Posts

Showing posts from November, 2021

ብኸመይ'ዩ ሰብ ድምጺ ዝሰምዕ፧

Image
  'ብዙሕ ክንሰምዕ ክልተ እዝኒ ተወሃብና፡ ውሑድ ክንዛረብ ግን ሓንቲ መልሓስ ኣሎትና' ዝብል ጥንታዊ ብሂል ኣሎ። ምስማዕ ኣብ ምልውዋጥ ሓበሬታ ምስ ሰብን ኣከባብን ሰፍ ዘይብል ተራ ይጻወት። እዝኒ 24 ሰዓታት ድምጺ ንኽሰምዕ ዕሙር፡ እዩ። ሰባት ገና ኣብ ከብዲ ኣደ ከለዉ፡ ድሕሪ ኣስታት 24 ሳምንቲ ጥንሲ፡ ምስማዕ ይጅምሩ። ብምስማዕ እነትዎ ሓበሬታ ኣርባዕተ ዝተፈላለዩ መሰረታውያን ስምዒታት ከለዓዕል ይኽእል። እቶም ኣርባዕተ ስምዒታት ድማ ጓሂ፡ ሓጎስ፡ ቁጠዐ፡ ፍርሓት እዩም። እዝኒ፡ ሓደ ካብ እቶም ሓሙሽተ ስምዒት-ህዋሳት ሰብ እዩ። ቀዳማይ ዕዩ እዝኒ ነቲ ብምልክዕ ማዕበል ዝመጾ ድምጺ ተቐቢሉ፡ ናብ መትናዊ ዋሕዚ (ኤለክትሪካዊ ምልክት) ድሕሪ ምልዋጥ፡ ናብ ሓንጎል ምምሕልላፍ እዩ። ብዘይካዚ፡ እዝኒ፡ ወይ እቲ ኣብ ውሽጢ እዝኒ ዝርከብ ክፍለኣካል፡ ሚዛን ኣካል ክንሕሉ የኽእለና። ማዕበል ድምጺ፡ ንዝናዘ ናይቲ ቆይሙ ወይ ከቢቡና ዝርከብ ፈሳሲ፡ ጋዝ ወይ ድሩቕ ነገር እዩ። እዝንና እምበኣር ነቲ ንዝናዘ ጋዝ፡ እዚ ማለት ኣየር፡ ፈሳሲ ወይ ድሩቕ ነገር ናይ ምህዋስ ክእለት እዩ፡ ዘለዎ።    ስነ-መዛርዕ (anatomy) እዝኒ   ኣብኡ ብምጥዋቕ ስእሊ ኣግዝፉ! እዝኒ ከምዚ ዝስዕብ ኣብ ሰለስተ ይኽፈል፦ ደጋዊ፡ ማእከላይ፡ ውሽጣዊ ክፋል እዝኒ። ደጋዊ ክፋል እዝኒ ካብ ኩሮ እዝኒ ከምኡ ውን ካብ መትረብ እዝንን ደጋዊ ገጽ ከበሮ እዝንን ዝቖመ እዩ። ኲሮ እዝኒ ካብቲ 'ቆርጠምጠማ' ( cartilage) ተባሂሉ ዝፍለጥ ልምሉም ሽንቅላጥ (tissue) ከምኡውን ቆርበት ዝቖመ እዩ። ማእከላይ ክፋል እዝኒ ድማ ካብ ከበሮ እዝኒ፡ ሞደሻ እዝኒ ፡ ወጸቓ-እዝኒ ከምኡውን ርኻብ-እዝኒ ዝቖመ እዩ። ከበሮ እዝኒ ረቂቕ ግዝፊ ዘለዎ ተወጢሩ ዝርከብ

ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ብኸመይ ይፍጸም፧

Image
ኣካ ልና መሰረታዊ ዕዮታት ከም ምስትንፋስ፡ ዙረት-ደም፡ ምዕቃብ ሙቐት፡ ምሕቃቕ ምግቢ ወይ ፡ ብሓፈሻ፡ ንገብሮ ኣካላውን ኣእምራውን ንጥፈታት ክፍጽም ጸዓት የድልዩ። እቲ ጸዓት ኣብ ኣካልና ብኸምኡ ክምንጩ ብዘይምኽኣሉ ብመልክዕ ምግቢ ካብ ደገ ነእትዎ። እቲ ንበልዖ ምግቢ ካብ ዝተሓላለኸ ከሚካዊ መዛርዕ (structure) ዘለዎ ፕሮቲን፡ ካርቦሃይድሬት፡ ስብሒ፡ ማዕድናት፡ ቪታሚናት፡ ዝቖመ እዩ። ኣካል ሰብ ንእዚ ዝተጠቕሰ ትሕዝቶ ምግቢ ከም ዘለዎ ክጥቀመሉ ኣይክእልን እዩ። ኣካልና ክጥቀመሉ ክኽእል፡ እቲ ትሕዝቶ ምግቢ ናብ ዝደቐቐ ክፋሉ ክዝርዘር ግዴታዊ  እዩ። እቲ ምዝርዛር ትሕዝቶ ምግብን፡ ናብ ዙረት ደም ክሳብ ዝጽንበርን፡ ንግዳም ክሳብ ዝወጽእን፡ ዘሎ መስርሕ ብሓፈሻ 'ስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ' ተብሂሉ ይጽዋዕ። ምሕቃቕ ምግቢ ኣብ ኣፍ ይጅምር እቲ ንስርዓተ ምሕቃቕ ምግቢ ዘገልግል ውሽጣዊ ክፋል ሰብ፡ ንሻምብቆ ዘዘክር ቅርጺ ዘለዎን ብጭዋዳታት ዝተኸበን እዩ። ምሕቃቕ ምግቢ ገና ኣብ ኣፍ‘ዩ ዝጅምር። ዝበላዕናዮ ምግቢ መጀመርያ ብምሕያኽ ነዳቕቖ። ሓደ በጽሒ ሰብ ንምድቓቕ ምግቢ ዘገልግሉ ብጠቕላላ 32 ስኒታት ኣለዎ።እዚ ማለት፡ እቶም ኣብ ማእከል ላዕላይን፡ ታሕታይን ምንጋጋ ዝርከቡ፡ በላሕቲ ብምዃኖም ድማ ንምቚራጽ ምግቢ ዘገልግሉ 'ቆሎ ስኒታት' 8፡ ንምምንጫት ዘገልግሉ 4 'ዓቃቢቶታት'፡ ንምድቃቕ ዘገልግሉ 'ቅድመ-ኮራርምቲ' 8፡ ንምሕያኽ ዘገልግሉ 'ኮራርምቲ' 8፡ ከምኡውን እቶም ብ 'ኮራርምቲ ሓይሊ' ዝፍለጡ ዳሕረዎት 4 ኮራርምቲ፡ እዚኣቶም ብድምር 32 እዮም።  ንእዞም ዝተጠቕሱ ስኒታት ብምጥቃም ምሕቃቕ ምግቢ ድሮ ኣብ ኣፍ ፡ብምሕያኽ፡ ንጅምሮ። ኣብ ግዜ ምሕያኽ ምራቕ (ጥፍጣፍ) ብ

ብኸመይ'ዩ ሳሙና ርስሓት ዘጽሪ፧

Image
ኣካልና እንተተሓጸብና፡ ክዳና ጽያቕ እንተዘይብሉ፡ ንበልዓሉ ጠረጴዛ ወዘተ እንተተወልወለ፡ ሓደ ዘህድም ጨና ኣይፍጠርን፡ ክልተ ድማ ዝዕይን ወይ ዘልግብ መጠግጠጋይ ነገር ኣይህሉን፡ እዚ ድማ ንዝበዝሑ ሰባት ባህ ዘብል፡ እዩ። ምውልዋልን ምሕጻብን ንዕለታዊ ህይወትና እኹል እዩ። ከምኡ ብምግባር ድማ ምስሳን ናይ እቶም መግብን ካልእን ዘበስብሱ ዕሰ (fungus) ነወግድ ኢይና። ግናኸ ምውልዋልን ምሕጻብን እኹል ዘይኮነሉ ቦታታትን፡ ህሞታትን ኣሎ እዩ፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ቤት-ሕክምንና። ምልባዕ ሕማም ንምውጋድ፡ ከምዚ ዝመሰሉ ቦታታትን ኣብኡ ኣብ ኣገልግሎት ዝውዕሉ መሳሪሕታትን፡ ዉልውሉን ሕጹብን ካብ ምዃን ሓሊፎም፡ ካብ ደቀቕቲ-ተህዋስያን (microorganisms) ነጻ ክኾኑ ኣለዎም። ነዚ ንምግባር ዝሕግዝ ቀዳማይ መሳርሒ ሳሙና ድሕሪኡ ድማ መምከኒ፡ እዩ።  ሳሙና ብዘበነ ጥንቲ ሰባት ቅድሚ ብዙሓት ዘበናት ብምጅማር ሳሙና ይጥቀሙ። ካብ ከባቢ ቅድሚ 4,500 ዓመታት ጀሚሮም፡ ብሓደ ዝፈለሐ ሓሞዂሽትን፡ ስብሕን ብምጥቃም፡ ኣብ ኤስያ ሳሙና የፍርዩ ነበሩ። እቲ ብኸምዚ ዝተሰርሐ ሳሙና ሕማማት ናይ ምፍዋስ ክእለት ከም ዝነበሮ፡ ብሰባት ይእመን ነበረ። ብዘይካዚ ፡ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ከባብቢኡን ዝርከቡ ሰባት ከም ሽብጢ ፡ ግራዋ ፡ ስገሞ ዝመሰሉ ኣትክልቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ንምጽራይን ምንጻህን ይጥቀሙሎም እዮም። ከምዚ ዝመሰሉ ኣትክልቲ ኣብ ኣቚጽልቶም፡ ጉንዶም፡ ሱሮም ወይ ዘርኦም 'ሳፐኒን' (saponin) ዝተሰምየ፡ ኣብ ማይ ዝዓፍር ትሕዝቶ ይርከቦም፡ እቲ ዓርዓር ዝመቐረቱ ትሕዝቶ ፡ማለት 'ሳፐኒን'፡ ርስሓት ናይ ምስዳድን፡ ጸረ-ባክተርያዊ ኣድምዖ (effect) ከም ዘለዎን ብስነ-ፍልጠት ተጸኒዑ፡ እዩ። እቲ ኣብ ግዜና ብሰፊሕ ኣብ