Posts

ጸዓት እንታይ እዩ፧

Image
  ጸዓት   ሓደ መሰረታዊ ክፋል ናይ ግኡዛዊ ፍጥረት እዩ። ካብ ምሕሳብ ጀሚሩ ክሳብ ንገብሮም ምንቅስቓሳትን ዙረት ፕላኔታትን ድማ ናቱ ሰፍ ዘይብል ተራ ይጻወት። ብመንጽር ከተያ (መግለጺ) ፊዚካ (ፍዚክስ)፡ 'ጸዓት ስራሕ ዝፍጽም ዓቕሚ እዩ'። እቲ ዘገርም ብዛዕባ ጸዓት፡ ሕጊ ተዓቅቦ-ጸዓት   ( the law of conservation of energy )    ከም ዝብሎ፡ ፍጹም ካብ ባዶሽ ዘይፍጠርን ዘይድምሰስን ምዃኑ እዩ። እቲ ሕጊ ተዓቅቦ ጸዓት  ከምዚ ዝስዕብ ይብል፥ "ጸዓት ክድምሰስ ይኹን ክፍጠር ኣይክእልን እዩ፡ ካብ ሓደ ኩነት ወይ ዓይነት ጸዓት ናብ ካልእ ጥራይ እዩ፡ ክቕየር ዝኽእል።" እዚ እንታይ ማለት እዩ፧ ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ከም ኣብነት ንውሰድ! ኤሌክትሪካዊ ጸዓት ናብ ሙቐት፡ብርሃን፡ምንቅስቓስ፡ ብቐሊሉ ክቕየር ስለ ዝኽእል፡ ሓደ ካብቲ መሰረታውን ኣብ ዕለታዊ ህይወት ብብዝሒ ንጥቐመሉን ዓይነት ጸዓት ኮይኑ ይርከብ፡ እዚ ድማ ንብርሃን ኣብ ግዜ ጸልማት፡ ንሙቐት ኣብ ግዜ ዛሕሊ ወይ ንምንቅስቓስ ብመኪና ይኹን ካልእ ዘቤታዊ  መሳሪሕታት ንጥቀመሉ ብምዃንና እዩ። እዚ ግን እቲ እንኮ ዓይነት ጸዓት ኣይኮነን።  ጸዓት ጠቕላላ 6 መሰረታውንያን መልክዓት ኣለዎ፡ እዚ ማለት ብድምር ጠቕላላ ሽዱሽተ ዓይነታት ጸዓት ኣለዉ። እቶም ዓይነታት ጸዓት 1) ከሚካዊ፡ 2) ኤለክትሪካዊ፡ 3) ጸርጋዊ ፡ 4) መካኒካዊ፡ 5) ሙቐታዊ ከምኡዉን 6) ኑክልየሳዊ ጸዓት፡ ተብሂሎም ይጽውዑ። ብዛዕባ ካልኦት ዓይነታት ጸዓት ውን ነቢብኩም ክትኮኑ ትኽእሉ፡ ግናኸ ኩላቶም ብምጽንባር ናይ እዞም ዝተጠቕሱ ዓይነታት ጸዓት እዮም፡ ዝርከቡ። ነፍስወከፍ ናይ እዞም ዝተጠቕሱ ዓይነታት ጸዓት ናብ ካልእ መልክዕ ክቕየር ወይ ክልወጥ ይኽእል እዩ። ንኣብነት ጸርጋዊ

ነዳዲ ዘይቲ እንታይ እዩ፧

Image
ሰባት ነዳዲ ዘይቲ ምትቃም ቅድሚ ኣሸሓት ዓመታት እዮም ጀሚሮም፡ ኣብ ዝሓለፋ ክፍለ ዘመናት ግን፡ ምጥቃም ነዳዲ-ዘይቲ ብዘገርም እናወሰኸ እዩ መጽዩ። ኣብ ኣመሪካ ንኣብነት ምጥቃም ነዳዲ-ዘይቲ ካብ ኣሻሓት ቤርል ክሳብ 1,900፡ ኣብ 2000 ዓመት ብዘገርም ናብ 21 ሚልየን ቤርል እዩ ደይቡ። እዚ ልዕሊ 3.3 ቢልየን ሊትሮ እዩ። እቲ ቤርል ዝተሰምየ ዓይነት በርሚል ኣስታት 159 ሊትሮ ዝኣክል ፈሳሲ እዩ፡ ዝሕዝ። ነዳዲ-ዘይቲ ምንጪ'ቲ ህጹጽን ኣገዳስን ዝኾነ ንደቂ ሰባት ዘድልዮም ጸዓት እዩ። ነዳዲ ዘይቲ ከም ጸዓት ንተሽከርከርቲ፡ ኣብ ገዛ ዝድለ ሙቐት፡ ኤለክትሪክ ንምምንጫው ከምኡውን ዝተፈላለዩ ዓይነት ጎማታትን፡ ዓለባታት  ንምፍራይ የገልግል። ነዳዲ ዘይቲ፡ ምስ እቲ ካብ ፍረታት ወይ ኣትክልቲ ጸሚቚካ ዝርከብ፡ ንምስራሕ ጸብሒ ዝኸውን ዘይቲ ክደናገር ኣይግብኦን። ነዳዲ ዘይቲ ቅድሚ ምጽራዩ ጸሊም እዩ። መዐቀኒኡ ድማ ቤርል እዩ። ሓደ ቤርል 159 ሊትሮ እዩ። ነዳዲ ዘይቲ ተጻርዩ ናብ በንዚን፡ ናፍታ ላምባን ካልኦት ጋዛትን ይቕየር። ኣብ 159 ሊትሮ ነዳዲ ዘይቲ፡ 2,700 ሊትሮ ማይ ከውዒ ዝኽእል ጸዓት ይርከብ። ነዳዲ ዘይቲ ኣብ ግዜና ኣብ ዝኸድካዩ እዩ፡ ዝርከብ፡ ተሌፎን፡ኮምፒተር፡ ዝተወሰነ ክዳን ፡ ብነዳዲ ትጎዓዝ መኪና፡ ነፋሪት፡ ባቡር ፡መርከብ፡ ምምንጫው ኤሌክትሪክ፡ ኩሎም ይሓድ ይብዛሕ ነዳዲ-ዘይቲ ብምጥቃም እዮም፡ ከም ዝፈ ርዩ ወይ ዝሰ ርሑ ዝግበር። ነዳዲ ዘይቲ ማዕረ ክንድዚ ኣገዳሲ ባህርያዊ ሃብቲ ክንሱ፡ ንሓዋሩ ዘይጸንሕ ተወዳኢ እዩ። ክሳብ መዓስ ብርግጽ ከም እንጥቀመሉ እኯ እንተ ዘይተፈልጠ፡ ሕዛእቲ ነዳዲ ዘይቲ እናጎደለን፡ ተወደአን ከም ዝኸይድ፡ ኣብ ተመራመርቲ ርጉጽ እዩ። ዕደና ዘይቲ ዘይተጻረየ ነዳዲ ዘይቲ ቅድ