Posts

Showing posts from December, 2021

እሳተጎመራ ካበይ ይምንጩ፧

Image
  እሳተጎመራ፡ ኣብ ዝባን ምድሪ ዝርከብ ብእኡ ድማ ምካኽ-እምኒ ፡ ሓሞዂሽቲ ከምኡውን ጋዛት ዝወጽሉ ከፋት እዩ። ጥንታውያን ሰባት፡ እቲ ከፋት ኣብ ትሕቲ ቊጽጽር ናይ እቶም ኣብኡ ምህላዎም ዝእመነሎም ኣማልኽቲ ምዃኑ፡ ይኣምኑ ነበሩ። እቲ ‘ቮልከይኖ’ (volcano) ዝብል እሳተጎመራ ዝትርጉሙ ናይ እንግልዝኛ ቃል ውን፡ ካብ ስም ናይ እቲ ‘ቩልካን’ (vulcan) ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ናይ ሮማውያን ኣምላኽ እዩ፡ ተወሲዱ። እቲ ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ ሓዊ ዝገዝእ ምዃኑ፡ ሮማውያን ይኣምኑ ነበሩ። ምንጪ እሳተጎመራ ቅድሚ ምምርማር፡  መዋቕር ወይ 'ኣፈጣጥራ' ምድሪ ንገንዘብ! ሰባት ንምድሪ ኣብ ኣርባዕተ ዓበይቲ ቀጸላታት ይመቕልዎ ንሳቶም ድማ ዝባን/ቅርፍቲ ምድሪ (earth crust) ፡ ሽፋን ምድሪ ( earth mantle) ፡ ላዕለዋይ ሕመረት (outer core) ፡ ታሕተዋይ ሕመረት (inner core) ይበሃሉ። ገለ ተመራርትቲ፡ ንምድሪ ካብ ኣርባዕተ ኣብ ዝበዝሑ ቀጸላታት ውን ይኸፍልዋ እዮም። ቅርፍትን፡ ሽፋንን ምድሪ እታ ህይወት ኣብኣ ጥራይ ዝርከብ ቅርፍቲ ምድሪ፡ ኣብ ባሕርን ንቑጽ ምድርን ዝፈላለ‘ዃ እንተኾነ፡ ግዝፋ ኣስታት 5-60 ኪ.ሜ እዩ፡ ዝበጽሕ። ክሳብ 500 ካብ ዝበጽሑ ዝተፈላለዩ ዓይነት ኣእማን፡ ሓመድ ወዘተ ዝቖመት እያ። እቲ ኣብ ትሕቲ ውቅያኖሳት ዝርከብ ቅርፍቲ ምድሪ ካብ 5-10 ኪ.ሜ ዝበጽሕ ግዝፊ ኣለዎ።  ግዝፊ ሽፋን ምድሪ ክሳብ 2,500 ኪ.ሜ ይኸውን፡ እዚ ድማ ኣስታት ክልተ ሲሶ ናይ ጠቕላላ ግዝፊ ምድሪ እዩ። ሽፋን ምድሪ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብኡ ዝርከብ ልዑል ሙቐት፡ ናብ ፈሳሲ ብዝተቐየረ እምንን፡ ማዕድናትን ዝቆመት እያ። ሕመረት ምድሪ  ሕመረት ምድሪ ኣብ ክልተ ይኽፈል፡ ላዕለዋይን ታሕተዋይን ሕመረት ውን ይስመ። ላዕለዋይ ሕ

ብኸመይ'ዩ ሰብ ዝርኢ፧

Image
ኣስታት 80% ናይቲ ካብ ከባቢና እንወስዶ ሓበሬታ ብዓይኒ እዩ፡ ዝኣቱ። ዓይኒ ፡ ምፍላጥ ማእዝን፡ ርሕቀት፡ ፍጥነት ከምኡውን ምልላይ ሕብሪ፡ ቅርጺ ናይ ሰባትን ፡ ነገራትን የኽእለና። ዝተፈላለዩ ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ናይ ምርኣይን፡ ምፍልላይን ክእለት ካብ ዝተዓደሉ ፍጡራት፡ ሰብ ሓደ እዩ። ገለ ዓሳታት፡ ለመምታውያን ከምኡውን ኣዕዋፍ ግን ሰለስተ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣርባዕተ ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ከም ዝርእዩ ይፍለጥ፡ እዚ ማለት ልዕለሊላ ( ultraviolet )፡ ቀጠልያ፡ ሰምያዊ ከይምኡውን ቀይሕ ሕብሪ፡ ናይ እቲ ኣብ ዝርጋሐ-ብርሃን ዝርከብ ሕብርታት ይርእዩ። ሰባት ግን ንእተን ድሒረን ዝተጠቕሳ 3 ሕብርታት ዝርጋሐ-ብርሃን ጥራይ ይርእዩ። ምርኣይ፡ ኣብ እቶም ንብርሃን ግብረመልሲ ዝህቡ ሃወስቲ፡ ኣብ ዓይኒ ዝርከቡ፡ ዋህዮታት እዩ፡ ዝምርኰስ። ኣገባቡ ከኣ ልክዕ ከም እታ፡ እኹል ብርሃን እንተረኸበት፡ ከባቢና ብመልክዕ ቀዋሚ ወይ ተንቀሳቐሲ ስእሊ ክንስንደላ እንኽእል፡ ካሜራ እዩ። ስነ-መዛርዕ (anatomy) ዓይኒ   ገለ ካብ ክፋላት ዓይኒ! ( ንእቲ ስእሊ ብምጥዋቕ ኣግዝፉዎ ) ዓይኒ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ካብ ዓጽሚ ዝቖመ ጒድጓድ ‘ጠሊቓ’ ትርከብ፡ እቲ ጒድጓድ ድማ ‘መቓድ ዓይኒ’ ተብሂሉ ይጽዋዕ። ካብ መቓድ ዓይኒ ዝነቐሉ ንዓይኒ ንየማን-ጸጋም፡ ላዕሊ-ታሕቲ ከምኡውን ዓንኬላዊ (ዙረታዊ) ምንቅስቓስ ክትፍጽም ዘኽእልዎ ብድምር 6 ጭዋዳታት ኣለዉ። እቶም ጭዋዳታት ናብ እቲ ‘ኣደጎ ዓይኒ’ ተብሂሉ ዝጽዋዕ፡ ላዕለዋይ ቀጸላ፡ እዚ ማለት ንጻፍ፡ ዓይኒ ዝለገቡ እዮም። ኣደጎ ዓይኒ፡ ንመላእ ዂዕሶ ዓይኒ ሸፊኑ ዝርከብ፡ ሽንቅላት (tissue) እዩ። እታ ኣብ መቓድ ዓይኒ ጠሊቓ ትርከብ ዓይኒ፡ ብሰንኪ ዘለዋ ቅርጺ፡ ዂዕሶ-ዓይኒ ተብሂላ ትጽዋዕ።  ካብዚሓሊፉ፡

ባሕሪ ይገይሽ ይበሃል፡ ናበይ፧

Image
እቲ ተደጋጋሚ ምውሳኽን ምንካይን ናይ ውቅያኖስ ማይ ‘ምልኣት-ባሕሪ’ (tides) ተብሂሉ ይጻዋዕ፡ እዚ ማለት፡ እቲ ኣብ ገማግም ውሱናት ባሕርታት ዝርከብ ጽፍሒ ማይ ይውስኽን ይንክን። እቲ ማያት ገማግም ባሕሪ እምበረመጠን እንተደየበ ‘ልዑል ምልኣ ት-ባሕሪ’ (high tide) እንተነከየ ድማ ‘ትሑት ምልኣት-ባሕሪ’ (low tide) ተብሂሉ ይስመ፡ እዚ 'ምጋሽ/መገሻ ባሕሪ' ብዝብል ልምዳዊ መጸውዒ ውን ይፍለጥ፡ እዩ። ጠንቂ ምልኣት-ባሕሪ እቲ ምውሳኽን ምጒዳልን ጽፍሒ ባሕሪ እንተነወሐ 16 ሜትሮ ይበጽሕ። እዚ ማለት፡ እቲ ጽፍሒ ባሕሪ 16 ሜትሮ ይጎድል፡ ናብ ንቡሩ ድማ ይምለስ። ካብ ሓደ ትሑት ምልኣት-ባሕሪ ክሳብ እቲ ሓደ ኣስታት 12 ሰዓታት ይሓልፍ፡ ኣብ ልዑል ምልኣት-ባሕሪ ውን ከምኡ፡ ኣብ ነፍስከወፍ መበል 6 ሰዓት ድማ ልዑልን፡ ትሑትን ምልኣት-ባሕሪ ይለዋወጡ። ኣብ ውሽጢ ኣስታት 24 ሰዓታት እምበኣር 4-ሳዕ ምልኣተ-ባሕሪ ይኽሰት፡ እዚ ማለት ጽፍሒ-ባሕሪ 1) ይጎድል 2) ይውስኽ 3) ይጎድል 4) ይውስኽ። ጠንቂ ምውሳኽን ምንካይን ጽፍሒ ባሕርታት ነዚ ዝስዕብ ይመስል፦ እቲ ኣብ ውቅያኖሳትን ባሕርታትን ዘሎ ማይ፡ ብሰንኪ ስሕበት ወርሒ፡ ኣብ ቀጻሊ ምንቅስቓስ እዩ፡ ዝርከብ። እቲ ብልምዳዊ ስያመ 'መገሻ/ ምጋሽ ባሕሪ' ተብሂሉ ዝጽዋዕ ባህርያዊ ተርእዮ፡ ወርሕን ምድርን ኣብ ሓድሕደን ብዘለወን ስሕበታዊ ጽልዋ እዩ፡ ዝፍጠር። ግናኸ ኣብ ርእሲ እቲ ስሕበት ወርሒ፡ ምልኣት ባሕሪ ክፍጠር ዝገብር ካልእ ሓይሊ ውን ኣሎ ፡ ንሱ ድማ ‘ሕምብርተ-ነጻጊ  ሓይሊ’ (centrifugal force) ተብሂሉ ይጽዋዕ። ሕምብርተ-ነጻጊ ሓይሊ፡ ኣብ ዙረታዊ ምንቅስቓስ ዝፍጠር፡ ንሓደ ኣካል ካብ እቲ ሕምብርቲ ዙረት ንግዳም ዝጒንጽ ሓይሊ እዩ።