ስለምንታይ'ዮም ኣትክልቲ ሰረት ህይወት ዝኾኑ፧



|
ኣትክልቲ

ኣትክልቲ መብዛሕቲኡ ካብ ሱር፡ ቆጽሊ-ሓዘል ጨናፍር ፡ ጉንዲ ዝቖሙ፡ ብእቲ ኣብ ኣቚጽልቶም ዝካየድ ጽማረ-ብርሃን  ዝነብሩ፡ ዘይተንቀሳቐስቲ ህይወታውያን እዮም። ኣብ ምድሪ፡ ኣስታት 500,000 ዝቚጸሩ ዝተፈላለዩ ኣትክልቲ ከም ዘለዉ ይግመት። ካብኣቶም ኣስታት 390,000 ዝኣኽሉ ብሰባት ተጸኒዖምን፡ ተመርሚሮምን እዮም። 

ኣትክልቲ ብጾታዊ ከምኡውን ኢጾታዊ መንገዲ ይፈርዩ። ኣብቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ተባዕታይን ኣንስታይን ዘርእታት ናብ ሓደ ጽግዮ (zygote) ይጣበቑ፡ ብኸምኡ ድማ እቲ ተተኺሉ ዝትከኦም ዘርኢ ይፈሪ። እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፋረዩ ኣትክልቲ ፡ከም ዝተጠቕሰ፡ ተባዕታይን ኣንስታይን ክፋል ኣለዎም። ገለ ካብ እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ርእሰ-ጸገይቲ እዮም። እዚ ማለት፡ እቲ ጽገ ካብ እቲ ተባዕታይ ክፋሎም ናብ እቲ ኣንስታይ ክፋሎም ከም ዝጓዓዝ ብምግባር፡ ንርእሶም ይጽግዩ። እዚ ዓይነት ስርዓት ጽግያ ኣብ ስርናይ፡ ስገም፡ ባልዶንጓ፡ ዓይኒ-ዓተር ፡ ካውሎ፡ ካሮት ወዘተ ይርአ።

እቲ ጽገን፡ እንቛቚሖን (ጋመት) ናይ እታ ተኽሊ ናብ ሓደ ዋህዮ ድሕሪ ምውህሃዱ ፍረ ወይ ዘርኢ ይፍጠር።
 ብዙሓት  ካብ እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ ብንፋስ፡ ማይ ወይውን ብሓሸራ፡ ከም ንህቢ፡ ይጽገዩ። እዚ ዓይነት ሜላ ተዋልዶ ወይ ተፋርዮ ‘ስግረ-ጽግያ’ (cross-pollination) ተብሂሉ ይጽዋዕ።

እቲ መስርሕ ንእዚ ዝስዕብ ይመስል፦ ንፋስ ንጽገ ናይ ሓደ ተባዕታይ ተኽሊ ይዘርዎ፡ እቲ ኣንስታይ ክፋል ተኽሊ ድማ ፡ኣብኡ ድሕሪ ምዕላቡ፡ ንእቲ ጽገ ይቕበሎ ድሕሪ ምውህሃዶም ድማ ዘርኢ ይፍጠር። ተመሳሳሊ፡ ማይ ኣብ ዝሃርመሉ እዋን እቲ ጽገ ተባዕታይ ዘርኢ ተኽሊ ምስ ማይ ብዘረርታ ናብቲ ኣንስታይ ክፋል ተኽሊ ይወርድ። እዚ ዓይነት ጽግያ ንኣብነት ኣብ ዕፉን ይረአ፡ እቲ ጭሕሚ-መሰል ኣንስታይ ክፋል ዕፉን ኣብ ርእሲ ሱማ ይርከብ፡ እቲ ተባዕታይ ክፋል፡ እዚ ማለት ጽገ፡ ናይ ዕፉን ድማ ኣብ ላዕላይ ኣንፊ ናይ እታ ዕፉን ይርከብ፡ ካብኡ ብሓገዝ ንፋስ ወይ ዝናብ ብምውራድ ድማ ንእታ ዕፉን ይጽግያ።

እቲ ሳልሳይ ሜላ ድማ ሓሸራታት፡ ከም ንህቢ፡ እዩም ዘተግብርዎ። እቶም ሓሸራታት ምጸ ዕምባባ ንምምእራር ካብ ሓንቲ ተኽሊ ናብ ካልእ ተኽሊ ይጓዓዙ፡ ነቲ ተባዕታይ ዘርኢ ተኽሊ፡ እዚ ማለት ጽገ፡ ውን ምስ መሓውሮም ይልክምዎ፡ ኣብ ካልእ ተኽሊ ድሕሪ ምብጸሖም ድማ ተነጊፉ ይተርፍ፡ ብኸምኡ ድማ እታ ተኽሊ ትጽገ። ኣትክልቲ ዝዕምብብሉ ምኽንያት ንእቶም ዘርኦም ንምስፋሕ ዝሕግዝዎም ሓሸራታት፡ ከም ንህቢ፡ ንምስሓብ እዩ። ብኸምዚ እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣክትልቲ ይጽገዩን ፍረ ይህቡን፡ እቲ ፍረ ድማ ተዘሪኡ ተካኢ ሓድሽ ፍረ ወይ ወለዶ ይኸውን። ብዙሓት ኣትክልቲ ንሰለስቲኡ ሜላታት፡ እዚ ማለት፡ ብሓሸራታት፡ ማይ ከምኡ ውን ንፋስ ክጽገዩ ይኽእሉ። ኣትክልቲ ዘይተንቀሳቐስቲ ክንሶም፡ ንእዞም ዝተጠቕሱ ሜላታት ብምጥቃም ዘርኦም የስፍሑን፡ ይፈርዩን።


እቶም ብኢጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ፡ ዘይከም እቶም ብጾታዊ መንገዲ ዝፈርዩ ኣትክልቲ፡ ተባዕታይን ኣንስታይን ዘርኢ የብሎምን፡ ኣብ ክንዲዚስ ተኸፊሎም (ንኣብ. እቲ ተቖሪጹ ወዲቚ ሱር ዝሰድድ በለስ)፡ ኣብ ምድሪ ዓሊቡ ርእሱ ዝኸኣለ ሱር ዘውጽእ ጨንፈር ሰዲዶም፡ ወይ ተቐቢሩ ናብ ተኽሊ ብዝምዕብል ዓካር (ንኣብ. ድንሽ፡ ሽጒርቲ ቀይሕ)፡ እዮም ዝፈርዩ። ድሕሪዚ እቲ ሓድሽ ዝዓቢ ተኽሊ ምስ እቲ ናይ መጀመርያ ዘርኢ ሚእቲ ሚእታዊት ሕደ ነጥበመረ
(gene) ይህልዎ። እቶም ብኢጾታዊ መንገዲ ዝራብሑ ኣትክልቲ፡ ብኸምዚ ዝተገልጸ፡ ከም ካልኦት ፍጡራት ከም እንስሳታትን ሰብን፡  ዝትከኦም ወለዶ ይሓድጉን፡ ዘርኦም የውሕሱን።

ኣትክልቲ፡ ሰረት ህይወት


ኣትክልቲ ፡ዘይከምካልኦት ህይወታውያን፡ ንምንባር ዘድልዮም ምግቢ ባዕላቶም (ኣብ ውሽጦም) የፍርዩ። ኣትክልቲ ንእቲ ዘድልዮም ምግቢ፡ እዚ ማለት ሽኮር ንምፍራይ፡ ብሰራውሮም ካብ ምድሪ ማይ፡ ብኣቚጽልቶም፡ ካብእቲ ከቢብዎም ዝርከብ ኣየር፡ ካርቦንዳይኦክሳይድ ድሕሪ ምስሓብ፡ ብሓገዝ ጸሓያዊ ጸዓት እቲ ንምንባርን፡ ንምጒባዝን ዘድልዮም ሽኮር ከምኡውን ብጎድኑ ኦክስጅን የፍርዩ። እቲ እዚ ዝኾነሉ መስርሕ ብጠቕላላ ‘ጽማረ-ብርሃን’ ተብሂሉ ይጽዋዕ። ጽመራ፡ ጽማረ ወይ ምጽማር ዝተፈላለዩ ነገራት ኣጋጢምካ ምፍራይ እዩ፡ ትርጒሙ። ጽማረ-ብርሃን ብከሚካዊ ቀመር ንእዚ ዝስዕብ ይመስል፦                        


6CO2  (ካር.ዳይኦዮክሳይድ) + 6H2O (ማይ) + ብርሃን ጸሓይ =   C6H12O6 (ግሉኮዝ) + 6O2(ኦክስጅን)


ብሙሉእ ሓሳብ ንምግላጽ፡ 6 ሞለኩላት ናይ ካርቦንዳዮክሳድይን ከምኡውን 6 ሞለኩላት ናይ ማይ ብሓገዝ ጸሓያዊ ጸዓት ናብ ሓንቲ ሞለኩል ናይ ግሉኮዝ (ዓይነት ሽኮር) ከምኡውን 6 ሞለኩላት ናይ ኦክስጅን ይልወጡ። እምበኣርከ ማይን፡ ካርቦን ዳይኦዮክሳይድን ምስ ብርሃን ጸሓይ ተደሚሩ፡ ኣብ መስርሕ ጽማረ-ብርሃን፡ ውጽኢቱ ሽኮርን፡ ኦክስጅንን እዩ፡ ዝኸውን።




እቲ ብኸምዚ ኣብ ኣትክልቲ ዝፈረየን፡ ብመልክዕ ኣሚዶ (starch) ወይ ካርቦሃይድረት ዝተኸዘነን ሽኮር ንበላዕቱ (እንስሳታትን፡ ሰብን) ከም ምግቢ ይኾኖም፡ ኣብ ከይዲ ስርዓተ-ምሕቃቕ ምግቢ ውን ኣብ ኣካሎም ናብ ንጽልሽኮር ፡እዚማለት ግሉኮዝ፡ ይልወጥ። ግሉኮዝ ካብ ቀጢን መዓንጣ ብቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ተጸይሩ ናብ ነፍሲወከፍ ዋህዮታቶም ይኣቱ። እቲ ኣብ መስርሕ ጽማረ-ብርሃን ብጎግድኒ ዝፈረየ ኦክስጅን ውን ብርእሱ፡ ብእንስሳታትን፡ ሰብን ተስተንፊሱ ካብ ሳንቡእ ብቀያሕቲ ዋህዮታት ደም ተጸይሩ ናብ ዋህዮታቶም ይበጽሕ። 

ኣብ ዋህዮታት ናይ እንስሳታትን፡ ሰብን ግሉኮዝን፡ ኦክስጅንን ሓድሕዶም ይጸናበሩ ወይ ይወሃሃዱ፡ ይበኑን፡ እዚ ዋህዮኣዊ ትንፋሰ (cellular respiration) ተብሂሉ ይጽዋዕ። ምጽንባር ናይ ክልቲኣቶም፡ እቲ ምጉባዝ፡ ምንቅስቓስ ወይ ብሓፈሻ ምንባር  ዘኽእሎም፡ ጉልበተሄት (Adenosine triphosphate) ተብሂሉ እውን ዝጽዋዕ፡ ምግቢ ወይ ጸዓት ይፈጥር። ኣትክልቲ ምንጪ ናይቲ ንእንስሳታትን፡ ሰብን ምንባር ዘኽእል ካርቦሃይድረት ከምኡውን ኦክስጅን እዩም። ንእቲ ኣካል ሰብን እንስሳታትን ብቐጥታ ከም ምንጪ ምግቢ ክጥቀሙሉ ዘይከኣሎ ጸሓያዊ ጸዓትን፡ ካርቦን ዳይኦክሳድን ናብቲ ዘድልዮም ካርቦሃይድረትን፡ ኦክስጅንን ዝልውጡ፡ ብኸምኡ ድማ ምግቢ ሰብን፡ እንስሳታትን ዘዳልዉ ብምዃኖም፦ እዚ ሰረት ምድራዊ ህይወት ይገብሮም።

Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧