Posts

Showing posts with the label ሓፈሻዊ ፍልጠት

ስነ-ፍልጠት እንታይ’ዩ፧

Image
ንሓቅነት ናይቲ ዝተባህለ ዝድግፍ መርትዖ ንምሃብ፡ ‘ብሰነ-ፍልጠት ወይ ሳይየነስ ተረጋጊጹ እዩ’፡ ምባል ኣብ ዕለታዊ ዝርርብ ናይ ሰባት ዝውቱር እዩ። ስነፍልጠት ግን ንምዃኑ እንታይ’ዩ፧ እቲ ዘገርም፡ ሓደ ቅቡል ከተያ ወይ መግለጺ ናይ ስነ-ፍልጠት የለን። ኣብ መዝገበ-ቃላት ኦክስፎርድ ‘ስነ-ፍልጠት’ ዝብል ቃል እንተሰዃዕና፡ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መግለጺ ንረክብ፦ “ኣብ ፡ንኣብ. ብፈተነ ዝተረጋገጸ፡ ጭብጢ ዝተሞርኮሰ ፍልጠት ብዛዕባ መዛርዕ ከምኡውን ጠባይ ናይ ባህርን፡ ግኡዛዊ ዓለምን” ዝብል መግለጺ ንረክብ። መግለጺ ናይታ ‘ስነ-ፍልጠት’ እትብል ቃል ኣብ መዝገበ-ቃላት ካምብሪጅ እተፈተሽና ድማ “ብትዕዝብቲ ከምኡውን ፈተነ ዝተረኽበ ፍልጠት” ዝብል መግለጺ ንረክብ። ተወሳኺ ኣብታ “ ሰነ-ፍልጠት እንታይ’ዩ ፧” ዘርእስታ መጽሓፍ ናይቲ ምሁር ፍዚካን፡ ፍላስፋን ኖርማን ሮበርት ካምበል፡ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መግለጺ ንረክብ፦ “ ስነ-ፍልጠት፡ ውህላል ናይ ጠቓምን፡ ግብራውን ፍልጠት ከምኡውን ንእቲ ዝተጠቕሰ ( እዚ ማለት፡ ጠቓምን፡ ግብራውን ፍልጠት) ምርካብ ዘኽእል ሜላ እዩ።” ሰነ-ፍልጠት ወይ ሳየነስ ካብ እቶም ዝተጠቕሱ መግለጺታት ከም እንግንዘቦ፡ ምስ ፍልጠት ዘተሓሕዝ ኣለዎ። ፍልጠት፡ ዝለዋወጥ ትርጉማት ክህልዎ እኳ እንተኸኣለ፡ ሓፈሻዊ ትርጉሙ ብስምዒት ህዋሳት ድሕሪ ምእታዉ ዝተመስረሐ፡ ክውንነታዊ፡ ጭቡጥ ሓበሬታ እዩ።  ዋላ’ኳ ኣብ ትግርኛ፡ እታ ‘ስነ’ እትብል ቃል ንእቲ ስዒቡ ዝተጠቕሰ ዘጽንዕ፡ ዝድህስስ ወይ ዝምርምር እተአንፍት ቅድመ-ጥብቆ እንተኾነት፡ ስነ-ፍልጠት ጠቕላሊ መጸውዒ ናይቲ ሰባት ብስልስል፡ ግንዛበ ወይ ተመኲሮ ዝረኽብዎ ፍልጠት፡ መግለጺ ወይ ጭብጢ እዩ። እታ ሳየነስ እትብል ቃል ድማ ካብታ ናይ ላቲን ቃል ‘ስክየንቲያ’ (scient