ቀስተደበና ብኸመይ ትፍጠር፧




ሰባት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ብውቃበ  ቀስተደበና ምስተማረኹ እዮም፡ በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ባህልን ሕብረተሰብን ዝተመርኮሰ፡ ዝተፈላለየ ትርጉምን መግለጽን ኣብ ስነ-ጽሑፍን ቅብኣን ሃብዋ። ብኸመይ ከም እትፍጠር ዘረድእ ስነ-ፍልጠታዊ መግለጺ ግን ንነዊሕ ዘመናት ኣይነበረን። ቀስተደበና ክትፍጠር ፡ ማለት ክትርአ ክትክእል፡ ክልተ ነገራት ክህልዉ ኣለዎም፡ ንሳቶም ድማ ነጠብጣብ ማይን ብድሕሪ ተዓዛቢ ዝርከብ ምንጪ ብርሃንን እዮም።

                                                                    ዝርጋሐ ብርሃን

ቲ ከም ውጹእ ጻዕዳ ዝረኣየና ብርሃን ድምር ናይ እቶም ዝተፈላለዩ ሕብርታት እዩ። እቶም ሕብርታት ብርሃን ድማ ብድምር ዝርጋሐ-ብርሃን ይስመዩ። 

እቶም ሕብርታት ብላዕሊ ጀሚርና ምስ እንጠቅስ ቀይሕ፡ ኣራንሾኒ፡ ብጫ፡ ቀጠልያ፡ ሰምያዊ፡ እንዲጎ፡ ሊላ እዮም። ጠቕላላ ዝርጋሐ ናይ እቶም ሕብርታት ድማ ካብ 380-780 ናኖሜተር ይበጽሕ። ዝርጋሐ ብርሃን እምብዛ ካብ ምንኣሱ ዝተላዕለ ብናኖሜተር ይዕቀን፡ ሓንቲ ናኖሜተር ሓደ ኣብ ርእሲ ቢልዮን ሜተር እያ፡ ወይ ብግምጣሉ ሓንቲ ሜተር ሓደ ቢልዮን ናኖሜተር እያ።

 ማይ ኣብ ሃዋህው ከም ሃፋ፡ እዚ ማለት ከም ጋዝን ከም ነጠብጣብ ማይን ኮይኑ ይርከብ። እቲ ጻዕዳ መሲሉ ዝርአ ግናኸ ካብ ዝተፈላለዩ ሕብርታታት ዝቖመ ብርሃን፡ ነቲ ኣብ ሃዋህው ዝርከብ ነጠብጣብ ማይ ምስ ወቐዖ፡ እቲ ነጠብጣብ ማይ ነቲ ጩራ ብርሃን ክልተ ሳዕ፡ ሓንሳብ ብርሃን ናብቲ ነጠብጣብ ማይ  ክኣቱ ሓንሳብ ክወጽእ እንከሎ፡ ይነጽጎን ይዓጽፎን። ነጠብጣብ ማይ ኣብዚ ከም እታ 'ፕሪዝም' ዝተሰምየት ንሕብርታት ብርሃን ትፈሊ መሳርሒ የገልግል። ኣብቲ ግዜ ምዕጻፍ ድማ እቶም ዝተፈላለየ ንውሓት ማዕበል ዘለዎም ሕብርታት ይግለጹ። እቶም ንእስ ዝበለ ንውሓት ማዕበል ዘለዎም ሕብርታት ፡ከም ሰምያዊ፡ ድማ ደሚቖም ይረኣዩ። 




ቀስተደበና ክትረአ ክትክእል እቲ ብርሃን ክዕጸፈሉ ዘለዎ ውሱን መዂንዕ (angle) ኣሎ፡ እቲ ምዕጻፍ ብርሃን ካብኡ ምስ ዝንእስ ክትረአ ኣይትኽእልን። እቲ ኣብ ነጠብጣብ ማይ ወቒዑ፡ ብነጠብጣብ ማይ ተነጺጉ፡ ናብ ተዓዛቢ ዝምለስ ብርሃን ብሓደ መዂንዕ  ናይ ኣስታት 42°  (ዲግሪ) ክዕጸፍ ኣለዎ። ጸሓይ ካብ 42° ልዒላ ምስ እትርከብ ፡እዚ ማለት ኣብ ፍርቂ መዓልቲ፡ ቀስተደበና ክትርአ  ኣይትኽእልን። ቀስተደበና ክቢ እያ፡ ፍርቂ'ታ ክቢ ኣብ ምድሪ ብምዕላቡ ግን፡ ተዓዛቢ ነቲ ቀስቲ ዝመስል ላዕለዋይ ክፋል ጥራይ ክርኢ፡ ይኽእል። ቀስተደበና እንኮላይ ጃሕጃሕታ ማይ ኣብ ዝርከቦ ቦታታት ወይ ሳሕቲ ድሙቕ ብርሃን ወርሒ  ኣብ ዝሃለወሉ እዋን ውን ክትፍጠር ትኽእል።

ፕሪዝም


ፕሪዝም፡ ንብርሃን ናብ እቶም ዘቑምዎ ሕብርታት ዝኸፍል፡ ጥርሙዝ መሳርሒ እዩ። እቲ ጩራ ጸሓይ ብእታ ፕሪዝም ሰንጢቑ ድሕሪ ምሕላፉ፡ ኣብ ምውጽኡ ናብ ዝተፈላለዩ ሕብርታት ይኽፈል። እቲ ነጣብጣብ ማይ ቀስተደበና ኣብ እትፍጠረሉ እዋን፡ ልክዕ ከም ፕሪዝም የገልግል

 መዂንዕ ዝጻወቶ ተራ

ብርሃን ጸሓይ ነጠብጣብ ማይ ሰንጢቑ ምስ ዝሓልፍ በቲ ነጠብጣብ ማይ ይዕጸፍ ሕብሩ ከምኡውን ማእዝኑ ለዊጡ ድማ ናብ ተዓዛቢ የምርሕ። ኣብ ሞንጎ እቲ ካብ ጸሓይ ዝመጽእን ተነጺጉ ናብ ዓይኒ ተዓዛቢ ዝኸይድን ብርሃን ናይ ኣስታት 42° ዲግሪ መዂንዕ  ክህሉ ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ሕብሪ ትዕጸፈሉ ካብ  ናይ ካልኦት ሕብርታት ብንእሽቶ ዝፍለ ናታ መዂንዕ ኣለዋ፡ ብኸምዚ ድማ እቶም ሕብርታት  ፋሕ ይብሉን ይዝርግሑን እምበር ኣይደራረቡን። እቲ ፡ምስ ብርሃን፡ ቀስተደበና ክትህሉ ዝገብር ኣብ ደበና ዝርከብ እልቢ ዘይብሉ ነጠብጣብ ማይ ካብ ተዓዛቢ ወትሩ ኣብ ውሱን ርሕቀት ክርከብ ኣለዎ፡ ወላዃ እንተ ቀረብናዮ ኣብቲ ውሱን ርሕቅት ዝርከብ ካልእ ሓድሽ ነጠብጣብ ማይ ቀስተ ደበና ይፈጥር። በዚ ምኽንያት ቀስተ ደበና ፍጹም ከነርክባ ወይ ክንሕዛ ኣይንኽእልን።     


እታ ንምውዝዋዝ እተገልግል ተመጣጢ ገመድ ውን ሒዛ እትርከብ መሳርሒ 'ቀስቲ' ትበሃል፡ እቲ በሊሕ ዝጫፉ ተወዝዋዚ ድማ 'ፍላጻ' ይበሃል። እቲ 'ቀስተደበና' ዝብል ስም እምበኣር ብሰንኪ እቲ ንቀስቲ ዝመስል ዘለዎ ቅርጺ እዩ፡ ዝተዋህባ።


Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧