ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧


ስለምንታይ እዩ፡ መልክዕና ዝፈላለ፧ ሰለምንታይ እዮም ገለ ሰባት ምስ ሕማሞም ዝውለዱ፧ ሰለምንታይ እዩ፡ ባህርን መልክዕን ስድራ ብሓድጎም ዝወርስ፧ ስለምንታይ እዮም ስድራቤትና ክፋል-ምስልና ዘለዎም፡ ግናኸ ሙሉእ ምስልና ዘይብሎም፧ እዚኣቶም ሰባት ካብ ዝህልዉ ዝቐርቡ ሕቶታት እዮም። ሰባት፡ ባሀርን ምስልን ወለዲ ናብ ደቆም ክሓልፍ፡ እንስሳታት ከምኡውን ዝተዘርኡ ኣትክልቲ ምስሎም፡ ግዝፎም፡ ንውሓቶም ከምኡውን ዘርእይዎ ባህሪ ናብቲ ስዒቡ ዝመጽእ ሓድሽ ወለዶ ከም ዝመሓላለፍ ተገንዚቦም እዮም። በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ዘርኢ ኣትክልቲ መሪጾም ክዘርኡን፡ እንስሳታት ከዳቕሉን ይረኣዩ። ስለምንታይ እዩ፡ እዚ ከምኡ ዝኸውን ንምግላጹ ግን ኣይክኣሉን። እቲ መልሲ ቅድሚ ኣስታት 150 ዓመታት እዩ፡ ክርከብ ዝኸኣለ።

ቲ ምስጢር፡ ኣብቲ ካብ ወለዲ ናብ ውሉዶም ብዘርኦም ዝመሓላለፍ ብሕጽረተ-ቃል እንግልዝኛ ዲ-ኤን-ኤይ (DNA=deoxyribonucleic acid) ዝፍለጥ ኣካለመረ እዩ፡ ተቐቢሩ ዝርከብ። ኣካለመረ ህያውያን ፍጡራት (ሰብ ፡እንስሳታት ፡ኣትክልቲ) ንእቶም ካብኣቶም ዝተወልዱ መልክዖም፡ ባህሪኦም፡ ቁመቶም፡ ቅርጾም ወይ ብሓፈሻ ኩሉ መለልይኦም ዘውርስሉ ኣብ ዘርኦም ተደኲኑ ዝርከብ፡ ባህርያዊ ግዛዕ እዩ።

ኩሎም ህያውያን ፍጡራት ኣብ ሕመረት ዋህዮታቶም ኣካለመረ ኣለዎም። ኣካለመረ ንድፊ ወይ ሓቤሬታ እዩ፡ እቲ ሓበሬታ ብዛዕባ ዓይነት፡ እንታይነት ናይቲ ንዋህዮታትና ዘቚሞም ፕሮቲን ይውስን። እዚ ማለት ንኣብነት ሓደ ሰብ ቁመቱ፡ ሕብሪ ናይ ቆርበቱ፡ ዓይኑ፡ ጸጒሩ ከመይ ክመስል ከም ዘለዎ ኣብ ኣካለመረ እዩ ተጻሒፉ ዝርከብ። ኣብ እንስሳታት ፡ኣትክልቲ፡ ባክተርያ ከምኡውን ካልኦት ደቀቕቲ ተህዋስያን ( microorganisms) ውን ልክዕ ከምኡ። በዚምኽንያት ኣካለመረ ንድፊ ሂወት ተባሂሉ ውን ይጽዋዕ እዩ። ዓይነት ደም፡ ሕብሪ ናይ ቆርበት፡ዓይኒ ወይ ቁመት፡ ግዝፊ ከምኡውን ውሱናት ሕማማት ብመገዲ ዘርኦም ካብ ወለዲ ዝውሰዱ ባህርያዊ ውርሻታት እዮም።

ኩሎም ህያውያን ፍጡራት ካብ ዋህዮታት ዝቆሙ እዮም። ገለ ካብኣቶም ካብ ሓደ ዋህዮ ዝቖሙ እዮም፡ ንኣብነት ባክተርያ። ካብ ሓደ ዋህዮ ዝቆሙ ፍጡራት ንጽል-ዋህዮታውያን (single-celled organisms) ይበሃሉ። ካብ ብዙሓት ዋህዮታት ዝቆሙ ፍጡራት ድማ ንኣብነት ሰብ፡እንስሳ፡ ብዝሃዋህዮታውያን (multicellular organisms) ይብሃሉ።  ሓደ ዋህዮ፡ ብመንጽር መግለጺ፡ እቲ ዝነኣሰ ህይወታዊ ፡እዚ ማለት ዝነብር፡ ኣሃዱ እዩ።

ንኣካል ሰብ ከም መርዳእታ ንውሰዶ፦ ኣካል ሰብ ካብ ልዕሊ 30 ትርልየን ዋህዮታት ዝቆመ እዩ። ሓደ ትርልየን 12 ዜሮታት ዘለዋ፡ ሓንቲ ቁጽሪ እያ። ኩሎም ዋህዮታትና ተመሳሳሊ መዛርዕ (structure) ከምኡ ውን ሓደ ኣካለመረ እዩ፡ ዘለዎም፡ ይኹን እምበር ቀያሕቲ ዋህዮታት ሕመረት ብዘይምህላዎም ኣካለመረ ኣይርከቦምን እዩ። ንዝሓሸ መረዳእታ ነዚ ዝስዕብ ዝተቓለለ ምስሊ ሓደ ዋህዮ ተኸተል /////

ገለ ካብ ውሽጣዊ ክፋላት ዋህዮ ናይ ሰብን እንስሳታትን




ስም ክፋል ዋህዮ

መብርሂ

መካነ ፕሮቲን (ribosome)

ኣሚኖ ኣቺዶ ብምግጣም ፕሮቲን ዝጽምር (ዘፍሪ ) ክፋል ዋህዮ።  

ቤተዋህዮ (cytoplasm)

ንውሽጣዊ ክፋል ዋህዮ መሊእዎ ዝርከብ ዝዓበየ ክፋሉ ካብ ማይ ከምኡውን ፕሮቲንን፡ ስብሕን ዝቖመ ሓፊስ ፈሳሲ።

ከስዐዋህዮ (lysosome)

ንምሕቃቅ ዘገልግሉ ኤንዚም (enzyme) ዝርከቦ ዋህዮኣዊ ምሕቃቕ ዝዕዮኡ ክፋል ዋህዩ።

መካነ ጉልበት (mitochondria)

ንዋህዮ ዘድሊ ጸዓት፡ ማለት ጉልበተሄት (Adenosine triphosphate)፡ ዘፍሪ ክፋል ዋህዮ።

ስቅስቀ ህንጸት (endoplasmic reticulum)

ኣብ መስርሕ ዋህዮኣዊ  ምሕቃቕ ንዝፍጠር ‘ገፈጥ‘ ዘሕቅቕ፡ ናብ ግዳም ዋህዮ ክወጽእ ዝገብር፡ ውሽጣዊ ክፋል ዋህዩ።

መምብራና (cell membrane)

ንዋህዮ ካብ ከባቢኡ ዝፈሊ፡ መግቢ ዘእቱ፡ ኣብ ውሽጡ ዋህዮ ዝፈረየ ገፈጥ ዘውጽእ፡ ሽፋን።

ሕመረት ዋህዮ (nucleus)

ንኣካለመረ (DNA) ሓቚፉ ዝርከብ ሕመረት።


ብዘይካ ቀያሕቲ ዋህዮታት፡ ኩሎም ዋህዮታት ሰብ ሕመረት ኣለዎም። እቲ ሕመረት ድማ ነቲ ኣካለመረ ሓቚፍዎ ይርከብ። ኣካለመረ ካብቲ፡ ጥውይዋዩ ንጥቕላል ፈትሊ ዘዘኻኽር፡ ፈትለመረ  (chromosome) ዝቖመ እዩ። እቶም  ፈትለመረታት ንእቲ ሓበሬታ ወይ ኣካለመረ ተሰኪሞሞ ይርከቡ፡፡ ኣካለመረ  ካብ ናይትሮጅናዊ ከሚካላዊ ውህደት ዝቖመ እዩ፡ እቶም ውህደታት ድማ በብጽምዲ ጠቕላላ ኣርባዕተ እዮም። ነፍስወከፍ ውህደት ድማ ምስኡ ጥራይ ዝገጥም ናይ ግሉ መጻድምቲ ኣለዎ። እቶም ውህደታት (1) ሲቶሲን/ሳይቶሲን (cytosine) (2) ቲሚን/ታይሚን ( thymine) (3) ኣደነኒን (adenine) (4) ጉዋኒን ( guanine) ይበሃሉ። ቲሚን ምስ ኣደነኒን ከምኡውን ጉዋኒን ምስ ሲቶሲን ይጋጠሙ። ኣሰራርዓ ናይ እቶም ዝተጠቕሱ ጽምዲ ኣብ ነፍስወከፍ ሰብ ብርቂ (ዝተፈልየ) እዩ፡ እዚ ድማ ካብ ናይ ካልኦት ዝተፈላለየ ግዳማዊ ትርኢት፡ ባህሪ ወዘተ ክህልወና ይገብር።


ኣካለመረ ብሚክሮስኮፕ ጥራይ ዝርአ ወትሩ ዝጠዋወ መሳልላዊ ቅርጺ ኣለዎ።



 ኣብ ዘርኢ ሓደ ሰብኣይ 23 ፈትለመረታት (chromosomes ) ይርከቡ፡ ኣብ እንቛቘሖ  ሰበይቲ ድማ ከምኡ። እቶም ንኣካለመረ ዝሓቖፉ
ፈትለመረታት ናይ ሰብኣይን፡ ሰበይትን ብዛዕባ ኣካሎም ሓበሬታ ዝሓዙ እዮም። እዚ ማለት መልክዖም፡ ቁመቶም፡ ሕብሪ ቆርበቶም፡ ሕብሪ ዓይኖም፡ ጸጒሮም ወዘተ። ዘርኢ ሰብኣይን፡ እንቛቘሖ ጓልኣንስተይትን ናብ ሓንቲ ዋህዮ ድሕሪ ምውህሃዶም/ምምካኾም፡ እቲ ዝውለድ ህጻን ብምድምር 46 ፈትለመረታት ይህልዎ። ስለዚ እቲ ህጻን 50% ናይ ኣደ ዘርኢ ከምኡውን ናይ ኣቦ ይህልዎ፡ ብእኡ ምኽንያት ድማ ሕውስዋስ እምበር ፍጹም ናይ ኣቦ ወይ ናይ ኣደ ምስሊ ጥራይ ኣይህልዎን።

መጠን ብዝሒ ፈትለመረታት ካብ ተኽሊ ናብ ተኽሊ፡ ካብ እንስሳ ናብ እንስሳ ዝፈላለ እኳእንተኾነ፡ ኣብኣቶም ውን እቲ መስርሕ ምውራስ ዘርኢ ካብ ህሉው ናብ ዝመጽእ ወለዶ ተመሳሳሊ እዩ።

ጽማቚ

  • ኣካለመረ (DNA)፡ ህያውያን ፍጡራት ብመንገዲ ዘርኦም ንእቲ ዝመጽእ ወለዶ ንምጉባዝ፡ ትግባሬ (function)፡ ተዋልዶ ዘድሊ መፈጠራዊ ሓበሬታ ኣካሎም ከውርሱ ዘኽእሎም፡ ኣብ ዋህዮኦም ዝርከብ ግዛዕ እዩ።
  • ኣካለመረ ብዛዕባ ዝህልወና ግዳማዊ ትርኢትን፡ ገለ ባህርታት ከምኡውን ዝንባለታትን ይውስን። 
  • ኣካለመረ ሰባት ክሳብ 99,5% (ወላ ዝምድና ናይ ዘይብሎም ሰባት) ሓደ እዩ። 

Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧