪ


እቲ ምውሳኽን ምጒዳልን ጽፍሒ ባሕሪ እንተነወሐ 16 ሜትሮ ይበጽሕ። እዚ ማለት፡ እቲ ጽፍሒ ባሕሪ 16 ሜትሮ ይጎድል፡ ናብ ንቡሩ ድማ ይምለስ። ካብ ሓደ ትሑት ምልኣት-ባሕሪ ክሳብ እቲ ሓደ ኣስታት 12 ሰዓታት ይሓልፍ፡ ኣብ ልዑል ምልኣት-ባሕሪ ውን ከምኡ፡ ኣብ ነፍስከወፍ መበል 6 ሰዓት ድማ ልዑልን፡ ትሑትን ምልኣት-ባሕሪ ይለዋወጡ። ኣብ ውሽጢ ኣስታት 24 ሰዓታት እምበኣር 4-ሳዕ ምልኣተ-ባሕሪ ይኽሰት፡ እዚ ማለት ጽፍሒ-ባሕሪ 1) ይጎድል 2) ይውስኽ 3) ይጎድል 4) ይውስኽ።


ጠንቂ ምውሳኽን ምንካይን ጽፍሒ ባሕርታት ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦ እቲ ኣብ ውቅያኖሳትን ባሕርታትን ዘሎ ማይ፡ ብሰንኪ ስሕበት ወርሒ፡ ኣብ ቀጻሊ ምንቅስቓስ እዩ፡ ዝርከብ። እቲ ብልምዳዊ ስያመ 'መገሻ/ ምጋሽ ባሕሪ' ተብሂሉ ዝጽዋዕ ባህርያዊ ተርእዮ፡ ወርሕን ምድርን ኣብ ሓድሕደን ብዘለወን ስሕበታዊ ጽልዋ እዩ፡ ዝፍጠር። ግናኸ ኣብ ርእሲ እቲ ስሕበት ወርሒ፡ ምልኣት ባሕሪ ክፍጠር ዝገብር ካልእ ሓይሊ ውን ኣሎ ፡ ንሱ ድማ ‘ሕምብርተ-ነጻጊ  ሓይሊ’ (centrifugal force) ተብሂሉ ይጽዋዕ። ሕምብርተ-ነጻጊ ሓይሊ፡ ኣብ ዙረታዊ ምንቅስቓስ ዝፍጠር፡ ንሓደ ኣካል ካብ እቲ ሕምብርቲ ዙረት ንግዳም ዝጒንጽ ሓይሊ እዩ። 


ወርሒ፡ ቀዳማዊ ጠንቂ ምልኣት ባሕሪ


ወርሒ፡ እታ ብግዜ ጸልማት ዝደመቐት፡ ናብ ምድሪ ዝቐረበት፡ ንምድሪ ኣብ ውሽጢ ኣስታት 29.5 መዓልታት ትዞራ፡ ሰባት ኣእጋሮም ዘቐመጡላ፡ እንኮ ባህርያዊት ሳትላይት እያ። ብሰንኪ እዚ፡ ሰባት ካብ ዝህልዉ ጀሚሮም ብዛዕባ እቲ ኣብ ህይወታውያን ዘልዎ ጽልዋ ብዙሕ ተመራሚሮም። ወርሒ ኣብ ሰባት ፡ካብ ባህሊ ናብ ባህሊ ዝፈላለ እኳእንተኾነ፡ ትእምርቲ (ምልክት) ለውጢ፡ ተስፋ፡ ተሓድሶ ፡ ፍረ፡ ዘልኣለምነት፡ ጒብዝና ወዘተ እያ። እዚ ትርጉም ፡ይሓድ ይብዛሕ፡ ሳላ እቲ ኣብ ግዜ ጸልማት፡ ካብ ጸሓይ ተቐቢላ ብምንጻግ፡ እትህቦ ወቕታዊ ብርሃን እዩ፡ ዝተዋህባ። ሰባት ዝተመሓየሸ፡ ምስ ዙረት ምድሪ ንጸሓይ ዝተቓነየ፡ ዘመናዊ ዓውደ ኣዋርሓት ቅድሚ ምምሃዞም፡ ንወርሒ ከም መወከሲ ኣዋርሓቶም ይጥቀሙላ ነበሩ። እዚ ማለት፡ ወርሒ ንምድሪ ኣብ ውሽጢ ኣስታት 29.5 መዓልታት ሓንቲ ግዜ ድሕሪ ምዛራ፡ ሓንቲ ወርሒ ትሓልፍ ነበረት። ካብዚ ዝነቐለ ከይኮነ ኣይተርፍን፡ ብዙሓት ቋንቛታት ንወርሒ፡ እዚ ማለት እታ ንምድሪ ትዞራ ኣካል፡ ከምኡውን ን30 መዓልታት፡ 'ወርሒ' ዝብል ሕደ ወይ ዝመሳሰል ስም ኣለወን፡ ቋንቛ ትግርኛ ውን ካብ እተን ሕደ ቃል ዝጥቀማ ቋንቛታት ዝተፈልየ ኣይኮነን።


እቲ ምውሳኽን ምንካይን ጽፍሒ ባሕሪ፡ ከም እቲ ቀዲሙ ዝተገልጸ፡ ብምልዓልን ምውራድን ጽፍሒ ባሕሪ ኣብ ውሱናት ገማግም ባሕርታት ይርአ። ወርሒ ልዕሊ 384 ሽሕ ኪ.ሜ ካብ ምድሪ ርሒቓ ትርከብ ክንሳ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝርከብ ማያት ብስሕበታዊ ሓይሊ ናብ እቲ  ናብ ወርሒ ዘብል ገጽ ምድሪ ትዂምሮ። እቲ  'ሕምብርተ-ስሕበታዊ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓይሊ ድማ ንእ ፡ኣብቲ ካብ ወርሒ ዝተኸወለ ገጽ ምድሪ፡ ዝርከብ፡ ማይ ይኹምሮ።


ብኸምዚ ክልተ ኩምራታት ማይ ይፍጠሩ፡ ሓደ በቲ ናብ ወርሒ ዘብል ሸነኽ፡ ክልተ በቲ ካብ ወርሒ ዝተኸወለ ሸነኽ ምድሪ። እዚ ኩምራ ማይ ወትሩ ከምኡ፡ እዩ። ምድሪ ኣብ ዕለታዊ ዝሮታ ብትሕቲ እቲ ክልተ ኩምራታት ማይ ትሓልፍ፡ ምድሪ ኣብ ዝሮታ ነቲ ኩምራ ማይ ምስ እትበጽሖ ጽፍሒ ባሕሪ ይውስኽ (ልዑል ምልኣት-ባሕሪ)፡ እዚ ማለት ናብ ንቡሩ ይምለስ። ነቲ ኩምራ  ማይ ምስ እትሓልፎ ድማ እቲ ጽፍሒ ባሕሪ  ይንኪ። ብኸምዚ ድማ 2 ሳዕ ኣብ መዓልቲ እቲ ጽፍሒ ባሕሪ ይውስኽ 2 ሳዕ ውን ይንኪ።

እቲ ጽልዋ፡ ስሕበት ወርሒ ኣብ ርእሲ ንቑጽ ምድሪ ውን ከይተረፈ ኣብ መላእ ምድሪ ህልው፡ እዩ፡ ግናኸ ምድሪ ወይ ካልእ ደረቕ ነገር፡ ዘይከም ማይ፡ ብቐሊሉ ቅርጹ ዘይቅይር ብምዃኑ፡ እቲ ጽልዋ ጎሊሑ ክርአ ኣይክእልን።


እቲ  'ሕምብርተ-ስሕበታዊ' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሓይሊ ድማ ነቲ፡ ኣብቲ ካብ ወርሒ ዝተኸወለ ገጽ ምድሪ፡ ዝርከብ፡ ማይ ይኹምሮ። ብኸምዚ ድማ ክልተ ኩምራታት ማይ ይፍጠሩ፡ ሓደ በቲ ናብ ወርሒ ዘብል ሸነኽ፡ ክልተ በቲ ካብ ወርሒ ዝተኸወለ ሸነኽ ምድሪ። እዚ ኩምራ ማይ ወትሩ ከምኡ፡ እዩ። ምድሪ ኣብ ዕለታዊ ዝሮታ ብትሕቲ እቲ ክልተ ኩምራታት ማይ ትሓልፍ፡ ምድሪ ኣብ ዝሮታ ነቲ ኩምራ ማይ ምስ እትበጽሖ ጽፍሒ ባሕሪ ይውስኽ (ልዑል ምልኣት-ምልኣት ባሕሪ)፡ እዚ ማለት ናብ ንቡሩ ይምለስ። ነቲ ኩምራ  ማይ ምስ እትሓልፎ ድማ እቲ ጽፍሒ ባሕሪ  ይንኪ። ብኸምዚ ድማ 2 ሳዕ ኣብ መዓልቲ እቲ ጽፍሒ ባሕሪ ይውስኽ 2 ሳዕ ውን ይንኪ። 


ምልኣት-ባሕሪ፡ ብየማንን ጸጋምን ኲምሪ ማይ (ልዑል ምልኣት-ባሕሪ )፡ ኣብ ማእከል ድማ ትሑት ምልኣት-ባሕሪ።


ጸሓይ፡ ደጋፊት ወርሒ


ሓይሊ ስሕበት፡ ብመጠን ክልተ ኣካላት ዝተቃረብዎ ይውስኽ፡ በዚ ምኽንያት ጸሓይ እዃ ብስሕበታዊ ሓይላ፡ (ንምልኣት-ባሕሪ ዝምልከት)፡ ንምድሪ ትጸልዋ ክንሳ፡ ብሰንኪ ርሕቀታ ግን ጽልወኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝረአ ናይ ወርሒ ስሕበታዊ ሓይሊ ኣይዳረጎን፡ እዩ። ግናኸ ኣብ ግዜ ምልእቲ ወርሒ ወይ ሰርቂ ወርሒ (ሓዳሽ ወርሒ)፡ ጸሓይን ወርሕን ኣብ ሓደ መስመር ዝርከባ ብምዃነን፡ ስሕበተን ተደማሚሩ ዓቢ ምልኣት-ባሕሪ ክኽሰት ይገብር፡ እዚ ምልኣት 'ኣፍላ ምልኣት-ባሕሪ' ተብሂሉ ይጽዋዕ። በንጻሩ፡ ምድሪ ኣብ ማእከለን እንተሃለወት ግን ስሕበተን ይነጻጸር።


ጥቕምታት ምልኣት-ባሕሪ


ትሑት ምልኣት-ባሕሪ ኣብ ዝሃለወሉ እዋን፡ ዓሳታት ብእቲ ዝጎድል ጽፍሒ ባሕሪ ተደሪኾም ናብ ሓደ ቦታ ይእከቡ፡ ሰባት ድማ መርበቦም ዘርጊሖ ይገፍዎም፡ ተወሳኺ ከም ሰረጣን (crab)፡ ጻህያይ ባሕሪ (ተኽሊ)፡ ሞሉስኮ (mussel)፡ ኣረነ፡ ኦስትሪካ (oyster) ወይ ካልእ ተበላዕቲ ኣትክልትን፡ እንስሳታትን እቲ ማይ ድሕሪ ምንጻፉ ብሰባት ይእረዩ። ካብዚ ሓሊፎም፡ ሰባት ንእቲ ምልኣት-ባሕሪ፡ ከም ምንጪ ጸዓት ይጥቀሙሉ። እዚ ማለት፡ እቲ ዝደጋገም ማዕበላዊ ዋሕዚ ናይ ምልኣተ-ባሕሪ ንእተን ኣብ ማይ ጥሒለን ዝርከባ ቱርቢናታት ( turbines) የዙረን ወይ የንቀሳቕሰን ፡ እቲ ምንቅስቓሳዊ ጸዓት ናይ እተን ቱርቢናታት ድማ ብጀነረተራት ናብ ኤለክትሪካዊ ጸዓት ይቕየር፡ ነቲ ዝመንጨወ ኤለክትሪክ ድማ ሰባት ይጥቀምሉ። እዚ ሽሕዃ ሓድሽ ምህዞ ይኹን፡ ዓቢ ምንጪ ተሓዳሲ ጸዓት ምዃኑ ይእመን። ተወሳኺ፡ ዝተወሰኑ እንስሳታትን ከም መርጀን (coral)፡ ኣብ ግዜ ትሑት ምልኣት-ባሕሪ እንቋቊሖኦም የቐምጡን ይዋሰቡን።


Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧