ሰባት ንመጻኢ ኩናታት ኣየር፡ ብኸመይ ይፈልጥዎ፧





ምፍላጥ መጻኢ ኩነታት-ኣየር፡ ሰባት ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም ዝሓልምዎ ትምኒት እዩ፡ ዝነበረ። ንኣብነት ኣብ ግዜ ጸሓይ ኣእካሎም ክእክቡ፡ ኣብ ግዜ ማዕበል ወደቦም ከይሓድጉ፡ ኣስጋኢ ኩነታት-ኣየር ዘስዕቦ ሓደጋታት፡ ርእሶም ኣብ ውሑስ ቦታ ብምዕቋብ፡ ከወግዱ ፡ ምፍላጥ መጸኢ ኩነታት-ኣየር ኣብ ኩሉ ዘመናት ኣገዳስን ጠቓምን እዩ። 


ጥንታውያን ሰባት መጻኢ ኩነታት-ኣየር ንምፍላጥ ከም ሓባሪ ዝጥቐሙሎም ዝነበሩ መሳርያታት ጸሓይ፡ ንፋስ፡ ደበና እዩም። ኣብ ብርታዐ ብርሃን ጸሓይ፡ ንፋስ፡ ደበና ከምኡውን ሕሉፍ ተመኲሮ ተሞርኲሶም፡ ነቲ ዝመጽእ ኩነታት-ኣየር ይግምቱ ነበሩ። ድሕሪ ነዊሕ ዘመናት ድማ መዐቀኒታት፡ ማለት ኣኖሞሜተር፡ተርሞሜተር፡ባሮሜተር፡ሃይግሮሜተር፡ኣምብሮመተር ተማሂዞም። እቲ ዕላማ ሓደ እዩ ፡ ንሱ ድማ ብዝተኻእለ መጠን ልክዐኛ ኣመት፡ ናይቲ ዝመጽእ ኩነታት-ኣየር ምህላው፡ እዩ። እዞም ዝተጠቅሱ መዐቀኒታት ዕይኦም ከም እዚ ዝስዕብ እዩ።

 ስም መዐቀኒ 

ጥቕሙ

  1. ኣኖሞሜተር

መዐቀኒ ኣንፈትን፡ ፍጥነትን ንፋስ

  1. ተርሞሜተር

    መዐቀኒ ሙቐት

  1. ባሮሜተር

    መዐቀኒ ጸቕጢ ኣየር

  1. ሃይግሮሜተር

    መዐቀኒ ጠሊ ኣየር

  1. ኣምብሮመተር

    መዐቀኒ ዝናብ

    

ከምእዚ እንዕዘቦ፡ ሰባት ካብ ጥንቲ ጀሚሮም መጻኢ ኩነታት-ኣየር ንምፍላጥ ሃረርር ምስ በሉ እዮም። ኣብ ግዜና ድማ እቲ መስርሕ ሳላ ምዕቡላት መሳሪሕታት እናተመሓየሸ እዩ፡ ዝመጸ። መጻኢ ኩነታት-ኣየር ብሓደ ተኽእሎ ናይ ልዕሊ 85% (ሚእታዊት) ክፍለጥ ይኽእል። እዚ ማለት፡ እቶም ክኢላታት ኣብ ምፍላጥ ናይቲ ዝመጽእ ኩነታት-ኣየር ዝገብርዎ ጌጋ ኣብ ከባቢ 15% ጥራይ እዩ፡ ዝድረት።

ክኢላታት ናይ ሰነ-ሃዋሁው (መትዮሮሎጂስታ)፡ ናይ መጻኢ ኩነታት-ኣየር ኣቐዲምካ ንምፍላጥ፡ ዓለም-ለኻዊ ፍጥነትን፡ ኣንፈትን ንፋስ፡ ሙቐት ፡ጸቕጢ ኣየር፡ ጠሊ ኣየር ፡ ዝናብ ይዕቅኑ። መትዮሮሎጂስታት ኣብ ምድሪ ዓለምለኻዊ ዝውሰዱ ዓቐናት፡ ካብ ህዋ ማለት ሳትላይት፡ ነፈርቲ ከምኡውን ንኸምኡ ዝተሰርሓ ባለንችና (weather balloon) ኣኪብካ ብምምርማር፡ ብዛዕባ መጻኢ ኩነታት-ኣየር ሓበራዊ መደምደምታ ክገብሩ ይኽእሉ።


 ዓለም ለኻዊ ባለንችና ዝስደደሎም ልዕሊ 8,000 ቦታታት ኣለዉ።

እተን ባለንችና ራድዮ ሶንድ (radiosondes) ዝተሰምያ፡ ናብ ምድሪ ድማ ሓቤሬታ ዝሰዳ፡ መዐቀኒታት ሓቚፈን ይርከባ።
እቶም ክኢላታት፡ ነቲ ዝተፈላለየ ምንጪታት ዘለዎ ሓበሬታ ብምእካብ፡ ዝመጽእ ኩነታት ኣየር ብልዑል ተኽእሎ ይግምቱ።
ምስ ምጥቃም ሓደስቲ ምህዞታት፡ ትኽክልነት ቅድመ-ምፍላጥ መጻኢ ኩነታት-ኣየር ፡ ኣዝዩ ወሲኹ እዩ። ይኹንእምበር 100% ትኽክል ምፍላጡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ። እዚ ድማ ኩሎም ረቛሒታት ኩነታት ኣየር ገና ብግቡእ ዘይተጸንዑ ብምዃኖም እዩ።   

Comments

Popular posts from this blog

ካርቦንዳይኦክሳይድ ንምድሪ የውዕያ። ብኸመይ፧

ኣካለመረ (DNA) እንታይ እዩ፧

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧