እሳተጎመራ ካበይ ይምንጩ፧
እሳተጎመራ፡ ኣብ ዝባን ምድሪ ዝርከብ ብእኡ ድማ ምካኽ-እምኒ ፡ ሓሞዂሽቲ ከምኡውን ጋዛት ዝወጽሉ ከፋት እዩ። ጥንታውያን ሰባት፡ እቲ ከፋት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ናይ እቶም ኣብኡ ምህላዎም ዝእመነሎም ኣማልኽቲ ምዃኑ፡ ይኣምኑ ነበሩ። እቲ ‘ቮልከይኖ’ (volcano) ዝብል እሳተጎመራ ዝትርጉሙ ናይ እንግልዝኛ ቃል ውን፡ ካብ ስም ናይ እቲ ‘ቩልካን’ (vulcan) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ናይ ሮማውያን ኣምላኽ እዩ፡ ተወሲዱ። እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዝገዝእ ምዃኑ፡ ሮማውያን ይኣምኑ ነበሩ። ምንጪ እሳተጎመራ ቅድሚ ምምርማር፡ መዋቕር ወይ 'ኣፈጣጥራ' ምድሪ ንገንዘብ! ሰባት ንምድሪ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ቀጸላታት ይመቕልዎ ንሳቶም ድማ ዝባን/ቅርፍቲ ምድሪ (earth crust) ፡ ሽፋን ምድሪ ( earth mantle) ፡ ላዕለዋይ ሕመረት (outer core) ፡ ታሕተዋይ ሕመረት (inner core) ይበሃሉ። ገለ ተመራርትቲ፡ ንምድሪ ካብ ኣርባዕተ ኣብ ዝበዝሑ ቀጸላታት ውን ይኸፍልዋ እዮም። ቅርፍትን፡ ሽፋንን ምድሪ እታ ህይወት ኣብኣ ጥራይ ዝርከብ ቅርፍቲ ምድሪ፡ ኣብ ባሕርን ንቑጽ ምድርን ዝፈላለ‘ዃ እንተኾነ፡ ግዝፋ ኣስታት 5-60 ኪ.ሜ እዩ፡ ዝበጽሕ። ክሳብ 500 ካብ ዝበጽሑ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣእማን፡ ሓመድ ወዘተ ዝቖመት እያ። እቲ ኣብ ትሕቲ ውቅያኖሳት ዝርከብ ቅርፍቲ ምድሪ ካብ 5-10 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ግዝፊ ኣለዎ። ግዝፊ ሽፋን ምድሪ ክሳብ 2,500 ኪ.ሜ ይኸውን፡ እዚ ድማ ኣስታት ክልተ ሲሶ ናይ ጠቕላላ ግዝፊ ምድሪ እዩ። ሽፋን ምድሪ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ልዑል ሙቐት፡ ናብ ፈሳሲ ብዝተቐየረ እምንን፡ ማዕድናትን ዝቆመት እያ። ሕመረት ምድሪ ሕመረት ምድሪ ኣብ ክልተ ይኽፈል፡ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ሕመረት ውን ይስመ። ላዕለዋይ ሕ