በርቂ ብኸመይ ይፍጠር፧



ርቂ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደበና ወይ ኣብ ሞንጎ ደበናን ምድርን ዝምንጩ፡ ብመልክዕ ብርሃን ኣብ ሰመያት ዝርአ፡ ባህርያዊ ኳሬንቲ ወይ ኤለክትሪክ እዩ።

በርቂ፡ ብርቱዕ ሙቐት ጸሓይ ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ ወይ ፡ኣብቲ ወትሩ ብርቱዕ ሙቐት ጸሓይ ዝርከቦ፡ ከባቢ ቅናት ምድሪ እዩ ብብዝሒ፡ ዝርአ። በርቂ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደበና ከምኡውን ደበናን ምድርን ክኽሰት ይኽእል። እቲ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ደበና ዝፍጠር በርቂ፡ እቲ ላዕላይን ታሕተዋይን ክፋል ናይታ ደበና ብዝውንኖ ተጻይ (ኣንጻር) ዝኾነ ኤለትሪካዊ ምልኣት፡ ይምንጩ፡ ቅርጺ ጋድም ሕንጻጽ ውን ይውንን፡ ተደጋጋሚ ከኣ ይርአ። እቲ ኣብ መንጎ ደበናን ምድርን ዝምንጩ በርቂ ድማ፡ በቲ ኣብ ምድርን ደበናን ዝርከብ፡ ኣንጻር ዝኾነ ኤለትሪካዊ ምልኣት ይምንጩ፡ እዚ ዓይነት በርቂ ብተዛማዲ ሳሕቲ ይረአ፡ ቅርጺ ትኹል ሕንጻጽ ድማ ኣለዎ።

ስታቲካዊ (ቀዋሚ) ኳሬንቲ፡ ጠንቂ በርቂ

ስታቲካዊ ኳሬንቲ (static electricity) ብሰንኪ፡ ኣብ ውሽጢ ወይ ሞንጎ ክልተ ጽፍሕታት ናይ ነገራት ዝርከብ፡ ዘይውድንነት (imbalance) ናይ ኤለክትሪካዊ ምልኣት እዩ፡ ዝፍጠር። እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ እዚ ዓይነት ኳሬንቲ ኣብ ዕለታዊ ህይወት ሰባት ተራ ወይ ልሙድ እዩ። ዝተጠቀምካላ መመሸጥ በሰር ክትስሕብ፡ ዝተለብሰ ጎልፎ ኣብ እተውጸኣሉ ግዜ ብልጭታ'ዶ ኣስተብሂልካ ትፈልጥ፧ እቲ ነዚ ዝገብር ሓይሊ፡ እቲ ብዛዕብኡ ንዛረብ ዘሎና፡ ስታቲካዊ ኤለክትሪክ እዩ። ነፍስወከፍ ኣካል/ነገር ዝተወሰነ ኤለክትሪካዊ ምልኣት ይውንን እዩ። ግናኸ እቲ ኣወንታውን ኣሉታውን ኤለትሪካዊ ምልኣት ተወዲኑ (ተመጣጢኑ) ዝርከብ ብምዃኑ፡ ገለ ኣይፍለጠንናን እዩ።

ሓደ ነገር ኤለትሪካዊ ምልኣት ክውንን፡ ካብኡ ምልኣት፡ እዚ ማለት ኤለክትሮን፡ ክውሰዶ ኣለዎ ወይ ኤለክትሮን ክቕበል ኣለዎ፡ ብኸምዚ ድማ እቲ ነገር ካብ ከባቢኡ ዝተፈልየ ኤለክትሪካዊ ምልኣት ይህልዎ። መመሸጥ ብምጥቃም ኣብ እንዝርግፈሉ ግዜ፡ እታ መመሸጥ ካብ ጸጒርና ኤለክትሮን ትወስድ፡ ብኸምዚ ድማ ጸጒርና ውሑድ እታ መመሸጥ ግን ብዙሓት ፡እት ብባህሪ ኣሉታዊ ምልኣት ዘለዎ፡ ኤለክትሮን ይውንኑ። ከምሳዕቤኑ፡ እታ መመሸጥ ኣሉታዊ ፡ ጸጒርና ድማ ኣወንታዊ ምልኣት ይህልዎም። ባህሪ፡ ኣሉታውን፡ ኣወንታውን ምልኣት ወትሩ ንምምጥጣን ወይ ማዕረ ንምግባር እዩ፡ ዝጽዕት። በዚ ምኽንያት እታ መመሸጥ ነቲ ዝተዋህባ ተወሳኺ ኤለክትሮን ናብቲ በሰር ወይ ናብቲ ዘልገብናያ ካልእ ኤለትሪክ ዘተሓላልፍ ነገር ተረክቦ፡ እቲ መመሸጥ ኣሉታዊ ምልኣት እቲ በሰር ግን ኣወንታዊ ምልኣት ብምውናኑ ድማ ምስሕሓብ በሰር ወይ መንገፍ_ትታት ይኽሰት።

ኣብ ኤለክትሪክ፡ ሕደ ምልኣት (ንኣ. ኣወንታውን-ኣወንታውን) ዝውኑኑ ነገራት ይነጻጸጉ፡ ተጻይ ምልኣት (ኣወንታውን-ኣሉታውን) ዝውንኑ ነገራት ድማ ይሰሓሓቡ እዮም። ተመሳሳሊ ድማ፡ እታ እተውጸኣ ጎልፎ፡ ብሰንኪ ፍሕፈሐ ወይ ካብቲ ከባቢኻ ዝርከብ ውሑድ ጠሊ ዝርከቦ ኣየር፡ ኣሉታዊ ምልኣት ትውንን። ገለ ኣወንታዊ ምልኣት ዝውንን ነገር ድሕሪ ምትንካፍና፡ እቲ ኣብ ሞንጎ ክልቲኦም ዝጸነሐ ዘይተመጣጠነ ምልኣት ናብ ንቡሩ ይምለስ፡ ኣብቲ መስርሕ ምምጥጣን ድማ ቊልጭታ (ንኡስ በርቂ) ይፍጠር።

ኣብ ውሽጢ እታ ደበና ወይ ኣብ ሞንጎ ምድርን ሓንቲ ደባናን እመብኣር ልክዕ ከምኡ እዩ። እቲ ብጸሓይ ዝሞቐ፡ ዝሃፈፈ ማይ ዝርከቦ፡ ኣየር ናብ ላዕሊ ይዓርግ፡ ድሕሪ ምዝሓሉ ድማ ናብ ነጠብጣብ ማይ ይቕየር። እቲ ዝሃፈፈ ማይ ዝርከቦ ኣየር ዜሮ ዲግሪ ሰልዝየስ ዛሕሊ ኣብ ዝርከቦ ብራኸ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ናብ ደቂቕ ሓቒቕ በረድ ክቕየር ይጅምር።

እቲ ነጠብጣብ ማይን፡ ሓቒቕ በረድን፡ በቲ ኣብ ውሽጢ'ታ ደበና ዝርከብ ካብ 5-20 ሜትሮ ኣብ ካልኢት (ሜ/ካ) ዝቕልጣፌኡ ንፋስ፡ ይደባለቕ፡ ፍሕፈሐ ውን ይፍጠር። እቲ ፍሕፈሐ ድማ ተጻይ ኤለክትሪካዊ ምልኣት የስዕብ። ከም ሳዕቤኑ፡ ብሰንኪ እቲ ፍሕፋሐ፡ ስታቲካዊ ኳሬንቲ ይፍጠር። እቲ ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ናይታ ደበና ዝርከብ፡ ነጠብጣብ ማይ ኣሉታዊ ምልኣት ክውንን ከሎ፡ እቲ ኣብ ላዕላይ ክፋል ናይታ ደበና ዝርከብ ሓቒቕ በረድ ድማ ኣወንታዊ ምልኣት ይህልዎ። ብኸምዚ ድማ ዘይተመዛዘነ ዝተፈላለየ ኤለትሪካዊ ምልኣት ይፍጠር። 

እቲ፡ ምድርን፡ ደበናን ዝተፈላለየ ኤለትሪካዊ ምልኣት ብምውናነን ዝኽሰት በርቂ ከኣ ተመሰሳሊ እዩ። ምድሪ ኣሉታዊ ምልኣት፡ እታ ደበና ግና ኣወንታዊ ምልኣት ይውንና። ከምቲ ቀዲሙ ዝተተምበሀ፡ ባህሪ፡ ኣሉታውን ኣወንታውን ምልኣት ሓድሕዱ ክሳብ ዝጠፋእ፡ ሕደ  ምልኣት ክህሉ እዩ፡ ዝጽዕት። 

እቲ ኣወንታዊ ምልኣት ፕሮቶን፡ እቲ ኣሉታዊ ድማ ኤለክትሮን ተባሂሉ ይጽዋዕ። ፕሮቶንን ኤለክትሮንን ኣንጻራዊ ምልኣት ብምውናኖም ይሰሓሓቡ እዩም፡ ወትሩ ድማ ክጣበቑ ይጽዕሩ። ብምኽንያት እቲ ፡ኣብ ምስሕሓብ ወይ ምጥባቕ ዝፍጠር ልዑል ኤለክትሪካዊ ወጥሪ ድማ በርቂ ይፍጠር። ድሕሪእዚ፡ እቲ ውጥረት ኣብቲ
 ኤለክትሮስታቲካዊ ንፍሰት (electrostatic discharge) ተባሂሉ ዝጽዋዕ ተርእዩ ይግንፍል።  በርቂ ዝበርቀሉ ምኽንያት እምበኣር ነቲ ዘይተመጣጠነ ተጻይ ኤሌክትሪካዊ ምልኣት ናብ ንቡሩ ንምምላስ እዩ። ድሕሪ እቲ ኤለክትሮስታቲካዊ ንፍሰት፡ እቲ ዘይምምጥጣን ኣሉታውን፡ ኣወንታውን ምልኣት ዘስዓቦ ውጥረት፡ ይነፍስ፡ እቲ ምልኣታት ውን ይመዓራረ።

ነጎዳ፡ መሰነይታ በርቂ

በርቂ ምስ ዝፍጠር 30,000° (ዲግሪ) ሰልዝየስ ዝበጽሕ ዋዒ ይምንጩ። ካብ እዚ ልዑል ዋዒ ዝነቐለ፡ እቲ ኣብ ዙርያን ውሽጥን ዝርከብ ኣየር ይውዒ። ኣየር ድሕሪ ምውዓዩ ስፍሓት ይውስኽ፡ እዩ፡ እቲ ምስፍሑ ድማ ኣብ ነትጒ ዘስምዕ ዓቢ ድምጺ ይግንፍል፡ እቲ ድምጺ ድማ ነጐዳ ይስመ።

ነጐዳ ድምጺ እዩ፡ ቅልጣፈ ድምጺ ፡ኣብ ዓይነት ጋዝን ሙቐቱን ዝምርኮስ ኮይኑ፡ ኣስታት 343 ሜ/ካ ክኸውን ከሎ፡ ቅልጣፈ ብርሃን ግን ኣስታት 300,0000 ኪ.ሜ/ካ እዩ። ስለዚ ብርሃን ኣዝዩ ቅልጡፍ ብምዃኑ ቀዲሙ ይርአ፡ ነጐዳ ድማ ስዒቡ ይስማዕ።

ኣብ መንጎ ብርሃን ናይቲ በርቕን፡ ነጐዳን ዝሓልፍ ካልኢታት ብምቕጻርን ንሰለስተ ድማ ብምምቃልን፡ እቲ በርቂ ኣስታት ክንደይ ኪ.ሜ ርሒቑ ከም ዝርከብ፡ ክንፈልጥ ንኽእል። ንኣብነት በርቂ ድሕሪ ምርኣይና ( ክሳብ ዝነጒድ ) 3 ሰከንድ እንተቆጸርና፡ እቲ በርቂ ኣስታት 1ኪ.ሜ ርሒቑ ከም ዝተኸስተ ክንግምት ንኽእል።

Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧