ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧

ኣካልና መሰረታዊ ዕዮታት ከም ምስትንፋስ፡ ዙረት-ደም፡ ምዕቃብ ሙቐት፡ ምሕቃቕ ምግቢ ወይ ፡ ብሓፈሻ፡ ንገብሮ ኣካላውን ኣእምራውን ንጥፈታት ክፍጽም ጸዓት የድልዩ። እቲ ጸዓት ኣብ ኣካልና ብኸምኡ ክምንጩ ብዘይምኽኣሉ ብመልክዕ ምግቢ ካብ ደገ ነእትዎ። እቲ ንበልዖ ምግቢ ካብ ዝተሓላለኸ ከሚካዊ መዛርዕ (structure) ዘለዎ ፕሮቲን፡ ካርቦሃይድሬት፡ ስብሒ፡ ማዕድናት፡ ቪታሚናት፡ ዝቖመ እዩ። ኣካል ሰብ ንእዚ ዝተጠቕሰ ትሕዝቶ ምግቢ ከም ዘለዎ ክጥቀመሉ ኣይክእልን እዩ። ኣካልና ክጥቀመሉ ክኽእል፡ እቲ ትሕዝቶ ምግቢ ናብ ዝደቐቐ ክፋሉ ክዝርዘር ግዴታዊ  እዩ። እቲ ምዝርዛር ትሕዝቶ ምግብን፡ ናብ ዙረት ደም ክሳብ ዝጽንበርን፡ ንግዳም ክሳብ ዝወጽእን፡ ዘሎ መስርሕ ብሓፈሻ 'ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ' ተብሂሉ ይጽዋዕ።

ምሕቃቕ ምግቢ ኣብ ኣፍ ይጅምር

እቲ ንስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ዘገልግል ውሽጣዊ ክፋል ሰብ፡ ንሻምብቆ ዘዘክር ቅርጺ ዘለዎን ብጭዋዳታት ዝተኸበን እዩ። ምሕቃቕ ምግቢ ገና ኣብ ኣፍ‘ዩ ዝጅምር። ዝበላዕናዮ ምግቢ መጀመርያ ብምሕያኽ ነዳቕቖ። ሓደ በጽሒ ሰብ ንምድቓቕ ምግቢ ዘገልግሉ ብጠቕላላ 32 ስኒታት ኣለዎ።እዚ ማለት፡ እቶም ኣብ ማእከል ላዕላይን፡ ታሕታይን ምንጋጋ ዝርከቡ፡ በላሕቲ ብምዃኖም ድማ ንምቚራጽ ምግቢ ዘገልግሉ 'ቆሎ ስኒታት' 8፡ ንምምንጫት ዘገልግሉ 4 'ዓቃቢቶታት'፡ ንምድቃቕ ዘገልግሉ 'ቅድመ-ኮራርምቲ' 8፡ ንምሕያኽ ዘገልግሉ 'ኮራርምቲ' 8፡ ከምኡውን እቶም ብ 'ኮራርምቲ ሓይሊ' ዝፍለጡ ዳሕረዎት 4 ኮራርምቲ፡ እዚኣቶም ብድምር 32 እዮም። 

ንእዞም ዝተጠቕሱ ስኒታት ብምጥቃም ምሕቃቕ ምግቢ ድሮ ኣብ ኣፍ ፡ብምሕያኽ፡ ንጅምሮ። ኣብ ግዜ ምሕያኽ ምራቕ (ጥፍጣፍ) ብብዝሒ ይምንጩ። ሓደ ሰብ፡ ኣብ መዓልቲ፡ ኣስታት 1.5 ሊትሮ ዝኣክል ምራቕ የፍሪ። ምራቕ፡ ኣሚለይዝ (amylase) ዝተሰምየ ፕሮቲናዊ ኣሳላጢ (enzyme) ይርከቦ። ፕሮቲናዊ ኣሳላጢ ፡እቲ ስም ከም ዘፍእሞ፡ ንርእሱ ብዘይምቕያር ከሚካዊ መስርሕ ዘሳልጥ/ዘቀላጥፍ ካብ ፕሮቲን ዝቖመ ግዛዕ እዩ። 'ኣሚለይዝ'፡ እዚ ዓይነት ፕሮቲናዊ ኣሳላጢ ገና ኣብ ኣፍ ካርቦሃይድረይት ናይ ምምስራሕ ክእለት ኣለዎ፡ ሽኮር ከምኡውን ካብ ሓርጭ ዝተሰርሐ ምግቢ፡ ከም ቅጫ፡ ክሓቅቕ ውን ይገብር። ብኸምዚ ድማ ምሕቃቕ ምግቢ ይጅምር። እቲ ምግቢ ዝኣኽሎ ድሕሪ ምድቓቑ፡ ብድርኺት ናይቶም ኣብ ኣፍን ከባቢኡን ዝርከቡ ጭዋዳታት፡ ክወሓጥ እለዓል። መልሓስ ውን ሓፍ ብምባል ነቲ ምግቢ ናብ ኣንፈት ጎሮሮ ትጒንጾ።

ድሕሪ ምውሓጥ

ድሕሪ ምውሓጥ ኣብ ርእሲ‘ቲ ምግቢ ዝነበረና ስልጣን፡ ናብቲ ብዘይ ቀጥታዊ ሓገዝና ምሕቃቕ ምግቢ ዝፍጽም ኣካልና፡ ነረክቦ። ደባኢቶ ዝተሰምየት ክፋል፡ ኣብ መራኸቢ ሻሕለለን፡ ጒርጉማን ትርከብ፡ እቲ ዝተዋሕጠ ምግቢ ብሻሕለለ ናብ ከስዐ ክኣቱ እምበር፡ ብጒርጉማ ናብ ሳንቡእ ከየምርሕ፡ ንኣፌፌት ጒርጉማ፡ ምስኡ ድማ ሳጹን ድምጺ ፡ ብምዕጻው ትከላኸል። በዚ ምኽንያት፡ ኣብ ግዜ ምውሓጥ ክንዛረብ ይኹን ከነስተንፍስ ኣይንኽልን። እቲ ዝተዋሕጠ ምግቢ ወይ ማይ ብሻሕለለ ጒዕዝኡ ናብ ከስዐ ይቕጽል። ንጣብ ምግቢ ወይ ፈሳሲ ናብ ሳንቡእ እንተኣተወ፡ ሞት ከኸትል ይኽእል፡ እዩ፡ ሳላ ደባኢቶ ግን፡ እዚ ሳሕቲ እዩ፡ ዘጋጥም። ድሕሪዚ፡ እቲ ምግቢ ጒዕዞኡ ብሻሕለለ ይቕጽል። ንውሓት ሻሕለለ ናይ ሓደ እኹል ሰብ ኣስታት 25 ሰ.ሜ (ሰንቲሜተር) ይበጽሕ፡ ካብ ብርታዐ ጭዋዳታት ሻሕለለ ዝተላዕለ፡ ኣብ ግዜ ምውሓጥ፡ ንጋድም (ብድቅስና) ወይ ውን ብርእስና እንተንቐውም ውን፡ እቲ ዝተዋሕጠ ምግቢ ብዘይጸገም ይወሓጥ። እቲ ነዚ ክዉን ዝገብር ማዕበላዊ ምንቅስቓስ ጭዋዳታት ናይ ሻሕለለ፡ ቀጢን ከምኡውን ገዚፍ መዓንጣ፡ ‘ፐሪስታልሲስ’ (peristalsis) ተብሂሉ ይጽዋዕ።

ምዝርዛር ትሕዝቶ ምግቢ

ምግቢ ኣብ ከባቢ ከስዐ ድሕሪ ምብጽሑ፡ በቲ፡ 'ላዕለዋይ መጻብቦ ከስዐ' (cardia) ተብሂሉ ዝጽዋዕ፡ መእተዊ ይሓልፍ፡ ኣብ ከስዐ ውን ይዓርፍ። መእተዊ ከስዐ ተምላስ ንምውጋድ፡ ድሕሪ ነፍስወከፍ ምእታው ምግቢ ይዕጾ። መስርሕ ምውሓጥ ኣብ ከስዐ ይፍጸም፡ ምሕቃቕ ምግቢ ግና ኣብ ከስዐ ከም ስርዓት ይጅምር።

እቶም ኣብ ውሽጢ ከስዐ ዝርከቡ ዋህዮታት፡ ኣቺዶ ከስዐን ( stomach acid) ፕሮቲናዊ ኣሳላጢን የፍርዩ። እቲ ኣቺዶን እቶም ፕሮቲናዊ ኣሳላጥትን ድማ እቲ ምግቢ መሊሱ ክዳቐቕን ሽርባ (ሓፊስ ፈሳሲ) ክኸውንን ይገብሩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣቺዶ ከስዐ ንእቶም ምስ ምግቢ ዘእተናዮም ሕማም ክቕስቅሱ ዝኽእሉ ደቀቕቲ-ተህዋስያን፡ ከም ባክተርያ የምክን። ጭዋዳታት ከስዐ ብምጭባጥን ምዝርጋሕን፡ ነቲ ምግቢ ምስቲ ኣቺዶ የዳውሶን የድቅቖን። ከስዐ 'ታሕተዋይ መጻብቦ ከስዐ' (pylorus) ዝተሰምየ መውጽኢ ኣለዎ፡ እዚ መውጽኢ ዘብዐኛ ተብሂሉ ውን ይጽዋዕ እዩ፡ እቲ ምኽንያት ድማ ነቲ ናብ *ድወደኑም (ክፋል ቀጢን መዓንጣ) ዝወስድ መውጽኢ ይቆጻጸሮ ምዃኑ እዩ። ካብ ኣስታት 2 ሴሜ. ዝዓቢ ዘበለ ምግቢ፡ ክሳብ ዝዳቐቕ፡ ኣብ ምሕላፍ ይኽልክሎ። ድሕሪ እዚ፡ እቲ ዝተበልዐ ምግቢ፡ብድወደኑም፡ ናብ ቀጢን መዓንጣ ክኸይድ ከሎ፡ መልክዑ ቀይሩ ሓፊስ ፈሳሲ እዩ፡ ዝኸውን።

ምግቢ ኣብ ቀጢን መዓንጣ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ኣብኡ ዝፍጸሙ ዕዮታታት፡ ንላቦራቶሪ እዩም፡ ዘዘክሩ። ቀዲማ ጸላም ከብዲ፡ ብእታ ኣብ ትሕቲኣ እትርከብ 'ፍሕኛ ሓሞት' (gallbladder) ዝተስሰምየት ክፍለኣካል፡ ናብ ድወደኑም፡ 'ሓሞት' ዝተባህለ ፈሳሲ ትሰድድ። እቲ ሓሞት ነቲ ድሮ ኣብ ከስዐ ፈርዩ ምስ ምግቢ ዝወረደ ኣቺዶ (acid) ብምድኻም፡ ኣብ ቀጢን መዓንጣ ጉድኣት ከምዘይስዕብ ይገብሮ። ካብኡ ሓሊፉ ውን ሓሞት ትሕዝቶ እቲ ምግቢ፡ ብፍላይ ድማ ስብሒ፡ ካብ ካልእ ትሕዝቶ‘ቲ ምግቢ ብምፍላይ ክሓቅቕ ይገብር። 

እታ ጣፍያ (pancreas) ዝተስምየት ክፍለኣካል ድማ፡ ንምሕቃቕ ምግቢ ዘገልግል ፕሮቲናዊ ኣሳላጢ ናብ ድወደኑም ትሰድድ፡ እቲ ፕሮቲናዊ ኣሳላጢ ምስ እቲ ምግቢ ናብ ቀጢን መዓንጣ ይወርድ። ድሕሪ እዚ፡ ጭዋዳታት ቀጢን መዓንጣ ብምጭባጥን ምዝርጋሕን እቶም ፕሮቲናዊ ኣሳለጥቲ ምስ እቲ ምግቢ ክዳወሱ ይገብሩ። 

ትሕዝቶ ናይቲ ምግቢ፡ ናብ ዝደቐቐ መልክዑ ፡እዚ ማለት ፡ እቲ ኣብ ካርቦሃይድረት ዝርከብ ብዝሓሽኮር (polysaccharride) ናብ ንጽል ሽኮር (monosaccharride)፡ ስብሒ ናብ ስብሓኣዊ ኣቺዶ (fatty acid)፡ ፕሮቲን ናብ ኣሚኖ ኣቺዶ ( amino acids) ወዘተ ድሕሪ ምዝርዛሩ፡ ቀጢን መዓንጣ ሰንጢቑ ናብ ዙረት ደም ይጽንበር። ውሽጣዊ ክፋል ቀጢን መዓንጣ ሰራውር ደም ዝመለኦን፡ እቲ ትሕዝቶ ምግቢ ናብ ዙረት ደም ዝስረገሉ መናፊት ዘለዎን፡ እዩ። ደም ነቲ ትሕዝቶ ምግቢ ካብ ቀጢን መዓንጣ ተቐቢሉ ብጸላም ከብዲ( ኣብኡ ተጻርዩ)፡ ናብ ልቢ ፡ ብእኣ ውን ተጨንጒዑ፡ ናብ መላእ ኣካልና ይበጽሕ። ብኸምዚ ድማ ኩሎም ዋህዮታት ኣካልና ዘድልዮም ምግቢ ይረኽቡ። 

መወዳእታ ጒዕዞ መግቢ

እቲ ኣብ ከይዲ ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ቀዲሙ ክሓቅቕ ዘይከኣለ ትሕዝቶ ምግቢ፡ ናብ ገዚፍ መዓንጣ የምርሕ፡ ኣብኡ ምስ ኣካልና ሓድሕዶም ብምትሕግጋዝ ዝነብሩ እምበር ዘይጓድኡ እልቢ ደቀቕቲ-ተህዋስያን፡ ብፍላይ ባክተርያ፡ ይርከቡ። እዚ ኣብ ሓድሕዳዊ ረብሓ ዝተሞርኮሰ ምትሕግጋዝ ናይ ፍጡራት፡ ‘ልንፍነተሄት’ ወይ ‘ተጓርኖነት’ (symbiosis) ተባሂሉ ይጽዋዕ። እቶም ደቀቕቲ-ተህዋስያን ንእቲ ክሓቅቕ ዘይከኣለ ክፋል ምግቢ ዳግም ብምሕቃቕ ከም ማዕድናት፡ቪታሚናት ወዘተ ኣካልና ክጥቀመሉ ይገብሩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ ምግቢ ዝርከብ ፈሳሲታት ኣብ ገዚፍ መዓንጣ ተጸሚቚ ናብ ዙረት ደም ይጽንበር፡ ድሕሪዚ ድማ እቲ ተረፍ ምግቢ ደረቕ ይኸውን። እቲ ኣብ መላእ ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ንኣካልና ገለ ክጠቅም ዘይከኣለ ትሕዝቶ ምግቢ ኣብ እቲ 'ባጡቕ' ተባሂሉ ዝጽዋዕ ክፋል ገዚፍ መዓንታ ይውህለል፡ ብመሃንቱስ ኣቢሉ ውን ንግዳም ይወጽእ። ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ድማ ኣብዚ ይውዳእ፡ ምግቢ ዳግም ድሕሪ ምብላዕ፡ እቲ መስርሕ ከም ብሓድ ይጅምር።





 መዘኻኸሪ

* ድወደኑም (duodenum)፡ ንከስዐን ቀጢን መዓንጣን ዘራኽብ፡ ክፋል ቀጢን መዓንጣ እዩ። 'ድወደኑም' ካብ ላቲን ዝተወስደ ቃል ኮይኑ፡ ትርጒሙ '12 ኣጻብዕ' እዩ፡ እዚ ድማ ንውሓት ድወደኑም ናብ 12-ኣጻብዕ ወይ 20-25 ሰ.ሜ  ዝገማገም ብምዃኑ እዩ።  

Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧