ብኸመይ'ዩ ሰብ ዝርኢ፧

ኣስታት 80% ናይቲ ካብ ከባቢና እንወስዶ ሓበሬታ ብዓይኒ እዩ፡ ዝኣቱ። ዓይኒ፡ ምፍላጥ ማእዝን፡ ርሕቀት፡ ፍጥነት ከምኡውን ምልላይ ሕብሪ፡ ቅርጺ ናይ ሰባትን ፡ ነገራትን የኽእለና። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ናይ ምርኣይን፡ ምፍልላይን ክእለት ካብ ዝተዓደሉ ፍጡራት፡ ሰብ ሓደ እዩ። ገለ ዓሳታት፡ ለመምታውያን ከምኡውን ኣዕዋፍ ግን ሰለስተ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣርባዕተ ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ከም ዝርእዩ ይፍለጥ፡ እዚ ማለት ልዕለሊላ (ultraviolet)፡ ቀጠልያ፡ ሰምያዊ ከይምኡውን ቀይሕ ሕብሪ፡ ናይ እቲ ኣብ ዝርጋሐ-ብርሃን ዝርከብ ሕብርታት ይርእዩ። ሰባት ግን ንእተን ድሒረን ዝተጠቕሳ 3 ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ጥራይ ይርእዩ። ምርኣይ፡ ኣብ እቶም ንብርሃን ግብረመልሲ ዝህቡ ሃወስቲ፡ ኣብ ዓይኒ ዝርከቡ፡ ዋህዮታት እዩ፡ ዝምርኰስ። ኣገባቡ ከኣ ልክዕ ከም እታ፡ እኹል ብርሃን እንተረኸበት፡ ከባቢና ብመልክዕ ቀዋሚ ወይ ተንቀሳቐሲ ስእሊ ክንስንደላ እንኽእል፡ ካሜራ እዩ።


ስነ-መዛርዕ (anatomy) ዓይኒ 

ገለ ካብ ክፋላት ዓይኒ! ( ንእቲ ስእሊ ብምጥዋቕ ኣግዝፉዎ)


ዓይኒ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ካብ ዓጽሚ ዝቖመ ጒድጓድ ‘ጠሊቓ’ ትርከብ፡ እቲ ጒድጓድ ድማ ‘መቓድ ዓይኒ’ ተብሂሉ ይጽዋዕ። ካብ መቓድ ዓይኒ ዝነቐሉ ንዓይኒ ንየማን-ጸጋም፡ ላዕሊ-ታሕቲ ከምኡውን ዓንኬላዊ (ዙረታዊ) ምንቅስቓስ ክትፍጽም ዘኽእልዎ ብድምር 6 ጭዋዳታት ኣለዉ። እቶም ጭዋዳታት ናብ እቲ ‘ኣደጎ ዓይኒ’ ተብሂሉ ዝጽዋዕ፡ ላዕለዋይ ቀጸላ፡ እዚ ማለት ንጻፍ፡ ዓይኒ ዝለገቡ እዮም። ኣደጎ ዓይኒ፡ ንመላእ ዂዕሶ ዓይኒ ሸፊኑ ዝርከብ፡ ሽንቅላት (tissue) እዩ። እታ ኣብ መቓድ ዓይኒ ጠሊቓ ትርከብ ዓይኒ፡ ብሰንኪ ዘለዋ ቅርጺ፡ ዂዕሶ-ዓይኒ ተብሂላ ትጽዋዕ። 

ካብዚሓሊፉ፡ እታ ንግዳምዊ፡ እዚ ማለት ዝርአ ክፋል፡  ዓይኒ ሸፊና እትርከብ፡ ኣሕሊፋ እተርኢ ሽፋን፡ ‘ኮርንያ’ ተብሂላ ትጽዋዕ። ኮርንያ ንርእሳ ካብ ልፋጫዊ ቀጸላ፡ ማያዊ ቀጸላ፡ ዘይታም ቀጸላ ተብሂሎም ካብ ሓድሕድ ዝፈለዩ፡ 3 ቀጸላታት ዝቖመት እያ። ብድሕሪ ኮርንያ፡ ማያዊ ፈሳሲ ዝመልአ ‘ቀዳማይ ጓንጓ’ ተብሂሉ ዝጽዋዕ፡ ጐብጓብ (ጠናስ) ጓንጓ ይርከብ። እቲ ፈሳሲ፡ ጠንቂ ጒብጓበ ዓይኒ እዩ። እዚ ማለት ጠንቂ ናይቲ ንግዳም ውጽእ ዝበለ ክባዊ ቅርጺ ዓይኒ፡ እቲ ፈሳሲ እዩ። 


ብትሕቲ እቲ ቀዳማይ ጓንጓ ዓይኒ፡ ብሌን ዓይኒ፡ (ንዓይኒ ዘለዎ ሕብሪ ዝህባ ክፋል ዓይኒ)፡ ከምኡውን መርዓት ዓይኒ ይርከባ። መርዓት ዓይኒ፡ ንብርሃን ብማእከል ዓይኒ ዘሕልፍ፡ ነዃል ወይ ጒድጓድ እዩ። እቶም ኣብ ብሌን ዓይኒ ዝርከቡ ጭዋዳታት፡ ንመርዓት ዓይኒ ብምግፋሕን፡ ብምጽባብን፡ ንእቲ ናብ ዓይኒ ዝኣቱ መጠን ብርሃን ይቆጻጸሩ።


ብድሕሪ መርዓት ዓይኒ፡ ብርስኒት ትርከብ። ብርስኒት ንእቲ ናብ ዓይኒ ዝኣቱ ብርሃን ብምጥቕላል፡ ናብ ዳሕራይ ክፋል ዓይኒ ተመትኰሮ (focus)። ብርስኒት ካብዚ ሓሊፋ፡ ብምጭባጥን፡ ምዝርጋሕን ንእቲ እንርእዩ ክነመትኰሮ፡ ተኽእል። ኮርንያ ውን፡  ንእቲ ናብ ዓይኒ ዝኣቱ ብርሃን ብምጥቕላል ክነምትኰር፡ ክሳብ 70% ናይ እቲ ዕዩ ብምፍጻም፡ ናይ ግላ ዓቢ እጃም ተበርክት።


ኣብ ሞጎ ብርስኒትን፡ ዝደሓረ ክፋል ዓይንን ብመለግለጋይ ፈሳሲ ዝተመልአ፡’ብርጭቃዊ ኣካል’ ተብሂሉ ዝጽዋዕ፡ ክፋል ይርከብ። እቲ ኣብኡ ዝርከብ ፈሳሲ፡ ክሳብ 98% ካብ ማይ ዝቖመ እዩ። እቲ ንእቶም፡ ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ፡ ክፋላት ዓይኒ ሰንጢቚ ዝመጸ ብርሃን ንእቲ ብርጭቃዊ ኣካል ሰሪጹ (ሰንጢቑ) ድሕሪ ምሕላፍ፡ ኣብ ዳሕራይ ክፋል ዓይኒ ይዓልብ። 


እቲ ላዕለዋይ ንጻፍ ናይ ዳሕራይ ክፋል ዓይኒ ‘ረቲና’ ተብሂሉ ይጽዋዕ። ረቲና ንብርሃን ብዝህውሱ ዋህዮታት ተሸቢጣ ትርከብ። እቶም ዋህዮታት ንብርሃናዊ ጸዓት ናብ ኤለክትሪካዊ ጸዓት፡ እዚ ማለት መትናዊ ዋሕዚ (nerve impulse)፡ ይልውጥዎ። እቶም ዋህዮታት ፡ብሰንኪ ዘለዎም ቅርጺ፡ ኮኖ ከምኡ ውን ዘንጊ-ዋህዮታት ይሰመዩ፡ ‘ማእረርቲ ብርሃን’ (photoreceptors) ተብሂሎም ውን ይፍለጡ። ኮኖ፡ ካብ ገፊሕ እናጸበበ ዝበልሕ ኣጒዶ-መሰል ቅርጺ፡ ዘንጊ ድማ ተካኢ ቓል ናይ በትሪ እዩ።


ኮኖ-ዋህዮታት ሕብሪ፡ ዘንጊ-ዋህዮታት ድማ ብርሃን፡ እዚ ማለት፡ ጻዕዳጸሊም ክንሪኢ የኽእሉና። ነፍስወከፍ ዓይኒ፡ መትናዊ ዋሕዚ ናብ ሓንጎል እትሰደሉ፡ ናይ ግላ 'መትኒ ርእየት' ኣለዎ። መትኒ ርእየት፡ ንእቲ ኣብ ረቲና ዝመንጨወ መትናዊ ዋሕዚ፡ ናብ ሓንጎል ዘመሓላልፍ መትኒ እዩ። እቲ መትናዊ ዋሕዚ ናብ እቲ ‘ርእየታዊ ቅርፍቲ’ (visual cortex) ተብሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ሓንጎል የምርሕ።


መስርሕ ምርኣይ

ብዘይብርሃን ምርኣይ ኣይከኣልን። ብርሃን ብመጀመርያ ካብ ሓደ ምንጪ (ንኣ. ጸሓይ፡ ኣምፑል) ነቒሉ፡ ኣብ ነገራት ይዓልብ፡ እቶም ነገራት ድማ ንእቲ ዝዓለቦም ብርሃን ይነጽግዎ፡ እቲ ዝተነጽገ ብርሃን ስዒቡ ናብ ኣዒንትና የምርሕ። ብርሃን ንኹሉ ግዳማዊ ክፋላት ዓይኒ፡ እዚ ማለት ኮርንያ፡ብሌን ዓይኒ መርዓት ዓይኒ ከምኡውን ብርጭቃዊ ኣካል፡ ሰንጢቑ ናብ እቲ ረቲና ዝበሃል፡ ኣብ ዳሕራይ ክፋል ዓይኒ ዝርከብ ሽንቅላጥ ይበጽሕ። 


ነፍሲወከፍ ዓይኒ ካብ 6-7 ሚልየን ዝበጽሑ፡ ብዘለዎም ቅርጺ ‚ኮኖ-ዋህዮታት‘ ዝተሰምዩ፡ ንእቲ ድሮ ኣብ ብርሃን ዝርከብ ሕብሪ ግብረመልሲ ዝህቡ ዋህዮታት ኣለዋ። ኮኖ-ዋህዮታት ዝተፈለለየ ሕብርታት ምርኣይ የኽእሉና፡ ብዕዮኦም ድማ ኣብ ሰለስተ ይኽፈሉ። ንሳቶም ድማ ሰምያዊ፡ ቀጠላያ፡ ቀይሕ ሕብሪ ክንርኢ ዘኽእሉና እዮም። ብርሃን ኣብ እቶም ዋህዮታት ድሕሪ ምዕላቡ፡ እቶም ዋህዮታት ቅርጾም ብምቕያር መትናዊ ዋሕዚ የመንጭዉ። ኣብ ሰብ፡ እቶም ዝበዝሑ ኮኖ-ዋህዮታት ኣብ ማእከላይ ክፋል ረቲና ይርከቡ፡ እቲ ማእከላይ ክፋል ድማ 'ነጥበርእየት' (fovea)ተብሂሉ ይጽዋዕ። ኣብ ማእከል ረቲና፡ እቲ ናብ ዓይኒ ዝኣቱ ብርሃን ብኸምኡ ኣብ ሓንቲ ነጥኒ ይጥቕለል።


ኮኖ-ዋህዮታት ግብረመልሲ ንምሃብ፡ ብተዛማዲ ብርቱዕ ብርሃን የድልዮም። ግናኸ ብርታዐ ብርሃን ደኣእምበር፡ ንሕብሪ ግብረመልሲ ዘይህቡ ዓይነት ዋህዮታት ውን ኣብ ነፍስወከፍ ዓይኒ ይርከቡ፡ ንሳቶም ድማ ዘንጊ-ዋህዮታት ይስመዩ። እቶም ዘንጊ-ዋህዮታት ዘይከም ፡ኮኖ-ዋህዮታት፡ 'ንምስራሕ' ብተዛማዲ ድኹም ብርሃን ውን ይኣኽሎም። 


እቲ ፡ብእንሪኦም ነገራት፡ ዝተነጽገ ብርሃን፡ ንኮርንያ፡ ብሌን ዓይኒ፡ መርዓት ዓይኒ፡ ብርስኒት ዓይኒ፡ ብርጭቃዊ ኣካል ድሕሪ ምሕላፉ፡( ብእዞም ዝተጠቕሱ ክፋላት ዓይኒ ተስተኻኺሉን፡ ተጠቕሊሉን)፡  ንእቶም ኣብ ረቲና ዝርከቡ ኮኖ- ከምኡውን፡ ዘንጊ-ዋህዮታት ይወቕዖም፡ እቶም ዋህዮታት ድማ ፡ብእቲ ብርሃናዊ ጸዓት ተደሪኾም፡ መትናዊ ዋሕዚ የመንጭዉ። እቲ ብምኸምዚ ዝመንጨወ መትናዊ ዋሕዚ፡ ምስሊ፡ ቅርጺ፡ ግዝፊ ወዘተ ናይ እቲ እንርእዮ ዝሓዘለ ሓበሬታ እዩ። እቲ ሓበሬታ፡ እዚ ማለት እቲ መትናዊ ዋሕዚ፡ ብርእየታዊ መትኒ ኣቢሉ ናብ እቲ ‘ርእየታዊ ቅርፍቲ’፡ ተብሂሉ ዝፍለጥ፡ ክፋል ሓንጎል የምርሕ፡ ሓንጎል ንእቲ ካብ ክልትኡ ዓይኒታት ዝረኸቦ ሓበሬታ ብምምስራሕ፡ ንጹር ምስሊ ናይ እቲ እንርእዩ ዘሎና ነገር ወይ ፍጡር  ይገብር። ንእዚ መስርሕ ብጠቕላላ ‘ምርኣይ’ ወይ ‘ረኣየ’ ብምባል እንጽወዖ።



ስለምንታይ’ዩ ኣብ ግዜ ጸልማት (ሕብሪ) ምርኣይ ዘይከኣል፧

 ዙርያና ብምስትውዓል ምስ እንዕዘቦ ኣሸሓት ሕብርታት ከም እንርኢ ይመስለና፡ ከም ሓቂ ግን ካብ እቶም ንዝርጋሐ- ብርሃን ዘቚምዎ ሕብርታት ሰለተ ክንርኢ፡ ንኽእል። እቶም ሕብርታት ድማ ቀጠልያ፡ ሰምያዊ ከምኡውን ቀይሕ እዮም። ብምግጣም ናይ እዞም ዝተጠቕሱ ሕብርታት ግን፡ ክንሪኦም እንኽእል ሚልዮናት ሕብርታት ክፍጠሩ ይኽእሉ። 

ኣብ ግዜ ጸልማት፡ እዚ ማለት ውሑድ ብርታዐ ብርሃን ኣብ ዝሃለወሉ ግዜ፡ እቶም ንምስራሕ ብርቱዕ ብርሃን ዘድልዮም፡ ሕብሪ ምርኣይ ውን ዘኽእሉና ኮኖ-ዋህዮታት፡ ዝኣክል ብርሃን ኣይረኽቡን፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሕብሪ ወይ ምርኣይ ኣይከኣልን። እቶም ዘንጊ-ዋህዮታት ግን፡ ከም እቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ውሑድ ብርሃን ዘድልዮም ብምኳኑ፡ ብእቲ ዝርከብ ውሑድ ብርሃን ይሰርሑ፡ ግናኸ ሕብሪ ዘይፈልዩ ብምዃኖም ጸሊመጻዕዳ ጥራይ እንርኢ። ከም ሳዕቤኑ፡ ኣብ ጸልማት ዝርከቡ ነገራት ቅርጾም ነለልዮ፡ ግናኸ ምፍላጥ ዘለዎም ሕብሪ ኣጸጋሚ ይኸውን። ኮኖ- ከምኡውን ዘንጊ-ዋህዮታት፡ መትናዊ ዋሕዚ ከመንጭዉ ዝድርኾም ብርታዐ ብርሃን እንተዘይረኸቡ፡ እዚ ማለት ፈጺሙ ጸልማት እንተኾነ፡ ፈጺምና ክንርኢ ኣይንኽእልን።


ስለምንታይ'ዩ፡ ካብ ድኹም ናብ ብርቱዕ ብርሃን ዝርከቦ ቦታ እንተቐየርና ጭልም ዝብለና፧ 


ከም እቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ብሌን ዓይኒ፡ ንመርዓት ዓይኒ ብምግፋሕን፡ ምጽባብን፡ ንመጠን ናይ እቲ ናብ ዓይኒ ዝኣቱ ብርሃን ትቖጻጸሮ። ኣብቲ ብተዛማዲ ድኹም ብርሃን ዝርከቦ ቦታ ነዊሕ ድሕሪ ምጽናሕና፡ ብሌን-ዓይኒ፡ ዓይንና ዝኣኽላ ብርሃን ንኽትረክብ ንመርዓት ዓይኒ ተግፍሓ፡ ብኸምዚ ድማ ዓይንና ንምርኣይ ዝኣክል መጠን ብርሃን ትርከብ። ግናኸ ናብ እቲ ብርቱዕ ብርሃን ዝርከቦ ቦታ እንተቐየርና፡ መርዓት ዓይኒ ካብ መጠን ንላዕሊ ገፊሓ ትጸንሕ፡ ብኸምዚ ድማ ካብ እቲ ንምርኣይ ዘድሊ ዝዓዝዝ መጠነ-ብርሃን ናብ ዓይኒ ይኣቱ፡ ብሌን ዓይኒ ድማ ንመርዓት ዓይኒ ብምጽባብ ንእቲ መጠን ብርሃን ተውሕዶ፡ ሳዕቤን ናይ እዚ ድማ ጭልምን፡ ምዕማትን ይኸውን።


ስለምንታይ እዩም፡ ገለሰባት መነጸር ዝወድዩ፧


ምውዳይ መነጸር ዘስዕቡ፡ ብዙሓት ጠንቅታት እኳእንተሃለዉ፡ እቶም ቀዳሞት ጠንቕታት ግን ኣብ ርሑቕ ዝርከብ ነገር ብግቡእ ክትርኢ ዘይምኽኣል 'ንጽረቀረባ' (myopia) ከምኡውን ኣብ ቀረባኻ ዝርከብ ነገር ብግቡእ ክትርኢ ዘይምኽኣል 'ንጽረርሑቕ' (hyperopia) እዩ። ጥዑይ ዓይኒ ኣብ ዘለዎ ሰብ፡ እቲ ናብ ዓይኒ ዝኣቱ ብርሃን ኣብቲ ዝግብኦ ነጥበርእየት፡ ዝተባህለ ክፋል ረቲና  ይዓልብ። ነጥበርእየት ንጹር ምስሊ ናይ እቲ እንርእዮ ዝምንጭወሉ፡ ክፋል ረቲና እዩ፡ እዚ ድማ ኮኖ-ዋህዮታት ኣብኡ ብጻዕቂ ዝርከቡ ብምዃኖም እዩ። ኣብ፡ እቶም ዝጠቕሱ ጸገማት ዓይኒ ዘለዎ ሰብ ግን፡ እቲ ብርሃን ካብ ዝግብኦ ነጥበርእየት ቀዲሙ ወይ ድሒሩ ይዓልብ፡ እዚ ድማ ብንጹር ናይ ምርኣይ ጸገም፡ ናይ እቶም ኣብ ርሑቕ ወይ ቀረባ ዝርከቡ ነገራት፡ ይፈጥር።


ንጽረርሑቕ

ንጽረርሑቕ ኲዕሶ-ዓይኒ ካብ ዝግብኣ እንተነኣሰት፡ ኮርንያ ካብ ዝግብኣ ምስ እትቐጥን ወይ ብሌን ዓይኒ ድሒራ ምስ እትርከብ፡ እዩ ዝስዕብ። እቲ ተጠቕሊሉ ኣብ ነጥበርእየት ክዓልብ ዝግብኦ ብርሃን ድሒሩ እዓልብ። ከምሳዕቤኑ፡ ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ነገራት ሃሳስ እረኣዩ፡ ኣብ ርሑቕ ዝርከቡ ነገራት ግን ደሚቖም እረኣዩ።


ንጽረቀረባ

ንጽረቀረባ፡ ኲዕሶ-ዓይኒ ካብ ዝግብኣ እንተነወሐት ወይ ኮርንያን፡ ብሌን ዓይንን እንተጎበጣ፡ እቲ ኣብ ነጥበርእየት ክዓልብ ዝግብኦ ብርሃን ኣብ ረቲና ከይበጸሐ እመሳቐል። ከም ሳዕቤን ናይ እዚ ድማ፡ ኣብ ርሑቕ ዝርከቡ ነገራት ሃሲሶም እረኣዩ፡ ኣብ ቀረባ ዝርከቡ ነገራት ግን ብተዛማዲ ደሚቖም ይረኣዩ። እዚ ዓይነት ድኻም ኣዒንቲ ዘለዎ ሰብ፡ ንጽረቀረባ ኣለዎ ይብሃል፡ በንጻሩ ድማ ንጽረርሑቕ













ደገፍ ናይ መነጸር


ንጽረቀረባ ወይ ንጽረርሑቕ መነጸር ብምጥቃም ብቐሊሉ ክስተኻኸል ወይ ክውገድ ይኽእል። ሰባት ነቲ ድሒሩ ወይ ቀዲሙ ዝዓለበ ብርሃን ንምሽትኽኻል፡እዚ ማለት ኣብ ነጥበርእየት ፡ኣብቲ ዝግብኦ ክፋል ረቲና፡ ከም ዝዓልብ ንምግባር፡ መነጸር ይወድዩ። እታ መነጸር ንእቲ ብርሃን ብምጥቕላል፡ ኣብ ነጥበርእየት ተዕልቦ፡ ብኸምዚ ድማ እቶም ንጽረርሑቕ ወይ ንጽረቀረባ ዘለዎም ሰባት ርእየታዊ ጸገሞም የመሓይሹን የወግዱን።




Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧