ነዳዲ ዘይቲ እንታይ እዩ፧



ሰባት ነዳዲ ዘይቲ ምትቃም ቅድሚ ኣሸሓት ዓመታት እዮም ጀሚሮም፡ ኣብ ዝሓለፋ ክፍለ ዘመናት ግን፡ ምጥቃም ነዳዲ-ዘይቲ ብዘገርም እናወሰኸ እዩ መጽዩ። ኣብ ኣመሪካ ንኣብነት ምጥቃም ነዳዲ-ዘይቲ ካብ ኣሻሓት ቤርል ክሳብ 1,900፡ ኣብ 2000 ዓመት ብዘገርም ናብ 21 ሚልየን ቤርል እዩ ደይቡ። እዚ ልዕሊ 3.3 ቢልየን ሊትሮ እዩ። እቲ ቤርል ዝተሰምየ ዓይነት በርሚል ኣስታት 159 ሊትሮ ዝኣክል ፈሳሲ እዩ፡ ዝሕዝ። ነዳዲ-ዘይቲ ምንጪ'ቲ ህጹጽን ኣገዳስን ዝኾነ ንደቂ ሰባት ዘድልዮም ጸዓት እዩ። ነዳዲ ዘይቲ ከም ጸዓት ንተሽከርከርቲ፡ ኣብ ገዛ ዝድለ ሙቐት፡ ኤለክትሪክ ንምምንጫው ከምኡውን ዝተፈላለዩ ዓይነት ጎማታትን፡ ዓለባታት  ንምፍራይ የገልግል።

ነዳዲ ዘይቲ፡ ምስ እቲ ካብ ፍረታት ወይ ኣትክልቲ ጸሚቚካ ዝርከብ፡ ንምስራሕ ጸብሒ ዝኸውን ዘይቲ ክደናገር ኣይግብኦን። ነዳዲ ዘይቲ ቅድሚ ምጽራዩ ጸሊም እዩ። መዐቀኒኡ ድማ ቤርል እዩ። ሓደ ቤርል 159 ሊትሮ እዩ። ነዳዲ ዘይቲ ተጻርዩ ናብ በንዚን፡ ናፍታ ላምባን ካልኦት ጋዛትን ይቕየር። ኣብ 159 ሊትሮ ነዳዲ ዘይቲ፡ 2,700 ሊትሮ ማይ ከውዒ ዝኽእል ጸዓት ይርከብ።



ነዳዲ ዘይቲ ኣብ ግዜና ኣብ ዝኸድካዩ እዩ፡ ዝርከብ፡ ተሌፎን፡ኮምፒተር፡ ዝተወሰነ ክዳን ፡ ብነዳዲ ትጎዓዝ መኪና፡ ነፋሪት፡ ባቡር ፡መርከብ፡ ምምንጫው ኤሌክትሪክ፡ ኩሎም ይሓድ ይብዛሕ ነዳዲ-ዘይቲ ብምጥቃም እዮም፡ ከም ዝፈርዩ ወይ ዝሰርሑ ዝግበር። ነዳዲ ዘይቲ ማዕረ ክንድዚ ኣገዳሲ ባህርያዊ ሃብቲ ክንሱ፡ ንሓዋሩ ዘይጸንሕ ተወዳኢ እዩ። ክሳብ መዓስ ብርግጽ ከም እንጥቀመሉ እኯ እንተ ዘይተፈልጠ፡ ሕዛእቲ ነዳዲ ዘይቲ እናጎደለን፡ ተወደአን ከም ዝኸይድ፡ ኣብ ተመራመርቲ ርጉጽ እዩ።


ዕደና ዘይቲ

ዘይተጻረየ ነዳዲ ዘይቲ ቅድሚ 6,500 ዓመታት ኣብ መሰጶጣምያ (ናይ ሎሚ ዒራቅ/ክፋል ሶርያ ከባቢኡን) ኣብ ግዜ ምስራሕ ቤት፡መትሓዚ ማይ፡ዝተጨደ ዕትሮ፡ ጃልባ ወዘተ ማይ ከምዘይሕልፍ ንምግባር፡ ኣብ ጥቅሚ ይውዕል ከም ዝነበረ ይፍለጥ።

ምዕዳን ዘይቲ ብኸምዚ ሎሚ ንፈልጦ መልክዑ ካብ 1853 በቲ ምሁር ናይ ከሚካ\ ከሚስትሪ ሉካሲቪች ( Ignacy Lukasiewicz) ዝተሰምየ ፖለንዳዊ፡ እዩ ጀሚሩ። ንሱ ነዳዲ ዘይቲ ብኸመይ ከም ዝርከብ ድሕሪ ምምርማር፡ ብእኡ ትሰርሕ ፋኑስ ከምዝመሃዘ ውን ይፍለጥ። ኣብቲ ስዒቡ ዝመጽእ ዓመታት ድማ ኣገዳስነት ነዳዲ ዘይቲ፡ ካብ ፋኑስ ሓሊፉ፡ ንብነዳዲ ትጎዓዝ መኪና፡ነፋሪት፡ባቡር ወዘተ ከንቀሳቕስ ከምኡውን ክፈርያ ዝሕግዝ፡ ወርቃዊ ባህርያዊ ሃብቲ ምኯኑ ክልለ ክኢሉ። በዚ ምኽንያት ነዳዲ ዘይቲ፡ 'እቲ ጸሊም ወርቂ' ተብሂሉ ውን ይጽዋዕ እዩ።

ነዳዲ ዘይቲ ንምዃኑ እንታይ እዩ፧

ነዳዲ ዘይቲ ብመልክዕ ጸሊም ፈሳሲ እዩ፡ ዝርከብ። ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኮይኑ፡ ኣብ ባሕሪ/ማይ ዘለዎ ቦታ ወይ ውን ንቑጽ ምድሪ ይጸንሕ። ዝፍጠሩሉ መንገዲ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ይመስል፦ ማያውያን ፍጡራት፡ ( ኣትክልትን ፡ ዓሳታትን)፡ ይመቱን ኣብ ምድሪ ባሕሪ ዘፍ ይብሉን። ኣብኡ ኦክስጅን ኣይርከብን እዩ፡ ከምሳዕቤኑ ድማ እቶም ማያውያን ፍጡራት ክበኑ/ክበርሱ (decompose) ኣይክእሉን፡ ብኸምዚ ድማ ካብቲ ዝመተ ኣካላቶም ድበት (ዘፍታ) ይፍጠር። እቲ ድበት ውን ምስ ሓመድን ሑጻን ይሕወስ፡ ብኸምኡ ድማ ጭቃ ይፍጠር። ኣብ ሓደ ዕምቆት ናይ 1,500-4,000 ሜትሮ ከምኡውን 80-150° ሰልዝየስ ዝበጽሕ ሙቐት ነዳዲ ዘይቲ፡ እዚ ማለት ሃይድሮካርቦን ዝተሰምየ ከሚካዊ ባእታ፡ ይፍጠር። ሃይድሮ 'ሃይሮጅን' ማለት እዩ። ነዳዲ ዘይቲ እምበኣር ውህደት ሃይድሮጅንን ካርቦንን እዩ።

እቲ ኣብኡ ዝዓልብ ልዑል ጸቕጢ፡ ንእቲ ጸኒሑ ነዳዲ ዝኸውን፡ ዘይታም ፈሳሲ ካብቲ ድበት ጸሚቑ የውጸኦ፡ ነዳዲ ዘይቲ ካብ ማይ ዝፈኲስ ብምዃኑ፡ ነቲ ቀቢርዎ ዝርከብ ቀጸላ ምድሪ ሰንጥቚ ንላዕሊ ይመጽእ። ፈሳሲ ኣብ ዘይሕለፍ ቀጸላ ድሕሪ ምብጽሑ ፡ንኣብነት መሬት ጥዑም፡ ድማ ይውህለል ካብኡውን ብሰባት ይዕደን።

(ነዚ ስእላዊ መርድኢ ብምጥዋቕ ኣግዝፍዎ!)


ነዳዲ-ዘይቲ ኣብ ዓለምና ኣገዳሲ ካብ ምዃኑ ዝተላዕለ፡ ንብዙሓት ናይ ኤስያ ሃገራት ኣሃብቲሙወን ፡ ጠንቂ ውግእን ግርጭትን ውን ኮይኑ እዩ። ክሳብ 40% ነዳዲ-ዘይቲ ዓለምና ኣብ እተን ናይ ሓውሲ ደሰት ዓረብ ሃገራት፡ ማለት፡  ሱዕዲ ዓረብ ፡ ኩወይት፡ቀጠር፡ ሕቡራት መንግስታት ኢመረት ከምኡውን ዒራቅ ፡ኢራን፡  ወዘተ እዩ፡ ዝርከብ።

ነዳዲ-ዘይቲ ኣበይ ይርከብ ብኸመይ ንፈልጥ፧

ነዳዲ-ዘይቲ ኣብ ዘለዎ ፈሊጥካ ምፍሓር ክትጅምር፡ ሚልዮናት ዝጠፍእ ገንዘብ ከድሕን ይኽእል እዩ። ኣብ ገለ ቦታት ነዳዲ ዘይቲ፡ ናብ ዝባን ምድሪ ዝድይበሉ ግዜ ኣሎ፡ ይኹን እንበር መዛሕቲኡ እዋን ኣብ ትሕቲ ምድሪ ተቐቢሩ እዩ፡ ዝርከብ፡ በዚምኽንያት ድማ ምፍሓር ግዲ ይኸውን። እቶም ፈሓርቲ ዝጥቀምሉ ፍሉይ መሳርሕታት ኣለዎም ፡ ንኣብነት ጅዮ-ፎን ከምኡ ውን ተዘዝታ ናብ ምድሪ ትሰድድ መኪና። እቲ ተዘዝታ በታ መኪና ምስ ተሰደ፡ ኣብ መዓሙቕ ምድሪ ሃሪሙ ይምለስ እቶም ጅዮ-ፎን ዝተሰምዩ መዐቂኒታት ድማ ነቲ ተኒጺጉ ዝተመልሰ ተዘዝታ ይእክብዎ። ዝተፈላለዩ ነገራት ማለት ሓመድ ፡እምኒ ፡ማይ፡ነዳዲ ዘይቲ ወዘተ ፍሉይ ናይ ምንጻግ ክእለት እዩ ዘለዎም። እቶም ሰባት ድማ ነቲ ብ ጅዮ-ፎን ተኣኪቡ ናብ ኮምፒተር ዝመጾም ሓቤራታት ተጠቂሞም፡ ምስሊ ናይቲ ቦታ ይገብሩ፡ ምስ ቅድሚ ሕጂ ነዳዲ ዘይቲ ዝተረኽቦም ቦታታት ብምንጽጻር ድማ ነዳዲ ዘይቲ ብርግጽ ኣሎ ድዩ ኣብቲ ቦታ የለን ይፈልጡ። ንመረዳእታ ነዚ ዝስዕብ ምስሊ ተመልከት!//////





Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧