ብኸመይ'ዩ ሰብ ድምጺ ዝሰምዕ፧

 


'ብዙሕ ክንሰምዕ ክልተ እዝኒ ተወሃብና፡ ውሑድ ክንዛረብ ግን ሓንቲ መልሓስ ኣሎትና' ዝብል ጥንታዊ ብሂል ኣሎ። ምስማዕ ኣብ ምልውዋጥ ሓበሬታ ምስ ሰብን ኣከባብን ሰፍ ዘይብል ተራ ይጻወት። እዝኒ 24 ሰዓታት ድምጺ ንኽሰምዕ ዕሙር፡ እዩ። ሰባት ገና ኣብ ከብዲ ኣደ ከለዉ፡ ድሕሪ ኣስታት 24 ሳምንቲ ጥንሲ፡ ምስማዕ ይጅምሩ። ብምስማዕ እነትዎ ሓበሬታ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ መሰረታውያን ስምዒታት ከለዓዕል ይኽእል። እቶም ኣርባዕተ ስምዒታት ድማ ጓሂ፡ ሓጎስ፡ ቁጠዐ፡ ፍርሓት እዩም።


እዝኒ፡ ሓደ ካብ እቶም ሓሙሽተ ስምዒት-ህዋሳት ሰብ እዩ። ቀዳማይ ዕዩ እዝኒ ነቲ ብምልክዕ ማዕበል ዝመጾ ድምጺ ተቐቢሉ፡ ናብ መትናዊ ዋሕዚ (ኤለክትሪካዊ ምልክት) ድሕሪ ምልዋጥ፡ ናብ ሓንጎል ምምሕልላፍ እዩ። ብዘይካዚ፡ እዝኒ፡ ወይ እቲ ኣብ ውሽጢ እዝኒ ዝርከብ ክፍለኣካል፡ ሚዛን ኣካል ክንሕሉ የኽእለና። ማዕበል ድምጺ፡ ንዝናዘ ናይቲ ቆይሙ ወይ ከቢቡና ዝርከብ ፈሳሲ፡ ጋዝ ወይ ድሩቕ ነገር እዩ። እዝንና እምበኣር ነቲ ንዝናዘ ጋዝ፡ እዚ ማለት ኣየር፡ ፈሳሲ ወይ ድሩቕ ነገር ናይ ምህዋስ ክእለት እዩ፡ ዘለዎ።  

ስነ-መዛርዕ (anatomy) እዝኒ  

ኣብኡ ብምጥዋቕ ስእሊ ኣግዝፉ!

እዝኒ ከምዚ ዝስዕብ ኣብ ሰለስተ ይኽፈል፦ ደጋዊ፡ ማእከላይ፡ ውሽጣዊ ክፋል እዝኒ። ደጋዊ ክፋል እዝኒ ካብ ኩሮ እዝኒ ከምኡ ውን ካብ መትረብ እዝንን ደጋዊ ገጽ ከበሮ እዝንን ዝቖመ እዩ። ኲሮ እዝኒ ካብቲ 'ቆርጠምጠማ' ( cartilage) ተባሂሉ ዝፍለጥ ልምሉም ሽንቅላጥ (tissue) ከምኡውን ቆርበት ዝቖመ እዩ። ማእከላይ ክፋል እዝኒ ድማ ካብ ከበሮ እዝኒ፡ ሞደሻ እዝኒ ፡ ወጸቓ-እዝኒ ከምኡውን ርኻብ-እዝኒ ዝቖመ እዩ። ከበሮ እዝኒ ረቂቕ ግዝፊ ዘለዎ ተወጢሩ ዝርከብ ቆርበት-መሰል ሽፋን እዩ። ሞደሻ እዝኒ ፡ ወጸቓ እዝኒ ከምኡውን ርኻብ እዝኒ ድማ ካብ ዓጽሚ ዝቖሙ እዮም፡ ኣብቲ ኣየር ዝተመልአ ጓንጓ እዝኒ ድማ ይርከቡ። ውሽጣዊ ክፋል እዝኒ ካብታ ፡ብዘለዎ ቅርጺ፡ ኮክለያ (cochlea፦ ትርጒሙ ድርዒ ኣረነ) ተባሂላ ትስመ፡ ብ 'ሓረውረዊት እዝኒ' ውን ትፍለጥ፡ ክፍለኣካል፡ ዝቖመ እዩ። ኣብ ጐድኒ ሓረውረዊት እዝኒ ድማ፡ እቲ ምፍላጥ ማእዝን ወይ ኣንፈት ምንቅስቓስ ዘኽእል፡ ክፍለኣካል ይርከብ። እዚ ማለት፡ ርእስና ንቕድሚት፡ ንድሕሪት ንየማን'ዶ ንጸጋም እዩ፡ ቀኒኑ ዘሎ፡ ክንፈልጥ የኽእል፡ ንዝያዳ ኣብ ዝስዕብ!


ማእከላይ ክፋል እዝኒ በቲ 'ጥሩምባ እዝኒ' ውን ዝስመ ብልቃጥ (ቱቦ) ምስ ኣፍንጫ ይራኸብ። ቀዳማይ ዕዮ ናይ እቲ ብልቃጥ፡ ኣብ ውሽጢ እዝኒ ፡እዚ ማለት ኣብ ጓንጓ እዝኒ፡ ዝርከብ ጸቕጢ ኣየር ፡ምስ እቲ ከቢብና ዝርከብ ግዳማዊ ጸቕጢ ኣየር፡ ወትሩ ሕደ ምግባር እዩ። ብልቃጥ እዝኒ እናተኸፍተ ናብ ጓንጓ እዝኒ ኣየር የእቱን፡ ካብኡ የውጽእን። ጸቕጢ ናይ እቲ ኣብ ውሽጢ እዝኒ ዝርከብ ኣየር እንተወሰኸ፡ ከበሮ እዝኒ ንግዳም ትንፋሕ፡ እቲ ብልቃጥ ድማ ካብ እዝኒ ኣየር ብምውጻእ ነቲ ጸቕጢ የፍኩሶ። ንኣብነት፡ ኣብ ትብገስ ነፋሪት ምስ እንርከብ፡ ጸቕጢ ግዳማዊ ኣየር እናነከየ ይኸይድ፡ እቲ ኣብ ውሽጢ እዝኒ ዝርከብ ኣየር ግን ከምቲ ድሮ ኣብ ምድሪ ዝነበሮ ይቕጽል፡ ብልቃት እዝኒ ነቲ ኣብ ውሽጢ እዝኒ ዝርከብ ኣየር ብምፍናው፡ ግዳማውን ውሽጣውን ጸቕጢ ኣየር ክመዓረ ትገብር። ኣብ ምድሪ እንከለና፡ ንኣብነት ኣብ ውሽጢ ትጓዓዝ ባቡር፡ እታ ባቡር ውን ብውሽጢ ገላርያ ('ቢንቶ') ትሓልፍ እንተሃለወት፡ ነቲ ኣየር ኣብቲ ገላርያ ትጭብጦ ወይ ትስጒዶ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ልዑል ግዳማዊ ጸቕጢ ኣየር ይፍጠር። ኣብዚ ህሞት እቲ ግዳማዊ ጸቕጺ ኣየር ካብቲ ኣብ ውሽጢ እዝንና ዝርከብ ጸቕጢ ኣየር ብምዕባዩ፡ ኣብ እዝንና ከም ዝተዓብሰ ዘምስል ዘይምቹእ ስምዒት ይትንስእ፡ ግናኸ ብልቃት እዝኒ ኣብዚ ውን ካብ ኣፍንጫ ኣየር ብምቕባልን፡ ምእታውን፡ ነቲ ኣብ ውሽጥን ግዳምን ዝርከብ ጸቕጢ ኣየር ሕደ ትገብሮ።

መስርሕ ምስማዕ

ኲሮ እዝኒ ነቲ ዝመጾ ማዕበል ድምጺ ምእካብ ዘኽእሎ ጸፊሕ ቅርጽን ክብ ዝበለ ኣቀዋውማን ኣለዎ። ኲሮ እዝኒ ነቲ ማዕበል ድምጺ ፡ ልክዕ ከም መንቈርቈር ንፈሳሲ፡ ናብ ሓደ ይእክቦ፡ እቲ ማዕበል ድምጺ ድማ ብመትረብ እዝኒ ኣቢሉ ናብ ከበሮ እዝኒ ይሓልፍ። ከበሮ እዝኒ በቲ ዝመጻ ማዕበል ድምጺ ተደሪኻ ንቕድሚትን፡ ድሕሪትን ተዘዝታዊ ምንቅስቓስ ትፍጽም( vibrate)። ኣብ ድሕሪ ከበሮ እዝኒ ፡ እቶም ብዘለዎም ቅርጺ ከምኡ ዝተሰምዩ፡ ኣብ ኣካል ሰብ ካብ ዘሎዉ ዝነኣሱ ኣዕጽምቲ ይርከቡ። ንሳቶም ድማ ሞደሻ-እዝኒ፡ወጸቓ-እዝኒ፡ ከምኡውን ርኻብ-እዝኒ ይበሃሉ።

ሞደሻ እዝኒ ነቲ ተዘዝታዊ ምንቅስቓስ ከበሮ እዝኒ ናብ ወጸቓ-እዝኒ የሕልፎ፡ ወጸቓ-እዝኒ ድማ ናብ ርኻብ-እዝኒ። ኣብቲ መስርሕ ምምሕልልላፍ፡ እዞም ዝተጠቕሱ፡ ካብ ዓጽሚ ዝቖሙ፡ ክፋላት እዝኒ፡ ንድኹም ማዕበል ድምጺ ከበርትዑ ንብርቱዕ ድማ ከህድኡ ይኽእሉ። ርኻብ-እዝኒ ነቲ ማዕበል ድምጺ በቲ እንቋቚሖኣዊ ቅርጺ ዘለዎ መስኮት (oval window) ናብ ሓረውረዊት እዝኒ ተሕልፎ ። ውሽጢ ሓረውረዊት እዝኒ፡ ወይ ኮክልያ ፡ ብፈሳሲ ዝተመልአን፡ ኣብቲ ፈሳሲ ብዝርከቡ ፡ሕጂ ውን ብዘለዎም ቅርጽን ምስልን፡ 'ጸጒሪ ዋህዮታት' (hair cells)፡ ዝተሰምዩ ዓይነት ዋህዮታት ዝቖመ፡ እዩ። እቶም ጸጒሪ ዋህዮታት ነቲ ማዕበል ድምጺ ናብ መትናዊ ዋሕዚ ይቕይርዎ። እቲ መትናዊ ዋሕዚ ድማ ብመትኒ ሓረውረዊት እዝኒ ኣቢሉ ናብ ሓንጎል ይኸይድ። ሓንጎል ድማ ነቲ ዝተቐበሎ መትናዊ ዋሕዚ የመስርሖን፡ ብኸምኡ ድማ ነቲ ዝሰማዕናዮ ድምጺ ነለልዮን፡ ንፈልጦን።

-----------------------------------------------------------------------------------------------------------

ውዳነ ኣካል

ሓደ ወይ ክልተ ዝእግሩ ጠረጴዛ'ዶ ርኢኹምትፈልጡ፧ ኣይፋል ምዃኑ እቲ መልሲ ግሁድ እዩ። ከም ጠረጴዛ ዝመሰሉ ነገራት፡ ጠጠው ምባል ክኽእሉ እንተወሓደ ሰለስተ ዳጌፋ የድልዮም። ሰባት ግን ኣብ ክልተ እግሪ ምቛም ኣየጸግሞምን፡ እዚ ድማ ሳላ እቲ ኣብ እዝኒ ዝርከብ ቨስቲቡላር ኣፓራተስ ( vestibular apparatus) ተብሂሉ ዝፍለጥ ውዳነ-ኣካል (ምሕላው ሚዛን ኣካል ) ዘኽእል፡ ክፍለኣካል እዩ።



ኣብ ውሽጢ እዝኒ ሰለስተ መትረባት ንፍቀ-ክቢ (semicircular canals) ይርከቡ። ንፍቀ-ክቢ፡ ፍርቂ-ክቢ ማለት እዩ፡ እዚ ድማ ብዘለዎም ፍርቀ-ዓንኬላዊ ቅርጺ እዩ፡ ንእቶም መትረባት ዝተዋህቦም። እቶም መትረባት ላዕለዋይ መትረብ ንፍቀ-ክቢ፡ ዳሕረዋይ መትረብ ንፍቀ-ክቢ ከምኡውን ጋድም መትረብ ንፍቀ-ክቢ ይበሃሉ። ኣብ ውሽጢ እቶም መትረባት ንፍቀ-ክቢ 'ማየኣካል እዝኒ' (endolymph ) ዝተሰምየ፡ ዝዓበየ ክፋሉ ውን ካብ ፖታስየም ዝቖመ ፈሳሲ ይርከብ። ንፍቀ-ክብታት ካብ ሃወትሊት እዝኒ (utriculus) ተበጊሱ ናብኡ ዝምለስ ክልተ ጫፋት ኣለዎም። ኣብ ሓደ ጫፎም ድማ ብዘለዎ ቅርጺ 'ጫፈ-ኣምፑል' (ampullary crest) ዝተሰምየ ሞጢሕ ቅርጺ ዘለዎ ክፋል ኣለዎም። እቲ ጫፈ-ኣምፑል ናብቲ ኢንዶሊምፍ ዝተሰምየ ፈሳሲ ንጋድም ጥሒሉ ይርከብ።


ንፍቀ-ክብታት ዙረታዊ ምንቅስቓስ ኣብ ንፍጸመሉ ግዜ፡ እዚ ማለት ነቲ እወ ወይ ኣፋል ዘመልክት ምቅስቓስ ርእሲ፡ ወይ ርእስና ንየማነ-ጸጋም እንተኣቕነንናዮ፡ ምፍላጥ ዝምባለ ርእስን፡ ኣካልን የኽእሉና። እዚ ዝኾነሉ መንግዲ ድማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፦ ኩሉሳዕ ርእስና ኣብ እነንቀሳቕሶ፡ እቲ ኣብ ንፍቀ-ክብታት ዝርከብ ፈሳሲ ውን ይንቀሳቐስ፡ እቲ ጫፈ-ኣምፑል ዝተሰምየ፡ ኣብ እግሪ ነፍሲወከፍ ንፍቀ-ክቢ ዝርከብ፡ ክፋል ውን በቲ ምንቅስቓስ ናይቲ ፈሳሲ ተደሪኹ ይንቀሳቐስ፡ ንእቶም ምስኡ ለጊቦም ዝርከቡ ጸጒሪ ዋህዮታት ውን ይልክሞም። ከም ሳዕቤኑ ድማ እቶም ጸጒሪ ዋህዮታት ይንውነዉ፡ እቲ ምንውናው ናይ ጸጒሪ ዋህዮታት መትናዊ ዋሕዚ ይፈጥር ፡ እቲ መትናዊ ዋሕዚ ድማ ብመትንታት ኣቢሉ ናብ ሓንጎል ይሓልፍን፡ ኣብኡ ይምስራሕን። ኣብ ሞንጎ እቶም ንፍቀ-ክብታት ዝርከብ መዂንዕ (angle) 90° ዲግሪ እዩ፡ እዚ ድማ ኣብታ ሰለስተ ጽፍሕታት ኣንፈት (dimensions)፡ እዚ ማለት ንውሓት፡ ብራኸ፡ ግፍሒ ዝርከባ ምድሪ፡ ኣንፈት ክንፈልጥ የኽእለና።


ብዘይካዚ ኣካልና ቆይሙ፡ ግናኸ ኣብ እትንቀሳቐስ ሞጎዓዝያ ኣብ ዝህልወሉ ግዜ፡ ምቁጽጻር ሚዛን ኣካልን ምፍላጥ ማእዝንን ዘኽእላ ክልተ ክፍለኣካላት ኣለዋ፡ ንሳተን ድማ 'ሃወትሊት
እዝኒ' ( utriculus፦ 'ንእሽቶ ቱቦ' ዝትርጉሙ ካብ ላቲን ዝተወስደ ቃል) ከምኡውን 'ቁጽራ እዝኒ' ( sacculus፦ 'ንእሽቶ ለቖታ' ዝትርጒሙ ካብ ላቲን ዝተወስደ ቃል) ይበሃላ ፡ ኣብ ውሽጠን ድማ ሓቒቓዊ ሽፋን፡ ሓቒቕ ከምኡውን ፡ብመትንታት ሓድሕዶም ዝተራኸቡ፡ ጸጒሪ ዋህዮታት ይርከቡ። እቲ ሓቒቕ ካብ ካልስዮም ካርቦነይት ዝተሰምየ፡ ከሚካዊ ውህደት፡ ዝቖመ እዩ፡ ጸጸር እዝኒ ተባሂሉ ውን ይፍለጥ እዩ፡ (እወ ኣባ እዝንና ጸጸር ይርከብ እዩ)። እተን ክፍለኣካላት፡ ከምቲ ቀዲሙ ዝተጠቕሰ፡ ሓደ ኣንፈታዊ ምንቅስቓስ ኣብ እንገብረሉ ግዜ ምፍላጥ ማእዝንን ኣንፈትን የኽእላና። እታ ሃወትሊት እዝኒ ዝተሰምየት ክፍለኣካል ኣብ ጋድም ምንቅስቓስ ምስ እንርከብ፡ ንኣብነት ኣብ ትንህር መኪና፡ ስርሓ ትፍጽም። እቶም ጋድም ምንቅስቓስ ዝህውሱ ጸጒሪ ዋህዮታት ናይ ሃወትሊት እዝኒ ንቑመት ዝተተኽሉ እዮም ፡ እታ ጸርያትና ትርከብ መኪና ፍጥነት እንተወሰኸት፡ እቶም ጸጒሪ ዋህዮታት ንየማነ-ጸጋም ወይ ንቕድሚትን ድህሪትን ይንውነዉ። እዚ ድማ፡ እቲ ናብ ሓንጎል ዝኸይድን ኣብኡ ዝምስራሕን፡ መትናዊ ዋሕዚ ክምንጩ ይገብር። ቁጽራ እዝኒ ሓደ ኣንፈት ዝሓዘ ትኹል ምንቅስቓስ፡ንኣብነብት ኣብ እታ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ትጎዓዝ መሰፍሰፊት (lift)፡ ምስ እንርከብ፡ ምፍላጥ ኣንፈትን ምሕላው ሚዛን ኣካልን ተኽእል። እቶም ንትኹል ምንቅስቓስ ዝህውሱ ዋህዮታት ቁጽራ እዝኒ ንጋድም ተቐሚጦም ይርከቡ፡ ብምንቅስቓስ ናይቲ ፈሳስን ሓቒቕን ንታሕትን ንላዕልን ይልወዩ፡ ነቲ እዚ ዘስዕቦ መትናዊ ዋሕዚ ድማ ሓንጎል የመስረሖን፡ ኣቀዋውማ ኣካል ይፈልጥን።

----------------------------------------------------------------------------------------------------------

ጠንቂ መንጸሮር

ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝፈላለ እኰእንተኾነ፡ እቲ ናይ ውድን ህዋስ ብግቡእ ዘይሰርሓሉ ወይ ዝደናገረሉ ግዜ ኣሎ። ናይ ውድን ህዋስ ብመትንታት ምስ ካልኦት ስምዒት ህዋሳት ዝተራኸበ እዩ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ኣዒንቲ። ሓንጎል ነቲ ካብ ኩሎም ህዋሳት ስምዒት ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ ኣኪቡ ምልላይን ምርዳእን ናይ ከባቢና የኽእል። እቲ ካብ ሓንቲ ስምዒት ህዋስ ዝረኽቦ ሓበሬታ ምስቲ ካብ ካልኦት ስምዒት ህዋሳት ዝተቐበሎ ሓበሬታ ዘይቃዶ እንተኾነ፡ ሓንጎል ድንግርግር ይብሎ። ንኣብነት፡ ኣብ ትጎዓዝ መኪና እንተሃለና ንነብብ ወይ ናብ ሓደ ቀዋሚ ነገር ውን እንተጠመትና፡ ዓይኒ ጠጠው ኢልና ከም ንርከብ ናብ ሓንጎል መልአኽቱ ይሰድድ፡ እዝኒ ግና ብእቲ ንዝናዘ ወይ ሓጎጽጎጽ ናይ እታ መኪና ተደሪኹ፡ ኣብ ምንቅስቓስ ከም እንርከብ ንሓንጎል ይሕብሮ። እዚ ሓድሕዱ ዝጋጮ ሓበሬታ ኣብ ምምስርሑ ንሓንጎል ይብድሆ፡ ናይዚ ሳዕቤን ድማ ተምላስ፡ ቃንዛ ርእሲ ከምኡውን ጽርውርው ይኸውን።


ዘስክር መስተ እውን መንጸሮር ከስዕብ ይኽእል። እቲ ብዘስክር መስተ ዝተዓነደ ሓንጎል፡ ነቲ ካብ ስምዒት ህዋሳትን ጭዋዳታት ኣካልን ዝረኽቦ ሓበሬታ ብግቡእ ኣየወሃህዶን፡ ብሰንኪ እቲ ዘስክር መስተ ዓይኒ ብግቡእ ኣይርእን እዚ ድማ ሰንከልከል የስዕብ፡ እቲ ሰንከልከል፡ ንዝናዘ ናይ እቲ ኣብ ንፍቀ-ክብታት ዝርከብ ማየእዝኒ፡ እዚ ውን ብጊደኡ መንጸሮር የኸትል።
ብዘይካዚ ዘስክር መስተ፡ ካብቲ ኣብ እቶም ንፍቐ-ክብታት ዝርከብ 'ማየእዝኒ' ዝተሰምየ ፋሳሲ ብምፍኰሱ፡ ኣብ ልዕሊ ማየእዝኒ ጸለል ይብል። እዚ ንእታ ኣብ እግሪ ነፍሲ ወከፍ ንፍቐ-ክቢ ትርከብ ጫፈ-ኣምፑል ካብን ናብን ክትንቀሳቐስ ወይ ክትሕንብስ ይገብራ። በዚ ምክንያት ንእቲ ዘስክር መስተ ዝሰተየ ሰብ ፡ወላኰ ኣብ ምንቅስቓስ ኣይረኸብ፡ ከባቢኡ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ክመስሎ፡ ጽርውርው ከምኡውን ተምላስ ክመጾ፡ ውን ይገብር።

Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧