ስነ-ፍልጠት እንታይ’ዩ፧

ንሓቅነት ናይቲ ዝተባህለ ዝድግፍ መርትዖ ንምሃብ፡ ‘ብሰነ-ፍልጠት ወይ ሳይየነስ ተረጋጊጹ እዩ’፡ ምባል ኣብ ዕለታዊ ዝርርብ ናይ ሰባት ዝውቱር እዩ። ስነፍልጠት ግን ንምዃኑ እንታይ’ዩ፧ እቲ ዘገርም፡ ሓደ ቅቡል ከተያ ወይ መግለጺ ናይ ስነ-ፍልጠት የለን። ኣብ መዝገበ-ቃላት ኦክስፎርድ ‘ስነ-ፍልጠት’ ዝብል ቃል እንተሰዃዕና፡ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መግለጺ ንረክብ፦ “ኣብ ፡ንኣብ. ብፈተነ ዝተረጋገጸ፡ ጭብጢ ዝተሞርኮሰ ፍልጠት ብዛዕባ መዛርዕ ከምኡውን ጠባይ ናይ ባህርን፡ ግኡዛዊ ዓለምን” ዝብል መግለጺ ንረክብ።

መግለጺ ናይታ ‘ስነ-ፍልጠት’ እትብል ቃል ኣብ መዝገበ-ቃላት ካምብሪጅ እተፈተሽና ድማ “ብትዕዝብቲ ከምኡውን ፈተነ ዝተረኽበ ፍልጠት” ዝብል መግለጺ ንረክብ። ተወሳኺ ኣብታ “ሰነ-ፍልጠት እንታይ’ዩ፧” ዘርእስታ መጽሓፍ ናይቲ ምሁር ፍዚካን፡ ፍላስፋን ኖርማን ሮበርት ካምበል፡ ከምዚ ዝስዕብ ዝብል መግለጺ ንረክብ፦ “ ስነ-ፍልጠት፡ ውህላል ናይ ጠቓምን፡ ግብራውን ፍልጠት ከምኡውን ንእቲ ዝተጠቕሰ ( እዚ ማለት፡ ጠቓምን፡ ግብራውን ፍልጠት) ምርካብ ዘኽእል ሜላ እዩ።”

ሰነ-ፍልጠት ወይ ሳየነስ ካብ እቶም ዝተጠቕሱ መግለጺታት ከም እንግንዘቦ፡ ምስ ፍልጠት ዘተሓሕዝ ኣለዎ። ፍልጠት፡ ዝለዋወጥ ትርጉማት ክህልዎ እኳ እንተኸኣለ፡ ሓፈሻዊ ትርጉሙ ብስምዒት ህዋሳት ድሕሪ ምእታዉ ዝተመስረሐ፡ ክውንነታዊ፡ ጭቡጥ ሓበሬታ እዩ። 

ዋላ’ኳ ኣብ ትግርኛ፡ እታ ‘ስነ’ እትብል ቃል ንእቲ ስዒቡ ዝተጠቕሰ ዘጽንዕ፡ ዝድህስስ ወይ ዝምርምር እተአንፍት ቅድመ-ጥብቆ እንተኾነት፡ ስነ-ፍልጠት ጠቕላሊ መጸውዒ ናይቲ ሰባት ብስልስል፡ ግንዛበ ወይ ተመኲሮ ዝረኽብዎ ፍልጠት፡ መግለጺ ወይ ጭብጢ እዩ። እታ ሳየነስ እትብል ቃል ድማ ካብታ ናይ ላቲን ቃል ‘ስክየንቲያ’ (scientia) ዝማዕበለት ኮይና፡ ትርጉማ ፍልጠት፡ ግንዛበ ወይ ኣስተብህሎ እዩ። ስነ-ፍልጠት እምበኣር ኣብ ኩሉ ክምርመር ዝከኣል ዘበለ ዓውድታት ወይ ሸነኻት ክፍጸም ዝኽእል ተግባር እዩ።

     

ስነ-ፍልጠት ብልሓታዊ፡ እዚ ማለት ቅጥዕታት ዝተኸተለ፡ ኣብ ትዕዝብቲ፡ ተመኩሮ፡ ፈተነ ወይ ስልስል ዝተሞርኮሰ ምምእራር ናይ ኣስተብህሎትታት እዩ። እቶም ኣስተብህሎታት ኣብ ዳግም ክረጋገጽ ዝኽእል ጭብጢ፡ መርተዖ ከምኡውን ርትዓውነት ዝተመርኮሱ እዮም። 

ሓድሽ ፍልጠት ንምጒንጻፍ፡ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝነጥፉ ሰባት ዝኽተልዎም ስጒምታት ኣለዉ፡ እቶም ስጒምታት ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይመስሉ፦

 

  1. ምዕዛብ

ንኣብነት፦  ጋዝ እንተዘሓለ ስፍሓት ክንኪ ወይ ክጭበጥ ተገንዚበ!

  1. ሕቶ ምቕራብ 

ጋዝ እንተዘሓለ ይጭበጥ! እዚ ሓቂ ድዩ፧

  1. ጽንሰ-ሓሳብ ምቛም

  ጋዝ ዝመለአ መትሓዚ እንተዘሓለ፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝርከብ ጋዝ ይጭበጥ እዩ።

  1. ኣብ ጽንሰ-ሓሳብ ተመርኲስካ ትንበያ ምሃብ 

ጋዝ ዝመለአ መትሓዚ እንተዝሓልክዎ፡ እቲ ኣብ ውሽጡ ዝርከብ ጋዝ ክጭበጥ እዩ።

  1. ናይቲ ትንበያ ትኽክልነት ምርግጋጽ ወይ ጌግነቱ ብፈተነ ምልላይ 

5 ኪ.ግ ጋዝ ዝሓቖፈት መትሓዚ ናብ መዝሓሊ የእትዋ ኣለኹ።

  1. ፈተነ ዕዉት፡ ኣወንታዊ  እንተኾነ ውጽኢት ምዝርጋሕ 

እታ 5 ኪ.ግ ጋዝ ሓቖፈት መትሓዚ ናብ መዝሓሊ ድሕሪ ምእታወይ፡ ድሕሪ ዝትወሰነ ግዜ እቲ ጋዝ ተጨቢጡ፡ ትሕዘታ ውን ነክዩ፡ ስለዚ ጋዝ እንተዘሓለ ብርግጽ ስፍሓቱ ይንክን፡ ይጭበጥን እዩ።


ጥቕሚታት ስነ-ፍልጠት


ስነ-ፍልጠት፡ ሰባት ብዛዕባ ርእሶምን፡ ከባቢኦምን  ( ንግኡዝን፡ ህይወታውን ዘጠቓልል) ፍልጠት፡ ስውጠት ከምኡውን/ወይ ኣስተብህሎ ዝድልብሉ ሜላ እዩ። እቲ ብኸምዚ ዝተረኽበ ውሑስ ፍልጠት ንሰባት ምርዳእ ናይ ከባቢኦም ከምኡውን ርእሶም የኽእሎም። ሰባት ንእቲ ዝረኸብዎ ኣስተብህሎ መሰረት ብምግባር 1) ዕለታዊ ህወቶም የቃልሉ ወይ ጉልበታዊ ጻዕሪ  የወግዱ ( ንኣብ. ምህዞ መጓዓዝያ፡ ዘቤታዊ መሳርሕያ)፡ 2) ዝገጥሞም ዕንቅፋታት ( ንኣብ. ብምፍዋስ ሕማምን፡ ምህዞ መድሃኒታትን)  የርሕቑ። 


ሰባት ሓደሽቲ ኣተብህሎታት ንምርካብ፡ ኣብኣቶም ብምምርኳስ ድማ መትከላት ንምቛም ካብ ዝጥቀምሎም ሜላታት ስነ-መጐት (logic) እዩ። ስነ-መጐት ንትኽክልነት ድምደማ ዘጽንዕ ዓውዲ እዩ። ሓደ ድምደማ፡ እቶም ናብኡ ዝመርሑ መንቀሊ ግምታት ሓቂ እንተኾኑ ጥራይ እዩ፡ ቅኑዕ ዝኸውን። 

ብሓፈሻ ክልተ ሜላታት ድምደማ ኣለዉ 1) ካብ ድምር ናይ ንጽል ጭብጢታት ሓፈሻዊ ድምደማ ንምምንጫው እዩ፡ ዘኽእል። ልቀታዊ ሜማ (inductive reasoning) ተብሂሉ ይጽዋዕኣብነት፦ ኦክስጅን ጋዝ እዩ => ኦክስጅን ዘለዎ ሙቐት እንተነከየ፡ ስፍሓት ይንኪ ወይ ይጭበጥ እዩ => ከምሳዕቤኑ ኩሎም ጋዛት እንተዘሓሉ ይጭበጡ እዮም። ተወሳኺ ኣብነት፦ ኣራንሺ ንጥዕና ጠቓሚ እዩ => ኣራንሺ ፍሩታ እዩ => ከምሳዕቤኑ ፍሩታታት ንጥዕና ጠቐምቲ እዮም። እቲ ካልኣይ (2) ሜላ ድማ ኣንጻር ናይ እቲ ዝተጠቕሰ ቀዳማይ እዩ። ዕልባታዊ ወይ ፈላቒ ሜማ (deductive reasoning) እውን ይስመ። እዚ ዓይነት ሜላ ንሓፈሻዊ ግምገማ ብንጽል ድምደማ ምድጋፍ እዩ፡ ዘኽእል፡ እዚማለት ንእቲ ድሮ ዝተረኽበ ፍልጠት ንምውሓስ እንተዘይኮይኑ፡ ናብ ሓድሽ ፍልጠት ኣይመርሕን እዩ። ንኣብነት፦ ክንፊ ዘለዎም ኣዕዋፍ ይነፍሩ እዮም => ጒንጓ ዑፍ እዩ => ከምሳዕቤኑ ጒንጓ ይነፍር እዩ።


!=>! ምጥቃም ናይ እታ ካልአይቲ ሜላ ልዑል ጥንቃቐን፡ እኹል ሓበሬታን ይሓትት እዩ። እቲ ምኽንያት ድማ፡ እታ ኣብነት ከም እተተንብሆ ፡ ጌጋ ድምድማ ከስዕብ ዝኽእል ምዃኑ እዩ። ኣብ ኣብነት ከም ዝተበጽሐ ድምደማ፡ ክንፊ ዘለዎም ኣዕዋፍ ኩሎም ይነፍሩ ማለት ኣይኮነን፦ ደርሆ፡ ሰገን፡ ኪዊ (kiwi) ንኣብነት ክንፊ ወይ መንገብገብ ዘለዎም ኣዕዋፍ እየን፡ ምንፋር ግን ኣይከኣለንን እዩ። 


ዓውድታት ስነ-ፍልጠት


ድሕሪ ምምዕባል ዝተሓላለኸ ስልጡን ሕብረተሰብን፡ ምርዳእ ግብራዊ ጥቕሚ ሰነ-ፍልጠትን፡ ብዝሒ ርእሱ ዝኸኣለ ዓውድታት ስነ-ፍልጠት እንዳወሰኸ እዩ፡ መጽዩ። ግናኸ ዓውድታት ስነ-ፍልጠት ብሰፊሑ ኣብ ኣርባዕተ ክኽፈሉ ይኽእሉ 1) እቶም ንህይወታውን፡ ዘይህወታውን ባህሪ ዘጽንዑ፡ ኣድማሳዊ ጭብጥታት እውን ዝምርምሩ ዓውድታት 'ባህርያዊ ስነ-ፍልጠት' (natural sciences) ንኣብ. ፍዚካ፡ ከሚካ፡ ስነ-ህይወት ወዘተ፡ 2) እቶም ንባህሪ፡ ባህሊ፡ ቋንቛ፡ ሓድጊ፡ መንብሮ ወዘተ ናይ ሰባት ዘጽንዑ ዓውድታት 'መጽናዕቲ-ሰብ' (human sciences)፡ 3) ቅጥዕው ስነ-ፍልጠት (formal sciences) ንኣብ. ማተማቲካ፡ ስነ-መጐት፡ 4) መንጎኣዊ ዓውደ-ፍልጠታት (interdisciplinary sciences) (እዚ ማለት ሕውስዋስ ሜላታት ናይ እቶም ዝተጠቕሱ ዝጥቀም) ከም ሕከማዊ ስነ-ፍልጠት፡ ምህንድስና።




Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧