ብኸመይ'ዩ ሰብ ዝርኢ፧
ኣስታት 80% ናይቲ ካብ ከባቢና እንወስዶ ሓበሬታ ብዓይኒ እዩ፡ ዝኣቱ። ዓይኒ ፡ ምፍላጥ ማእዝን፡ ርሕቀት፡ ፍጥነት ከምኡውን ምልላይ ሕብሪ፡ ቅርጺ ናይ ሰባትን ፡ ነገራትን የኽእለና። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ናይ ምርኣይን፡ ምፍልላይን ክእለት ካብ ዝተዓደሉ ፍጡራት፡ ሰብ ሓደ እዩ። ገለ ዓሳታት፡ ለመምታውያን ከምኡውን ኣዕዋፍ ግን ሰለስተ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣርባዕተ ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ከም ዝርእዩ ይፍለጥ፡ እዚ ማለት ልዕለሊላ ( ultraviolet )፡ ቀጠልያ፡ ሰምያዊ ከይምኡውን ቀይሕ ሕብሪ፡ ናይ እቲ ኣብ ዝርጋሐ-ብርሃን ዝርከብ ሕብርታት ይርእዩ። ሰባት ግን ንእተን ድሒረን ዝተጠቕሳ 3 ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ጥራይ ይርእዩ። ምርኣይ፡ ኣብ እቶም ንብርሃን ግብረመልሲ ዝህቡ ሃወስቲ፡ ኣብ ዓይኒ ዝርከቡ፡ ዋህዮታት እዩ፡ ዝምርኰስ። ኣገባቡ ከኣ ልክዕ ከም እታ፡ እኹል ብርሃን እንተረኸበት፡ ከባቢና ብመልክዕ ቀዋሚ ወይ ተንቀሳቐሲ ስእሊ ክንስንደላ እንኽእል፡ ካሜራ እዩ። ስነ-መዛርዕ (anatomy) ዓይኒ ገለ ካብ ክፋላት ዓይኒ! ( ንእቲ ስእሊ ብምጥዋቕ ኣግዝፉዎ ) ዓይኒ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ካብ ዓጽሚ ዝቖመ ጒድጓድ ‘ጠሊቓ’ ትርከብ፡ እቲ ጒድጓድ ድማ ‘መቓድ ዓይኒ’ ተብሂሉ ይጽዋዕ። ካብ መቓድ ዓይኒ ዝነቐሉ ንዓይኒ ንየማን-ጸጋም፡ ላዕሊ-ታሕቲ ከምኡውን ዓንኬላዊ (ዙረታዊ) ምንቅስቓስ ክትፍጽም ዘኽእልዎ ብድምር 6 ጭዋዳታት ኣለዉ። እቶም ጭዋዳታት ናብ እቲ ‘ኣደጎ ዓይኒ’ ተብሂሉ ዝጽዋዕ፡ ላዕለዋይ ቀጸላ፡ እዚ ማለት ንጻፍ፡ ዓይኒ ዝለገቡ እዮም። ኣደጎ ዓይኒ፡ ንመላእ ዂዕሶ ዓይኒ ሸፊኑ ዝርከብ፡ ሽንቅላት (tissue) እዩ። እታ ኣብ መቓድ ዓይኒ ጠሊቓ ትርከብ ዓይኒ፡ ብሰንኪ ዘለዋ ቅርጺ፡ ዂዕሶ-ዓይኒ ተብሂላ ትጽዋዕ። ካብዚሓሊፉ፡