ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧


ኣካልና እንተተሓጸብና፡ ክዳና ጽያቕ እንተዘይብሉ፡ ንበልዓሉ ጠረጴዛ ወዘተ እንተተወልወለ፡ ሓደ ዘህድም ጨና ኣይፍጠርን፡ ክልተ ድማ ዝዕይን ወይ ዘልግብ መጠግጠጋይ ነገር ኣይህሉን፡ እዚ ድማ ንዝበዝሑ ሰባት ባህ ዘብል፡ እዩ። ምውልዋልን ምሕጻብን ንዕለታዊ ህይወትና እኹል እዩ። ከምኡ ብምግባር ድማ ምስሳን ናይ እቶም መግብን ካልእን ዘበስብሱ ዕሰ (fungus) ነወግድ ኢይና።

ግናኸ ምውልዋልን ምሕጻብን እኹል ዘይኮነሉ ቦታታትን፡ ህሞታትን ኣሎ እዩ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቤት-ሕክምንና። ምልባዕ ሕማም ንምውጋድ፡ ከምዚ ዝመሰሉ ቦታታትን ኣብኡ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳሪሕታትን፡ ዉልውሉን ሕጹብን ካብ ምዃን ሓሊፎም፡ ካብ ደቀቕቲ-ተህዋስያን (microorganisms) ነጻ ክኾኑ ኣለዎም። ነዚ ንምግባር ዝሕግዝ ቀዳማይ መሳርሒ ሳሙና ድሕሪኡ ድማ መምከኒ፡ እዩ። 

ሳሙና ብዘበነ ጥንቲ

ሰባት ቅድሚ ብዙሓት ዘበናት ብምጅማር ሳሙና ይጥቀሙ። ካብ ከባቢ ቅድሚ 4,500 ዓመታት ጀሚሮም፡ ብሓደ ዝፈለሐ ሓሞዂሽትን፡ ስብሕን ብምጥቃም፡ ኣብ ኤስያ ሳሙና የፍርዩ ነበሩ። እቲ ብኸምዚ ዝተሰርሐ ሳሙና ሕማማት ናይ ምፍዋስ ክእለት ከም ዝነበሮ፡ ብሰባት ይእመን ነበረ። ብዘይካዚ ፡ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ከባብቢኡን ዝርከቡ ሰባት ከም ሽብጢ ፡ ግራዋ ፡ ስገሞ ዝመሰሉ ኣትክልቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ንምጽራይን ምንጻህን ይጥቀሙሎም እዮም። ከምዚ ዝመሰሉ ኣትክልቲ ኣብ ኣቚጽልቶም፡ ጉንዶም፡ ሱሮም ወይ ዘርኦም 'ሳፐኒን' (saponin) ዝተሰምየ፡ ኣብ ማይ ዝዓፍር ትሕዝቶ ይርከቦም፡ እቲ ዓርዓር ዝመቐረቱ ትሕዝቶ ፡ማለት 'ሳፐኒን'፡ ርስሓት ናይ ምስዳድን፡ ጸረ-ባክተርያዊ ኣድምዖ (effect) ከም ዘለዎን ብስነ-ፍልጠት ተጸኒዑ፡ እዩ። እቲ ኣብ ግዜና ብሰፊሕ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ሳሙና ግን፡ ብኸምእዚ እንፍፈልጦ ዘመናዊ መልክዕ ኣብ 7ይ ክፍለ ዘመን እዩ፡ ዝማዕበለ።

መስርሕ ምጽራይ



ሓንቲ ሳሙና ካብ *ኣልካላዊ ክፋል፡ መብዛሕቲኡ እዋን፡ ሶድየም ሃይድሮክሳይድ (sodium hydroxide) ፡ዘመናዊ መተካእታ ናይቲ ሰባት ብግዜ ጥንቲ ዝተጠቕሙሉ ሓሞዂሽቲ፡ ከምኡውን ካብ ኣትክልቲ ወይ እንስሳታት ብዝርከብ ስብሒ ዝቖመት፡ እያ። ሶድየም ሃይድሮክሳይድ ከምኡውን ስብሒ ድሕሪ ምትሕውዋሶም፡ ኣብቲ ‘ምስማን’ (saponification) ተባሂሉ ዝጽዋዕ መስርሕ ናብ ሳሙና ይቕየሩ፡ ብኸምኡውን ሓድሽ ሞለክዩል ይፍጠር። እቲ ሓድሽ ሞለክዩል ሓደ ጫፉ ማይሃረፍ  (ምስ ማይ ዝጣበቕ) ሓደ ጫፉ ድማ ማይነጸገግ ግናኸ ስብሒ/ዘይቲሃረፍ እዩ። ከምዚ ዓይነት ሞለክዩል ‘ተንሳይድ’ (tenside) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ተንሳይድ ነቲ ኣብ ሞንጎ ክልተ ፈሰስቲ ወይ ጋዛት ዝርከብ ውጥረተ-ምንጽጻግ ዘዝልቕ፡ ሞለክዩል እዩ።

ሳሙና ፡ፈሳሲ ይኹን ደረቕ፡ ኣብ እንጥቀመሉ እዋን እቲ  ማይሃረፍ ክፋል ናይቲ ተንሳይድ ምስ ማይ ይጣበቕ፡ እቲ ማይነጸግ፡ ግናኸ ስብሒሃረፍ፡ ክፋሉ ድማ ምስ ናይ ስብሒ ሞለክዩላት ይጣበቕ፡ ብኸምኡ ድማ ነጠብጣብ ይፈጥር፡ እቲ ነጠብጣብ ሚሰል (micell) ይስመ።

ተንሳይድ ነቲ ኣብ ሞንጎኦም ዝርከብ ከይሕወሱ ዝዓዪ ውጥረት የዝልቖ፡ ከምሳዕቤኑ ድማ ማይን ስብሕን/ዘይትን፡ ኣብ ንቡር ኲነት ዘይተሓዋወሱ ክንሶም፡ ክተሓዋወሱ ይገብሮም። ብእዚ ምኽንያት ድማ፡ እቲ መብዛሕትኡ እዋን ስብሒ ዝርከቦ ርስሓት፡ ተበጽቢጹ ምስ ማይ ካብቲ ዝሕጸብ፡ ምስኡ ውን  ደቀቕቲ-ተህዋስያን፡ ይለቅቕ። እቲ ዝሕጸብ ነገር ድማ ብኸምኡ ይጸሪ።

ጥቕሚ መምከኒ

መምከኒ (disinfectant ) ካብ ሳሙና ኣዝዩ ብዝሓይሽ የንጽህ። እዚ ድማ ደቀቕቲ-ተህዋስያን ይጸርግ ጥራይ ዘይኮነ፡ ይቐተሎም ወይ ምብዛሖም የወግድ ውን ብምዃኑ እዩ። መቕውምን (ingredient) ብርታዐን ናይ መምከኒንታት ዝፈላለ እኳ እንተኾነ፡ መምከኒ መብዛሕቲኡ እዋን 60-75% ካብ ኤታኖል ፡ 1,45% ካብ ግሊሰሪን ከምኡውን ማይ ዝቖመ እዩ። ትርጉም ‘ምምካን’፡ ሓደ ህይወታዊ ወይ ኢህይወታዊ ነገር ሕማም ካብ ዘኸትሉ ደቀቕቲ-ተህዋስያን ነጻ ምግባር፡ እዩ።

ኤታኖል (ethanol)፡ ብልምዳዊ መጽውዒኡ ‘ኣልኮል’ ዝፍለጥ፡ ሕብሪ ዘይብሉ፡ ብቐሊሉ ዝነድድ ፈሳሲ እዩ።  ደቀቕቲ-ተህዋስያን ካብ ፕሮቲን ከምኡውን ስብሒ ዝቖመ ሽፋን እዩ፡ ዘለዎም። ሰባት ኣእዳዎም ወይ ካልእ ነገር በቲ ካብ ኣልኮል ዝቖመ ፈሳሲ ድሕሪ ምልካዮም፡ እቲ ኣልኮል ንእቶም  ደቀቕቲ-ተህዋስያን ውን ይበጽሖም፡ ንእቲ ካብ ፕሮቲን ከምኡውን ስብሒ ዝቖመ ሽፋኖም ድማ የዕንዎ ወይ ይብትኖ። ብኸምዚ እውን እቲ ኣካለመረ (DNA) ወይ ሪቦኑክልየታይ ኣቺዶ (RNA) ናይቲ ቫይረስ ይኹን ካልኦት ደቀቕቲ-ተህዋስያን ይበንን፡ ይፍንጣሕን። እዚ መስርሕ ምብታን ‘ምንጋነ’ ወይ ‘ድህናወ’ (denaturation) ተባሂሉ ይጽዋዕ። ድሕሪ ምንጋነ፡ እቶም ደቀቕቲ-ተህዋስያን ይመቱ፡ ምስኣቶም ድማ እቲ ከለዓዕልዎ ዝኽእሉ ሕማም። በዚ መንገዲ ተላባዒ ሕማም እነወግድ።

ጽማቚ

  • ሳሙና መብዛሕቲኡ እዋን ካብ ሶድየም ሃይድሮክሳይድ (ከሚካዊ፡ ደረቕ ፡ጻዕዳ ባእታ) ከምኡውን ዘይቲ ናይ ኣትክልቲ ወይ እንስሳታት ዝቖመ እዩ።
  • ሳሙና ነቲ ርስሓት-ሓዘል ስብሒ ምስ ማይ ክወሃሃድ ይገብሮ፡ ብኸምዚ ድማ ርስሓት ካብ ነገራት ወይ ኣካልና ምስ ማይ ይለቅቕ።
  • ትርጉም ምምካን፡ ሕማም ካብ ዝቕስቅሱ ወይ ዘላብዑ ደቀቕቲ-ተህዋስያን ነጻ ምግባር፡ እዩ።
  • መመከኒ ዝዓበየ ክፋሉ ካብ ኣልኮል ዝቖመ እዩ። እቲ ኣልኮል፡ ንእቲ ካብ ስብሕን ፕሮቲንን ዝቖመ ናይ እቶም ደቀቕቲ-ተህዋስያን፡ ሽፋን ብምፍንጣሕ፡ ይቐትሎም። ብኸምዚ ድማ ካብ ተላባዒ ሕማም ንገላገል። እቲ ከይዲ 'ምንገና' ወይ 'ድህናወ' ተባሂሉ ይጽዋዕ።
መዘኻኸሪ

* መጠን ኣሲድነትን፡ ኣልካልነትን ፈሰስቲ በቲ ፒ-ኤች (pH) ዝተሰምየ መሳልል (ኣስካላ)  ይልካዕ። እቲ መሳልል ካብ 0-14 ይዝርጋሕ። 0 ኣዝዩ መጺጽ ፡ እዚ ማለት ኣሲዳዊ፡ ክትርጎም እንከሎ፡ 7 ገለልተኛ (neutral) 14 ድማ ምጸትኣልቦ ወይ ኣልካላዊ ማለት እዩ። ፒ-ኤች (pH) ኣሕጽሮ ቃል ( ናይ እተን ካብ ላቲን ዝተወስደ ቃላት) 'ፖተንትያ ሃይድሮጅኒ' (potentia hydrogenii) እዩ፡ ትርጉሙ ድማ 'ሓይሊ ሃይሮጅን' እዩ።  ሓይሊ ሃይድሮጅን ዘበሎ ምኽንያት ድማ፡ እቲ ዝዕቀን መጠን ሃይድርጅን ኣዮን ብምዃኑ እዩ። ብዙሕ ሃይድሮጅን ኣዮን ዝርከቦ ፈሳሲ መጺጽ ይኸውን፡ ውሑድ ሃይድሮጅን ኣዮን ግናኸ ብዙሕ ሃይድሮክስል ኣዮን (hydroxyl ions) ዝርከቦ ፈሳሲ ድማ ኣልካሊናዊ ወይ 'ዓርዓር' መቐረት ኣለዎ። 

ኣሲድነት ነፍስወከፍ ትሕቲ 7 ትርከብ ቁጽሪ ብ10 ዕጽፊ  ካብ እታ ልዕሊኣ እትርከብ ቁጽሪ ይዛይድ። ንኣብነት 2 ብዓሰርተ ዕጽፊ ካብ 3 ዝዛይድ ኣሲድነት ኣለዋ፡ ካብ 5 ድማ ብ100 (10x10) ዝዛይድ   ወዘተ። ኣሲድነት ነፍስወከፍ ልዕሊ 7 ዝርከብ ቁጽሪ ድማ ብ10 ዕጽፊ  ካብ እታ ትሕቲኣ እትርከብ ቊጽሪ ይውሕድ። እዚ ዝምድና ኣብ ማተማቲካ 'ሎጋሪዝማዊ መጠን' (logarithmic scale) ተባሂሉ ይጽዋዕ። 

Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧